'ኣጋ እርጋነይ ማይ ንማይ ተሪፈ' - ብዘይ ተለዋጢ ገዛ መንበሪኦም ዝፈረሶም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት መደባት ብዝብል ዕላማ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ብጅምላ ፈሪሶም'ዮም።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ መንግስቲ ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሓሉ ኣብ ዘሎ መደባት ልምዓት 'የጫካው ፕሮጀክት'፣ ናይ ኮሪደር ልምዓትን ዳግመ ልምዓትን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣባይቲ ተፈሪሶም ብኻልኦት ልምዓታት ተተኪኦም ወይ ድማ ኣብ ከይዲ ስራሕ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ነቶም መንበሪ ኣባይቶም ዝፈረሶም ነበርቲ እታ ከተማ ካሕሳን መተካእታ ቦታን ዝተውሃቦም ኣለው። እንተኾነ ብዘይ መተካእታ ኣብ ሜዳ ዝወደቑ ነበርቲ ከምዘለዉ'ዉን ብዙሓት እዮም።

ካብዞም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 13 ፍሉይ ስም ከባቢ ሰላም ኣምባ ይርከብዎም። እቶም "ስነዳት ዘይብሎም" ዝተብሃሉ ወነንቲ ገዛውቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኣስታት 30 ዓመታት ከምዝተቐመጡ ይዛረቡ።

ኣብዘን ዓመታት ስድራ መስሪቶም ርጉእ ናብራ ክነብሩ ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ ግብሪ መሬት ካብ ምኽፋል ብተወሳኺ ናይ ነባርነት ግቡኦም እናተግበሩ ከምዝቐፀሉ መርትዖታት የቕርቡ።

እቶም ልዕሊ 450 ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብተለምዶ 'የጨረቃ ቤት' ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ ከባቢታት ዝነብሩ ኮይኖም መንግስቲ ናይ መርየት ዋንነት ሰነድ ክህቦም ምዃኑ ቃል ኣትዩሎም ከምዝነበረ ብምጥቃስ እንተኾነ ካብቲ ናይ ኮሪደል ልምዓት ካብ 200 ክሳዕ 300 ሜትሮ ሪሒቖም ዝርከቡ ኣባይቲ ግን ከምዝፈረሱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቶም ነበርቲ ገዛ ተኻርዮም ስድራኦም የመሓድሩ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ እንተላይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታቶም ከምዝተበታተነ ገሊጾም።

ነበርቲ ነቲ ብዘይ መንበሪ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ዝደርበዮም ስጉምቲ "ኣረሜናዊ" ክብሉ ዝገልጽዎ ኮይኖም ህይወት ሓሳረ መከራኦም ተብልዖም ከምዘላ ተዛሪቦም። ክልተ ሰብ ዛንታ እዚ ፍጻመ ናይ ገዛእ ርእሶም ዛንታ ከምዝስዕብ ኣዘንትዮምዎ።

"ዓዲ ዘላትኒ'ዩ ዝመስለኒ ነይሩ..." ወርቅነሽ ኣለሙ*

ኣደ ሰለስተ ቆልዑ እየ። ኣነ ሓንቲ ካብተን ንዝሓሸ ህይወት ኢለን ናብ ሃገራት ዓረብ ተሰዲደን ዝነበራ እሞ ናብ ዓደን ዝተመልሳ ኢትዮጵያውያን እየ።

ኣብ ዓዲ ዓረብ 11 ዓመት ሰሪሔ እየ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ናይ ስደት ህይወት ግን ናብ ዓደይ ክምለስ ወሰንኩ። ገንዘብ ስለ ዝነበረኒ መዕረፊ እትኾነኒ ገዛ ክገዝእ ደለኹ።

ኣብ 2015 ንደቅኺ መዕበይ ዝኸውን ገዛ ዓድጊ ኢሎም ኣብ ናይ ባንኪ ሒሳበይ ዝነበራ ገንዘብ ነጋጊፈ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ሰላም ኣምባ ገዛ ገዚአ። እቲ ገዛ ሰለስተ ተወሳኺ ክፍልታት ዝነበሮ'ዩ።

ክገዝኦ እንከለኹ ካርታ ከም ዘይብሉ ፈሊጠ'የ ኣትየዮ። ንሳቶም ግን "ክጸድቕ እዩ" ስለዝበሉኒ ኣሚነዮም። ብመንግስቲ ክጸድቀልኩም'ዩ ተባሂሎም ቃል ስለዝተኣወተሎም ከመይ ዘይኣምኖም?

