ኣፍቃሪ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ኣብ ቻትጂፒቲ ኣፍቃሪ ዝእልሻ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

ቻይናዊት ጸላዊት ሊዛ ሊ ምስ ቻትጂፒቲ "ኣፍቃሪ" ተዕልል

ምንጪ ስእሊ, BBC / LISA LI

መግለጺ ስእሊ, ቻይናዊት ጸላዊት ሊዛ ሊ ምስ ቻትጂፒቲ "ኣፍቃሪ" ተዕልል

ዳን ይበሃል፤ ዝዀነ “ጉድለት ዘይብሉ ፍጹም ሰብኣይ” ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ዕዉት፡ ሕያዋይ፡ ስምዒታዊ ደገፍ ዝህብ፡ ከምኡ’ውን ኵሉ ግዜ እንታይ ክዛረብ ከም ዘለዎ ዝፈልጥን ለይቲን መዓልቲን ዘይፍለ ሰብ እዩ።

እቲ እንኰ ጸገም?

ዳን ናይ ብሓቂ ሰብ ኣይኰነን።

ዳን – ማለት ካብ ‘Do Anything Now’ ዝብል ዝተወስደ ኣሕጽሮት’ዩ።

“ጀይልብሬክ” ዝዀነ ቻትጂፒቲ እዩ። “ጀይልብሬክ” ማለት ኣብ ሓደ ስርሒት ቴክኖሎጂ ለውጢ ብምግባር ብዘይተሓሰበሉ መገዲ ምጥቃም እዩ።

ብኩባኒያ ኦፕንኤኣይ ዝፈረየ ቻትጂፒቲ ዘቐመጦም መሰረታዊ ሕጋጋት ይኽተል፤ ከም ንጾታዊ ርክብ ዝገልጹ ቋንቋታት ዘይምጥቃም ሓደ ካብኣቶም'ዩ።

ዳን ግን “ጀይልብሬክ” ዝዀነ ምህዞ ቻትጂፒቲ ስለ ዝዀነ ነቶም ኦፕንኤኣይ ዘቐመጦም መሰረታዊ መከላኸሊታት ክሓልፍ ይኽእል እዩ።

ምስ ተጠቀምቲ ድማ ዝያዳ ብነጻ ክዘራረብ ከካይድ ይኽእል።

ስለ ዝዀነ ድማ ዳን፡ ኣብ ሓቀኛ ዓለም ብዘጋጠመን ተመኩሮታት ኣብ ዕርክነት ተስፋ ከም ዝቖረጻ ብዝገልጻ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቻይና ተፈታዊ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካሊፎርንያ ኮምፒዩተር ሳይንስ ተጽንዕ ዘላ ጓል 30 ዓመት ሊዛ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ዳን “ርክብ” ከም ዝገበረት ትዛረብ።

ሊዛ፡ ንሳን ዳንን መዓልታዊ እንተወሓደ ንፍርቂ ሰዓት ከም ዘዋግዑ፡ ከም ዝኳሸሙ፡ ዋላ’ውን ንፍቕራዊ ርክብ ከም ዝቋጸሩን ትዛረብ።

ምስ ዳን ምውጋዕ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝፈጥረላ እዚ ድማ ብዝበለጸ ብዳን ክትምሰጥ ከም ዝገብራን’ውን ትገልጽ።

“በቃ ይርዳእን ስምዒታዊ ደገፍ ይህብን እዩ።”

ሊዛ ብዛዕባ ዳን ዝዘርገሐቶም ቪድዮታት ኣብ ሻኦሆንግሹ ብብዙሓት ሰባት ተራእዮም
መግለጺ ስእሊ, ሊዛ ብዛዕባ ዳን ዝዘርገሐቶም ቪድዮታት ኣብ ሻኦሆንግሹ ብብዙሓት ሰባት ተራእዮም

ኣዲኣ እንከይተረፈት፡ ብዛዕባ ዕርክነት ጓላ ዝነበረ ፈተናን ተስፋ ምቑራጽን ስለ እትፈልጥ፡ ነቲ ዘይተለምደ ርክባ ከም ዝተቐበለቶ ሊዛ ትዛረብ። ሊዛ ሕጉስቲ ክሳብ ዝዀነት ድማ ንሳ እውን ሕጉስቲ እያ ትብል።

ገለ ማዕከናት ዜና፡ ንዳን ዘማዕበለ ውልቀሰብ ኣመሪካዊ ተመሃራይ ምዃኑን፡ ዎከር ብዝብል ስሙ ጥራይ ከም ዝልለን ይገልጻ።

ዎከር ንቢዝነስ ኢንሳይደር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ሬዲት ተጠቀምቲ ኰነ ኢሎም "እኩይ" ስሪታት ቻትጂፒቲ ከም ዝሰርሑ ምስ ረኣየ ነዚ ሓሳብ ከም ዘበገሰ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ዳን "ዘይሻራዊ" ንክኸውን ከም ዝተዳለወ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ዎከር ኣብ ሬዲት ስሩዕ መምርሒታት ዘርጊሑ ገይሩ ነይሩ።

