ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ሸሞንተ ዝጸመረ ጸወታ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ክልቲኤን ግንታታት ተፈራሪሐን ካብ መንበርካ ሓፍ ኮፍ ዘብል ፈተነታታት ከየካየዳ’ዩ 45 ደቂቕ ኣኺሉ ዜሮ ንዜሮ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።
ድሕሪ ዕረፍቲ ናይጀርያ ኣብ መበል 67 ደቂቕ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ቍጽሪ ሓሙሽተ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብማእከል ብምቕላዕ ኣመዝጊብዎ ናይ ናይጀርያ ክትመርሕ ጀሚራ ጸወታ ክዛዘም ካልኢታት ምስ ተረፎ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ፍጹም ቅላዕ ስለዝረኸበት ሞካንያ ቀሊዑ ስለዘመዝገባ ምዱብ ግዜ ሓደ ብሓደ ተወዲኡ ኣብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ኣምሪሐን።
ኣብ ተወሳኺ ግዜ’ውን ዝተመዝገበ ሸቶ ስለዘይነበረ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክውዳእ ዳኛ ናይ መወዳእታ ፊስካ ነፍሓ።
ኣብ ርብዒ ፍጻም ካብ ኬፕቨርደ ንዝተቐለዓሉ ኣርባዕተ ፍጹም ቅላዓት ዘድሓና ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊልያምስ ንናይጀርያ’ውን ማይ ከዕምኾም’ዩ ተባሂልሉ ነይሩ።
እንተዀነ ኣደኻ ኣይከምዝልኣኸትካን ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ፣ ሓላዊ ልዳት ናይጀርያ ንዋቢሉ ክልተ ቅላዓት ኣድሒኑ ተጻዋታይ ናይጀርያ ሓንቲ ልዕሊ ልዳት ኣሕሊፍዋ ናይጀርያ ንደቡብ ኣፍሪቃ 4 ን 2 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሓሊፋ።
እታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2013 ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ናይጀርያ ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ ነይራ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣቈጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ዝተኻየደ ጸወታ ኣአንጋዲት ኣይቮሪኮስትን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን’ውን እቲ ካልእ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ጸወታ’ዩ ነይሩ።
ኣይቮሪኮስት ኣብ ምድባ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ብሰለስተ ነጥቢ ሰለስተ ጐል ዕዳ ካብተን ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ዝነበራ ሃገራት ዝሓሸት ካብተን ናብ ኣውዲቕካ ዝሓለፋ ግን መበል 16 ኰይና’ያ ንስክላ ናብ ኣውዲቐካ ምሕላፍ ሰጊራ።
እዛ ኣብ ገዛእ ሃገራ ሕፍረት ተጎልቢባ ናይ ምድብ ጸወታታት ዝጀመረት ኣይቮሪኮስት፡ ንኣሰልጣኒኣ ጅን ልዊስ ጋስት ክሳብ ተባርሮ’ያ ኰይና።
ቀስ ኢላ እናረረትን ትማሊ ኣጥቓዓይ ቦርስያ ዶርትሙንድ ሰበስትያን ሃለር ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዘመዝገባ እንኮ ሽቶ ተሓጊዛ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ርእሳ ኣድኒና ዝነበረት ኣይቮሪኮስት፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣንጻር ናይጀርያ ንፍጻመ ክትፋለም’ያ።
ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ምድብ ሓደ ኣብ ሓደ ምድብ’የን ነይረን፡ ትማሊ ንቀዳመቲ ሸቶ ናይጀርያ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብዘመዝገባ ፍጹም ቅላዕ ናይጀርያ ሓደ ንዜሮ ከም ዝተዓወተት ይዝከር።
ቀዳም 10 ለካቲት ደቡብ ኣፍሪቃን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ንሳልሳይ ሰንበት 11 ለካቲት ከኣ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ንዋንጫ ክጋጠማ’የን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