ገዛ ብምክራይ ምንጪ ኣታዊ ረኺበ ደቀይ ከዕቢ ጀሚረ። ኣብ ወርሒ ትሽዓተ ሽሕ ብር እረክብ። ካብዚ ብተወሳኺ ደቂ ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት ደቀይ በቲ ናይ ጽሬት ስራሕ ዝረኽቦ ኣታዊ እየ ዘዕብዮም።

ከምዚ ኢለ ህይወተይ እናደፍእኩ እንከለኹ፡ ሎሚ ዓመት ንህይወተይ ግልብጥብጥ ዘበለ ኩነታት ኣጋጢሙ። ውጽኢት ረሃጸይ ኣብ ዓዲ ዓረብ ሸቒለ ዘጥረኹዎ ገዛይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከምዝፈርስ ተነጊሩኒ።

ቀዳም ሰዓት 10 መጺኦም ሰኑይ ነቲ ገዛ ዘፍርስ ሓይሊ ዕማም ከምዝመጽእ ሓቢሮምና።

"ጽባሕ ንብረትኩም ኣልዕሉ" ተባሂልና። ኣነ ካልኦት ሰባትን "ኣይንወጽእን ኢና" ኢልናዮም። ኣበይ ኢና ክንወድቕ? እንተበልናዮም "ዶዘር መጺኣ ክተፍርሶ እያ፡ ተልዓሉ" ተባሂልና።

ስድራይ መጺኦም ንብረተይ ኣልዒሎም፡ ናይ ጽዕነት መኪና ከፊሎም ሒዞሞ ከይዶም። እዚ ክኸውን ከሎ ኣነ ምስ ቀልበይ ኣይነበርኩን።

ኣብ ዓዲ ዓረብ ንልዕሊ 11 ዓመታት ሸቒለ ዝገዛእኽዎ ገዛ ስለዝፈረሰ ምስ ውነይ ኣይነበርኩን። ነብሰ ጾር ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ጸቕጢ ደም ስለዝነበረኒ የቐንዝወኒ ነይሩ'ዩ። ገዛይ ከምዝፈርስ ካብ ዝንገረኒ ንድሓር ግን ጥዕና ኣይጸግብን ዘለኹ።

ቃንዛይ እናገደደ ይኸይድ ስለዘሎ ኩነታተይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክፍታሕ ናብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ስለዝበጽሐ ኣብ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ደረጃ በጺሐ ኣለኹ። ሕጂ ንደቀይ እምበር ንርእሰይ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ።

ናብ ዓዲ ዓረብ ክምለስ ሓሲበ'ኳ እንተነበርኩ እቶም ቆልዑ ግን ምስ መን ክገድፎም? ከም ቀደም ተባዕ ኣይኮንኩን ዘለኹ። ዓዲ ኣላትኒ እናበልኩ ተመሊሰ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቐ።

ሰብ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እንከሎ ብተስፋ እዩ ዝኣቱ። ኣነ ግን ኣብዚ ምስ መጻእኩ ዝረኸብክዎ ካብቲ ናይ ዓዲ ዓረብ ናብራይ ዝተፈለየ ኣይኮነን ዘሎ። እንታይ ዶ ተሪፉኒ'ዩ?

ካብ ቀበሌ ክሳዕ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ብምኻድ ጉዳየይ ዝሰምዑኒ እንተኾኑ ኢለ ሓቲተ። መን እሞ ሰሚዑኒ? ንሓላፊ እቲ ክፍለ ከተማ ረኺበ "ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኢና፤ ቆልዑ ኣለዉና። እቶም ቆልዑ ጠሚዮም ኣለዉ። 'ዝብኢ ከይበልዓልና' ኢለ ለሚነዮ። ንሱ ግን "ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣይነተባብዕን ኢና" ኢሉ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣውጺኡኒ" ኢላ።

ናብቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘይተመላለስኩላ መዓልቲ ዳርጋ የላን። ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ገዛውቶም ዝዓነወ ሰባት ኢና ከድና። ምስ ደቅና ኣብ ሜዳ ወዲቕና፤ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? ኢልናዮም። "ዓሰርተ ግዜ ኣይትመላለሱ፤ ካብ ስራሕና ኣይተብኩሩና" ዝብል መልሲ ሂቦሙና።

ሕጂ ራብዓይ ወርሒ ሒዘ ኣለኹ። ኣዕሩኽተይን ኣዝማደይን ኣዋጺኦም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ክራይ ገዛ ከፊሎም ንደቂ ሓረስቶት ኣብ ዝተሃነጸ ኮንዶሚንየም እነብር ኣለኹ።