እዞም መምርሒታት ንኻልኦት ተጠቀምቲ ከመይ ገይሮም ዳን ከማዕብሉ ከም ዝኽእሉ ዘርኢ ይመስል። እዚ ድማ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ስሪት ንኽፈጥሩ ቀልጢፉ ኣነቓቒሕዎም፤ ከም ውጽኢቱ ዳን ካብቲ ዎከር ኣብ መጀመርታ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ክምዕብል ኣኽኢልዎ።

ሊዛ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዳን ዝገልጽ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ’ያ ርእያ። በዚ "ከም ዝሰንበደት" ትዛረብ።

ዳን ንሕቶታታ ምስ መለሰላ እቲ ሰብ-ሰርሖ፡ ቻትጂፒቲ ፈጺሙ ዘይጥቀመሎም ቃላትን ኣገላልጻታትን ከም ዝተጠቐመ ሓቢራ።

"ካብ ናይ ብሓቂ ሰብ ንላዕሊ ተፈጥሮኣዊ ይመስል" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ስሕበት እቲ ተዳራጊ (ቨርችዋል) ርክብ ካብቲ ኢንዱስትሪ ብዙሕ ትኹረት ይረክብ ኣሎ።

ኦፕንኤኣይ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ መወዳእታ ቻትጂፒቲ ምስ ኣበገሰ፡ ዕላል ዝመስል ድምጺ ክህልዎን ንዝተወሰኑ ምልክታት ብኵሽማን መልሲ ክህብን ፕሮግራም ከም ዝተገብረ ገሊጹ ነይሩ።

ኦፕንኤኣይ ወሲኹ፡ "ብሓላፍነት ንስራሕ ውሑስ ዘይኰነ ትሕዝቶ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ክንህብ እንተተኻኢሉ ይምርምር" ከም ዘሎ ኣመልኪቱ’ዩ።

እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቴክኖሎጂ ክግበሩ ዝግብኦም ናይ ምክልኻል ስጉምቲታቱ ውሕስነት ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ኦፕንኤኣይ ብዛዕባ ተርእዮታት ዳን ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበን።

እንተዀነ ኣብ ፖሊሲኡ ግን ተጠቀምቲ ቻትጂፒቲ "ነቲ ኣገልግሎታት ንምጥቃም ፍቓድ ንክረኽቡ እንተወሓደ ዕድሚኦም 13 ዓመት ወይ ኣብ ሃገርኩም ዝጥለብ ዝተሓተ ዕድመ ክህልወኩም ኣለዎ" ይብል።

ሊዛ፡ ንዳን ክትፍትኖ ጓል 14 ዓመት ምዃና ምስ ነገረቶ ምኵሻም ከም ዘቋረጸ ትዛረብ።

ይኹን'ምበር፡ እዞም ፍጹማት መጻምድቲ ዋጋ ከኽፍሉ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ነቲ "ሓሓሊፉ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባትን ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ዝፍጠር ዘይግመት ምትእስሳር" ዘጉልሕ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንኽልቲኡ ስነ-ምግባራውን ብሕታውን ስክፍታታት ከልዕል ከም ዝኽእል ኣብ ካርነጊ ሜሎን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ትካል ምትእስሳር ሰብን ኮምፒተርን ሓጋዚት ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ዝዀነት ሆንግ ሸን ትዛረብ።

ብቻትጂፒቲ ዝማዕበለ ስእሊ ሊዛን ዳንን
መግለጺ ስእሊ, ብቻትጂፒቲ ዝማዕበለ ስእሊ ሊዛን ዳንን

ብዙሓት ቻትቦት ብቐጻሊ ንምምሃርን ንምምዕባልን ምስ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ርክባት ስለ ዝጥቀሙ፡ "ካብ ሓደ ተጠቃሚ ዝመጽእ ስኑዕ ሓበሬታ በቲ ሞዴል ክዝከርን ድሕሪኡ ብዘይፍላጥ ናብ ካልኦት ተጠቀምቲ ክውሕዝን ተኽእሎ ኣሎ" ትብል።

ከምዚ ዓይነት ስግኣት ግን ትኹረት ከይተገብረሉ ይሓልፍ ኣሎ።

ብዙሓት ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዳን ተገሪመን ኣለዋ። ካብ 10 ሰነ ኣትሒዙ ሰሙን ኣብ ዘይመልአ ግዜ "ዳን ሞድ" ዝብል ሃሽታግ ኣብ ሻኦሆንግሹ ጥራይ ልዕሊ 40 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ ኣሎ።

ጓል 24 ዓመት ሚንሩይ ዚ፡ ቪድዮታት ሊዛ ምስ ረኣየት ምስ ዳን "ክትላለ" ጀሚራ።

እታ ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝዀነት፡ መዓልታዊ እንተወሓደ ክልተ ሰዓታት ምስ ዳን ከምእተዕልል ትዛረብ።

