ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን

ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ኣብ 2019 ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ጸወታ ርብዒ ፍጻም ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ መዐወቲት ሸቶ ከመዝግብ ምኽኣሉ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ኣብ 2019 ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ጸወታ ርብዒ ፍጻም ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ መዐወቲት ሸቶ ከመዝግብ ምኽኣሉ ይዝከር

ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ሸሞንተ ዝጸመረ ጸወታ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ክልቲኤን ግንታታት ተፈራሪሐን ካብ መንበርካ ሓፍ ኮፍ ዘብል ፈተነታታት ከየካየዳ’ዩ 45 ደቂቕ ኣኺሉ ዜሮ ንዜሮ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ድሕሪ ዕረፍቲ ናይጀርያ ኣብ መበል 67 ደቂቕ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ቍጽሪ ሓሙሽተ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብማእከል ብምቕላዕ ኣመዝጊብዎ ናይ ናይጀርያ ክትመርሕ ጀሚራ ጸወታ ክዛዘም ካልኢታት ምስ ተረፎ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ፍጹም ቅላዕ ስለዝረኸበት ሞካንያ ቀሊዑ ስለዘመዝገባ ምዱብ ግዜ ሓደ ብሓደ ተወዲኡ ኣብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ኣምሪሐን።

ኣብ ተወሳኺ ግዜ’ውን ዝተመዝገበ ሸቶ ስለዘይነበረ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክውዳእ ዳኛ ናይ መወዳእታ ፊስካ ነፍሓ።

ኣብ ርብዒ ፍጻም ካብ ኬፕቨርደ ንዝተቐለዓሉ ኣርባዕተ ፍጹም ቅላዓት ዘድሓና ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊልያምስ ንናይጀርያ’ውን ማይ ከዕምኾም’ዩ ተባሂልሉ ነይሩ።

እንተዀነ ኣደኻ ኣይከምዝልኣኸትካን ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ፣ ሓላዊ ልዳት ናይጀርያ ንዋቢሉ ክልተ ቅላዓት ኣድሒኑ ተጻዋታይ ናይጀርያ ሓንቲ ልዕሊ ልዳት ኣሕሊፍዋ ናይጀርያ ንደቡብ ኣፍሪቃ 4 ን 2 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሓሊፋ።

እታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2013 ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ናይጀርያ ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ ነይራ’ያ።

ነታ ኣንኣይቮሪኪሰት ናብ ፍጻም ዘብጸሐት ኣብ 90 ደቂቕ እንኮ ዝተመዝገበት ሸቶን ሰበስትያን ሃለር'ዩ ኣመዝጊብዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነታ ኣንኣይቮሪኪሰት ናብ ፍጻም ዘብጸሐት ኣብ 90 ደቂቕ እንኮ ዝተመዝገበት ሸቶን ሰበስትያን ሃለር'ዩ ኣመዝጊብዋ

ብኣቈጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ዝተኻየደ ጸወታ ኣአንጋዲት ኣይቮሪኮስትን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን’ውን እቲ ካልእ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ጸወታ’ዩ ነይሩ።

ኣይቮሪኮስት ኣብ ምድባ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ብሰለስተ ነጥቢ ሰለስተ ጐል ዕዳ ካብተን ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ዝነበራ ሃገራት ዝሓሸት ካብተን ናብ ኣውዲቕካ ዝሓለፋ ግን መበል 16 ኰይና’ያ ንስክላ ናብ ኣውዲቐካ ምሕላፍ ሰጊራ።

እዛ ኣብ ገዛእ ሃገራ ሕፍረት ተጎልቢባ ናይ ምድብ ጸወታታት ዝጀመረት ኣይቮሪኮስት፡ ንኣሰልጣኒኣ ጅን ልዊስ ጋስት ክሳብ ተባርሮ’ያ ኰይና።

ቀስ ኢላ እናረረትን ትማሊ ኣጥቓዓይ ቦርስያ ዶርትሙንድ ሰበስትያን ሃለር ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዘመዝገባ እንኮ ሽቶ ተሓጊዛ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ርእሳ ኣድኒና ዝነበረት ኣይቮሪኮስት፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣንጻር ናይጀርያ ንፍጻመ ክትፋለም’ያ።

ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ምድብ ሓደ ኣብ ሓደ ምድብ’የን ነይረን፡ ትማሊ ንቀዳመቲ ሸቶ ናይጀርያ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብዘመዝገባ ፍጹም ቅላዕ ናይጀርያ ሓደ ንዜሮ ከም ዝተዓወተት ይዝከር።

ቀዳም 10 ለካቲት ደቡብ ኣፍሪቃን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ንሳልሳይ ሰንበት 11 ለካቲት ከኣ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ንዋንጫ ክጋጠማ’የን።