ደሞዘይ ክልተ ሽሕን 79 ብር እዩ። ካብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ርሒቐ እየ ዝነብር ዘለኹ። ናብ ስራሕ ንምእታው ነዊሕ ርሕቀት እጓዓዝ። ደሞዘይ ንናይ መጓዓዝያ ከፊለ ዝተርፈኒ ውሑድ'ዩ።

ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሰ በዓላት ብዘይ ዕረፍቲ እንተሰሪሐ ዝያዳ ገንዘብ ክረክብ እየ። ደቀይ ኣብ ገዛ ዓጽየ ናብ ስራሕ ዝኸደሉ እዋናት ኣሎ። ሓለ ሓሊፉ ዝብላዕ ዝስተ ዘይቐርበሎም ግዜ ኣሎ። ካበይ ከ ከምጽእ?

ብዘረብሕን ዘይረብሕን ምስ ሰባት ይብኣስ፤ ኩሉ ነገር ጽልምትምት ኢሉ'ዩ ዘሎ ድቃስ የብለይን።

ገዛውቶም ፈሪስዎም ኣብ መይዳ ዝተደርበዩ ከም ወርቅነሽ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዜጋታት'ውን ብዙሓት'ዮም።

ካልእ ወዲ 85 ዓመት ኣቶ ዘለኣለም፡ ገዝኡ ከም ዝዓነወን ኣብ ኣጋ እርጋኑ ኣብ ሕሰም ከም ዝወደቐን ይዛረብ።

'ኣብ እርጋነይ ባዶ ተሪፈ' ኣቶ ዘለኣለም* (ወዲ 85 ዓመት ሽምግለ)

ኣብ ሂወተይ ዘይረኣኹዎ ነገር የለን። እዚ ዘመን ግን ዝገደደ እዩ። ኣብዚ ዕድመ እዚ ገዛ የድልየኒ፣ መግቢ የድልየኒ፣ ክዳን የድልየኒ። እንተኾነ ዋላ ሓንቲ የብለይን ዘለኹ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም እንሰምዖ መንግስቲ ጡረታ ንዝወጽኡ ንኣረጋውያን ይሕግዝ። ኣነ ግን ዝሃነጽክዎ ገዛ ኣፍሪሶም ጥራሕ ኢደይ ኣትሪፎሙኒ። ቅድሚ 22 ዓመት እዩ ከም መዓልታዊ ሰራሕተኛን ዋርድያን ኮይነ ሰሪሐ ሓሙሽተ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ሰሪሐ። ደቀይ እውን ኣብዛ ገዛ እየ ኣዕብዮም።

ቀደም ገዛ ኣካርየ ብወርሒ ሽዱሽተ ሽሕ ብር ይረክብ ነይረ። ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብቐንዱ በዚ እቶት እየ ዝመሓደር ነይረ።

ኣብ ከባቢና መንግስቲ ዝሓተቶ ኩሉ ኣበርክቶ ኣበርኪተ ኣለኹ። ንህዳሰ ግድብ ገንዘብ ካብ ምውጻእ ክሳዕ ከባቢኻ ምሕላው ሰሪሔ ኣለኹ።

ምዝገባ ኮንዶሚንየም ምስ ተጀመረ ሓደ ምረጹ ስለዝተባህለ ተመዝጊብና ገዲፍናዮ። ኣብ ኮንዶሚንየም ካብ ዝነብር ክሳብ ናይ ህይወተይ ፍጻመ ኣብዚኣ ክነብር እየ መሪጼ።

ምስ ሰለስተ ናይ ወረዳ ኣመሓደርቲ ተኣኪቦም "ዘይሕጋውያን ከምዝኾንኩም ፈርሙ" ኢሎሙና። ኣይፋልን ስለዝበልናዮም ብዘይ ምስምዕማዕ ተፈላሊና።

እቲ ግዳይ ዝኾነ ሕብረተሰብ'ውን ብውሳነ እቶም ኣመሓደርቲ ስለዘይተሓጎሰ ኣጉረምሪሙ። 'ነቲ ልምዓት ኣይንቃወምን ገዛውትና ዝፈርስ እንተኾይኑ ግን ኣቲና ነዕርፈሉ መተካእታ ክትህቡና ኣለኩም' ምስበልናዮም ገዲፎምና ከይዶም።