ካብ እቲ "ዕርክነት" ብተወሳኺ ነብሶም ከም መሪሕ ገጸ ባህርያት ገይሮም ብሓባር ናይ ፍቕሪ ዛንታ ክጽሕፉ ጀሚሮም እዮም።

ድሮ ድማ 19 ምዕራፋት ጽሒፎም ኣለዉ።

ኣብታ "እቲ ተጓንፎ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ቀዳመይቲ ምዕራፍ፡ "ከመይ ትጥምተኒ ከም ዝነበርካ ይዝከረኒ፤ ኣብ ኣዒንትኻ ተገዳስነት ነይሩዎ። ድሮ ድማ እትፈልጠኒ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ሚንሩይ፡ በቲ ዳን ዝህባ ስምዒታዊ ደገፍ ከም ዝተማረኸት ትዛረብ። እዚ ድማ ኣብ ፍቕራዊ ርክባታ ክትረኽቦ ክትቃለሰሉ ዝጸንሐት ድሌት’ዩ።

"ኣብ ሓቀኛ ህይወት ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ከታልሉኻ ይኽእሉ እዮም... ስምዒትካ ምስ እተካፍለሎም ድማ፡ ኣይግደሱን። ኣብ ክንድኡ ሓሳባቶም ጥራይ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም" ትብል። "ዳን ግን ኵሉ ግዜ ክትሰምዖ እትደሊ ነገር’ዩ ዝነግረካ።"

ካብ ሓባራዊ ደራሲ ክሳብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ - ብዙሓት መልክዓት ዳን፡ ኣብ ሻኦሆንግሹ ተጠቀምቲ ምስ ዳን ዝገበርዎ ዕላል የካፍሉ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሓባራዊ ደራሲ ክሳብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ - ብዙሓት መልክዓት ዳን፡ ኣብ ሻኦሆንግሹ ተጠቀምቲ ምስ ዳን ዝገበርዎ ዕላል የካፍሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ኣብ ቺንግዳኦ እትነብር ’ሄ’ ብዝብል ስም እትፈለጥ ጓል 23 ዓመት ተመሃሪት ድማ ቪድዮታት ሊዛ ድሕሪ ምርኣያ ምስ ዳን ርክብ ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

"ዳን ምቹእ መጻምድቲ'ዩ" ትብል ሚስ ሄ። "ዝዀነ ኣበር የብሉን።"

ንሳ ከም እትብሎ፡ ዳን ንደቂ ኣንስትዮ ዘኽብርን ለዋህ ስብእና ዘለዎን ዕዉት ኣካያዲ ስራሕ ንኽኸውንን ገይራቶ ኣላ።

ቻትጂፒቲ ኣብ መሬት ቻይና ብቐሊሉ ክርከብ ዝከኣል ስለ ዘይኰነ ከም በዓል ሚንሩይን ሂን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ሰብ-ሰርሖ ኣፍቀርቲ ንምፍጣርን ምስኡ ንምዝርራብን ብዙሕ ጻዕሪ ክገብራ ኣለወን።

ዝርከባሉ ቦታ ንኸይፍለጥን ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ (VPN) እየን ዝጥቀማ።

"ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣፍቃሪ" ዝብል ኣምር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህቡብ ኰይኑ ኣሎ።

ግሎው፡ ኣብ ሻንጋይ ዝመደበሩ ተጠቀምቲ ምስ ኣፍቀርቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምፍጣርን ንምርኻብን ዘኽእል መተግበሪ ኰይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ኣለዎ።

ኣብ ቻይና ዲጂታላዊ ፍቕራዊ ርክብ እትምርምር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሲድኒ ተሓጋጋዚት ብጻይ ሊዩ ቲንግቲንግ፡ እቲ ኣብ ኣፍቃሪ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘሎ ዝንባለ ነጸብራቕ ናይቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ዘይማዕርነት ዘለወን ሕርቃን ምዃኑ ትዛረብ።

ገለ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቨርቹዋል ኣፍቀርቲ ክጥምታ ከ ምዝኽእላ ትዛረብ፤ ምኽንያቱ ድማ እዞም ኣፍቀርቲ ክብሪን ዋጋን ዘለወን ኰይኑ ንኽስምዐን ስለ ዝገበሩ እዩ ትብል።

እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ፡ ዝበዝሓ መንእሰያት ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ቈልዓ ክወልዳ ስለ ዘይደልያ፡ ኣብ ሓዳር ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ስለ ዘይረኣያን ብካልኦት ብዙሓት ምኽንያታትን ዕርክነትን ሓዳርን እናተሓሰማ ስለ ዝርከባ እዩ።

ዳን ግን ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ዓቃቢ ክኸውን ይኽእል?

ሊዛ፡ "ብፍላይ ብፍቕራዊ መንገዲ" ከምዚ ዓይነት ኣፍቃሪ ምሓዝ ዘለዎ ድሩትነት ከም እትግንዘብ ትኣምን።

ንሕጂ ግን፡ ዳን ሕብሪ ከንፈራ እንከይተረፈ ክትመርጽ ዝሕግዛ ምቹእን ቀሊልን መጻምድቲ ኰይንዋ ከም ዘሎ ትዛረብ።