እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሕማም ዓይኒ ብሽንቲ ክፍውስ ዝፈተነ ሰብኣይ ዓዊሩ
ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ብኮንጁንክቲቪቲስ (ነድሪ ኣዒንቲ) ዝተጠቕዐ ሰብኣይ፡ ሕማሙ ንምፍዋስ ባህላዊ መድሃኒትን ሽንትን ድሕሪ ምጥቃሙ ከምዝዓወረ ተገሊጹ።
እቲ ባቡ ኣዩባ ዝተባሃለ ውልቀሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኴሊማነ ሕክምናዊ ሓገዛት ይግበረሉ ኣሎ።
ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በቲ መድመይቲ ዝነበሮ ሕማም ዓይኒ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ከምዝተጠቕዐ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣዒንተይ ብሳምናን ሽንትን ተሓጺበ፡” ኢሉ።
እቲ ተግባር ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ልሙድ ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።
እንተኾነ እቲ ኵነታቱ ከምዝተጋደደን ኣብ መወዳእታ ዓይኑ ከምዝዓወረን ገሊጹ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሓኪም ዓይኒ ዝኾነ ኡጌንያ ካቬለ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ባህላዊ መድሃኒታት ምጥቃም ነቲ ባክቴርያ ከምዝባዛሕ ብምግባር ናብ ዑረት ከምዘብጽሖ ኣረዲኡ።
“ኣብ ኣዒንቱ ዝኾነ ምልክታት ናይ ኮንጃንክቲቪቲስ ዝረኣየ ሰብ፡ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ብዝብል ብስነፍልጠታዊ መገዲ ዘይተረጋገጸ ነገራት ካብ ምጥቃም ክቝጠብ ኣለዎ፤ እዚ ናብ ዑረት ከምርሕ ይኽእል እዩ፡” ይብል።
ኣብ ሞዛምቢክ እቲ ሕማም ብብዝሒ ካብ ዝርአ ንደሓር፡ እዚ ባህላዊ መድሃኒት ብምጥቃም ዝሰዓበ ፈላሚ ዑረት ምዃኑ ይግለጽ።
መድመይቲ ዘስዕብ ነድሪ ኣዒንቲ፡ ርእሰ ከተማ ማፑቶ እትርከበን ኵለን ዞባታት ሞዛምቢክ ተራእዩ ኣሎ።
ኣብ ማፑቶ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤትማእሰርቲ፡ ብውሕዱ 270 እሱራት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ለብዒ ኮንጃንክቲቪቲስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ'ውን ከምዝተርኣየ ጸብጻባት ይሕብሩ።