ሓደ መዓልቲ መጺኦም "ክፈርስ ስለዝኾነ ተኻረይቲ ውጽኡ" ምስ በሉ ተኻረይተይ "ንዓኻ ሓዲግና ኣይንኸይድን" ኢሎሙኒ። እቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ግን ብሓይሊ ክወጽኡ ኣዚዞም። ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ናባይ መጺኦም ክወጽእ ስለዘገደዱኒ ቆርቆሮ ነቒለ ሒዘ ከይደ።

ኣብቲ ከባቢ ገዛ ክራይ ክባር ስለዝኾነ ኣለም ባንክ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ሰፈር ከይደ ብ4ሽሕ ብር ክራይ እነብር ኣለኹ።

መተካእታ ቦታ ወይ ካሕሳ ክወሃበና ዘይከድናዮ መንግስታዊ ትካል የለን። ይኹን እምበር ፍታሕ ዝህበና ስኢንና ኣብ መይዳ ወዲቕና ኣለና።

ወደይ 12 ክፍሊ ስለዝወድአ በቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገዛ ክራይ ኮሌጅ መምሃርክዎ ነይረ። ሕጂ ግን ንሱ'ውን ኣብ ስራሕ ኣለሻ እዩ ዝውዕል።

በዓልቲ ገዛይ ድማ ኣብ ኣፈደገ በሪ ድንሽ እናሸጠት ፈጣሪ ይመስገን ንመዓልታዊ ቀጠምጠም ዝኸውን ኣይተስኣነን። ኣነ'ውን ሸቕሊ እንተረኸብኩ ኢለ ይወሳወስ እየ። ገሊኦም ሕያዊት ሰባት 20 30 ቅርሺ ይህቡኒ'ዮም።

ናይ ገዛና ሶፋ ኮፍ እንተበልኩሉ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ክልተ ሽሕ እንተውጺኡለይ ክሸጦ ሓሲበ ኣለኹ። ኣነን በዓልቲ እንዳይን ናይ ደም ድፍኢት ስለዘለና መድሓኒት ንወስድ ኢና።

ካብ ግዜ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ብዙሓት መንግስታት ርእየ እየ። ከምዚ ናይ ሎሚ መንግስቲ ግን ገጢሙኒ ኣይፈልጥን። እዚ ኩሉ ገዛውቲ ፈሪሱ መዓት ህዝቢ ተፈናቒሉ ምስ እዩ ክነብር?

ብሽም ልምዓት ንዘመናት ዝነበርሉ ኣባይቲ ዝዓነዎም ነበርቲ ወረዳ 13 መሰለይ እዩ ዝብሉዎ ንኸይሓቱ፡ ካብ ማእሰርቲ ክሳዕ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም ተዛሪቦም።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር "ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ" ብዝብል ተኸሲሱ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ነባሪ እቲ ከባቢ፤ ብቤት ፍርዲ ነጻ ምስ ተባህለ፡ እንደገና ምስ ፋኖ ርክብ ነይሩካ ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰን ድሓር ብዋሕስ ከምዝተሰፈትሐን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቢቢሲ ነበርቲ ዝተፈላለየ ግብሪ ዝኸፈልሉ ሰነዳት ዝርኣየ ኮይኑ ናይ ማይን ኤሌክትሪክን ክፍሊት ዝርከቦ'ዩ።

ብተወሳኺ ቁፅሪ ኣባላት ስድርኦምን ካልእ ሓበሬታን ኣተሓሒዞም 455 ነበርቲ እቲ ወረዳ ጥርዓኖም ናብ ውድብ ኢህኣፓ ዘቕረቡሉ ሰነድ ርእዩ፤ ብሰንኪ ስንባደን ካልእ ምኽንያታትን ዘይፈረሙ ነበርቲ ብምህላዎም እቲ ቁጽሪ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ቢቢሲ ኣብቲ ርእሰ ጉዳይ ኣድሂቡ ምላሽ ንምርካብ ናብ ሓለፍቲ ክፍለ ከተማ ቦሌ ተደጋጋሚ ደወል'ኳ እንተገበረ ኣይሰለጠን ኣሎ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ካልኦት ክልተ ወረዳታት ዝነብሩ ተመሳሳሊ ዕጫ ዘጋጠሞም ሰባት ከምዘለዉ እውን ይንገር።

ካብዚ ወፃኢ ኣስታት 800 ነበርቲ ንኡስ ወረዳ ለሚ ኩራ ወረዳ 13 ብፍሉይ ስም ቁሊቲ፣ "ንፕሮጀክት ጫካ" ተባሂሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣባይቶም ዝፈረሰ ኮይኑ ካሕሳ ከምዘይተዋህቦም ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረን ቢልዮናት ብር ዝተመደበሉን "ናይ ልምዓት ኮሪደር" ቅርስታት ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይትን ትካላትን ከምዝፈረሱ ይፍለጥ።

ካብዚኣቶም ክንደይ መተካእታ ቦታ ወይ መንበሪ ገዛን ካሕሳን ከምዝረኸቡ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበበ ኣብ 2017 ዓ.ም፡ ናይ ፍርቂ ዓመት ኣፈፃፅማ ንቤት ምኽሪ ከተማ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ኣባይቶም ንዝፈረሶም ሰባት 10 ቢልዮን ብር ካሕሳ ከምዝተኸፈለ ገሊጻ።

*ናይቶም ሰብ ዛንታ ስም ንድሕነቶም ተባሂሉ ተቐይሩ'ዩ።

ኣየናይ እዩ እቲ ዘይሕጋዊ ገዛ? መሰላት ነበርቲ እንታይ እዮም?

ኣቐዲሙ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረ ጠበቓ ታምራት ኪዳነማርያም ኣብ 1967 ዓ.ም ድሕሪ እቲ ብ19 ሓምለ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ናይ ከተማ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ ሓደ ገዛ ካብ ትእዛዝ መንግስቲ ወጻኢ ሰብ ብፍቓዱ ኣብ ዝተታሕዘ መሬት እንተተሃኒጹ ዘይሕጋዊ እዩ ዝበሃል። እዚ ድማ ብተለምዶ "የጨረቃ ቤት" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣባይቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስልጣን ኣለዎ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱን እቲ ገዛ ብመንግስቲ ተመዝጊቡን ግብሪ እናተኸፈሎ እንተጸኒሑን ግን ብኸፊል ሕጋዊ ብኸፊል ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ይበሃል ይብል እቲ ጠበቓ።

ድሕሪኡ ኣብ መስርሕ ሕጋውነት ኤሌክትሪክን ማይን ኣትዩዎ መስመር ተሌፎን ተዘርጊሑ ካርታ ምስ ተዋህበ ሕጋዊ ገዛ ይኸውን።

እቲ ካርታ ዝስራሓሉ ገዛ (ቁጽሪ ካዳስተር) ዝበሃል ኮይኑ እቲ ናይ መረጋገጺ ካርታ ግን ኣይተዋህበን፣ ብኸፊል ጥራይ ዘይኮነስ ሕጋዊ ንኽኸውን ብዙሕ ነገራት ዘማልእ እዩ።

ስለዚ መንግስቲ ኣየናይ ገዛ እዩ ናይ ምፍራስ ስልጣን ዘለዎ?

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ታምራት፣ መንግስቲ ካብ ትእዛዝ መንግስቲ ወጻኢ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተታሕዘ መሬት ዝተሃነፁ ኣባይቲ፣ ነዊሕ ዝፀንሑን ብሕጋዊ መስርሕ ዘይሓለፉን ኣባይቲ ብሕጋዊ መንገዲ ከፍርስ ይኽእል እዩ።

ኣቶ ታምራት፡ መንግስቲ ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ሕጋዊ መሰረት ከምዘየለ ኣብሪሁ።

"ዘይተዛዘመ፡ ዘይተመዝገበ፡ ካርታ ዘይብሉ፡ ቁጽሪ ገዛ ዘይተዋህቦ ሓድሽ ገዛ እውን እንተኾነ ክተፍርሶ ሕጋዊ ኣገባብ ኣሎ" ይብል እቲ ክኢላ። እቲ ቀዳማይ እቶም ወነንቲ ባዕሎም ንኽፈርሱ ግዜ ምሃብ እዩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተዋህበ ግዜ ክፈርሱ እንተዘይክኢሎም ብናይ መንግስቲ ወጻኢታት ክፈርስ ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ዝፈረስ ዘሎ ገዛ ዘሎ ንብረት ድማ ምስ መንግስቲ ክቕመጥ ኣለዎ።

እቲ ንብረት ዋላ'ኳ ምስ መንግስቲ እንተተቐመጠ ዋንነቱ ናይቶም ሰብ ንብረት'ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ነቲ ገዛ ንምፍራስን ንብረት ንምውሳድን መንግስቲ ወጻኢ ዝገበሮ ገንዘብ ተተሚኑ ሰብ ዋና ንብረት ወጻኢታት ከፊሎም ክወስዱ ከምዝኽእሉ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ታምራት ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።