'መለግለግ ዝብል ነገር ተሰሚዑኒ '- ዓሳ ነባሪ ኰሊሱዎ ዝደሓነ መንእሰይ

ምስ ጃልባኡ ኣብ ኣፍ ዓሳ ነባሪ ዝኣተወ ኣድርያን
መግለጺ ስእሊ, ምስ ጃልባኡ ኣብ ኣፍ ዓሳ ነባሪ ዝኣተወ ኣድርያን

ኣብ ኣፍ ዓሳ ነባሪ ምስ ኣተወ ፈለማ ዝተሰምዖ ልፍጫ ወይ መለግለግ ዝብል ነገር እዩ።

"ኣብ ውሽጢ ኣፍ ሓደ ነገር ከም ዘለኹ ተሰሚዑኒ፤ ምናልባት'ውን በሊዑኒ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሰብኩ። ዓሳ ነባሪ ክኸውን ከም ዝኽእል እናሓሰብኩ ንሓደ ካልኢት ጸኒሐ፡" ይብል ተቐዳዳማይ ጃልባ ወዲ 23 ዓመት ኣድርያን ሲማንካስ።

ኣድርያን ኣብ ኣፍ እቲ ዓሳ ነባሪ ኰይኑ ብኸመይ ክድሕን ይኽእል ክሓስብ ጀመረ - ልክዕ ከምቲ ኣሻንጕሊት ፒኖክዮ ዝደሓኖ።

ኣይጸንሐን ግን፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ተፊኡ ካብ ኣፉ ኣውጺኡዎ።

እቲ ምስ ኣቦኡ ብምዃን ኣብ ገማግም ባሕሪ ፓታጎንያ ቺለ - መጻብቦ ማጌላን - ዝጓዓዝ ዝነበረ ቬንዝወላዊ፡ "ብድሕረይ ገለ ነገር ወቒዑኒ፣ ኣብ ውሽጡ ዓጽዩ ድማ ኣጥሒሉኒ፡" ይብል።

ኣድርያን ኣብቲ ንቢቢሲ ሞንዶ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣዕይንተይ ዓሚተ ምስ ከፈትኩዎ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ዓሳ ነባሪ ከም ዘለኹ ተረዲኡኒ፡" ይብል።

"ልፋጭ ነገር ኣብ ገጸይ ክደርዘኒ ተሰሚዑኒ፡" ክብል ዘከረ'ሞ፡ ዓይኑ ምስ ከፈተ ጸሊምን ሰማያውን ሕብሪ ክርኣዮ ከም ዝኸኣለ ይዛረብ።

"ካብዚ ንንዮ ክቃለስ ስለ ዘይክእል፡ እንተ ውሒጡኒ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ሓሰብኩ፡" ይብል።

ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ግን ናብ ላዕሊ ገጹ ይወጽእ ከም ዘሎ ክስምዖ ጀመረ።

"ክሳብ ክንደይ ጥሒለ ከም ዘለኹ ስለ ዘይፈልጥ፡ ትንፋሰይ ክዕቅብ ድየ ኢለ ቍሩብ ፈሪሐ ነይረ፣ ንላዕሊ ንኽወጽእ ድማ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"

"ንኽልተ ካልኢት ደዪበ፣ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ጽፍሒ በጺሐ። ሽዑ ከም ዘይበልዓኒ ተረዲኡኒ።"

ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረት ካልእ ንእሽቶ ጃልባ ዝነበረ ኣቦኡ፡ ኣርሚሙዎ ይዕዘብ ነበረ።

እዞም ኣቦን ወድን ካብታ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቺለ እትርከብ ፑንታ ኣሬናስ ኣቢሎም ንቝልቁል ምስ ሰገሩ ብድሕሪኦም ገለ ድምጺ ሰምዑ፣ "ግልጽ ምስ በልኩ ንኣድርያን ኣይረኣኹዎን፡" ይብል ኣቦኡ።

"ንሓደ ካልኢት ኣዝየ ተጨኒቐ - ክሳዕ ናብ ጽፍሒ ማይ ክድይብ ዝርእዮ፡" ይብል እቲ ወዲ 49 ዓመት ኣቦ።

"ብድሕሪኡ ሓደ ግዛዕ ርእየ፣ ንግዝፉ ርእየ ድማ ዓሳ ነባሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ገምገምኩ።"

እቲ ኣቦ፡ ነቲ ዝዅመር ዝነበረ ማዕበል ንምስኣል ካሜራኡ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ናይታ ጃልባ ተኺሉ፡ ንተጓንፎ ወዱ ክቐድሖ ጀመረ።

እቲ ዝሓሸ ህይወት ንምእላሽ ቅድሚ 7 ዓመት ካብ ቬንዝወላ ናብ ቺለ ዝገዓዘ ኣድርያን፡ ነቲ ኣቦኡ ዝቐረጾ ቪድዮ ክርእዮ እንከሎ፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ክሳብ ክንደይ ገዚፍ ምዃኑ ምስ ረኣየ ሰንቢዱ እዩ።

"ኣብቲ ቪድዮ ከም ዝርኣኹዎ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን እዩ ተደቂኑ ነይሩ። ርእየዮ እንተ ዝነብር ዝያዳ መፍርሓኒ ነይሩ።"

መንጕዳ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንጕዳ ዘለዎ ዓሳ ነባሪ

"ምሉእ ኣካሉ ክውሕጦ ኣይክእልን'ዩ"

ኣድርያን እቲ ተመኵሮ ብዛዕባ ካብቲ መዓት ብህይወት ምውጻኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ "ካልኣይ ዕድል" ከም ዝተዋህቦ ከም ዝሓስብ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጽንኩር ቦታታት ኰይኑ ዘሕለፎ 'ፍሉይ' ተመኵሮ፡ ከመይ ገይሩ ንነገራት ዝሓሸ ክገብር ከም ዝኽእል፣ ነቲ ዝተመኰሮ ብኸመይ ኣብሊጹ ከም ዝጥቀመሉን ከስተማቕሮ ከም ዝኽእልን ክሓስብ ከም ዝገበሮ ይገልጽ።

ተጣባቒ ዕቃበ ህያውያን መሮር ሮቸድ ጃኮብሰን ሰባ፡ ኣድርያን ካብ ኣፍ እቲ ዓሳ ነባሪ ቀልጢፉ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ እቲ ዓይነት ዓሳ ነባሪ፡ ጐሮሮኡ ክንዲ ኣብ ገዛና እንጥቀመሉ መትረብ ማይ (ጎረንዳዮ) ስለ ዝዀነ ክውሕጦ ከም ዘይክእል ይገልጽ።

እዞም መንጕዳ ዘለዎም ዓይነት ዓሳ ነባሪ፡ "ከም ጎማ፡ ንእሽቱ ጃላቡ ከምኡ'ውን ከም ቱና ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓሳታት ክውሕጡ ኣይክእሉን እዮም።"

"እቲ ዓሳ [ንኣድርያን ጃልባኡን] ዝተፍኦም፡ ክውሕጦም ዘይከኣል ስለ ዝዀነ እዩ፡"ድሕሪ ምባል፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣፉ ኣእትይዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምግም።

"ዓሳ ነባሪ ኣብ ዝምገብሉ፡ ቀልጢፎም ንላዕሊ ኣብ ዝወጽእሉ፡ ንእግረ-መንገዶም ዝጸንሖም ብጌጋ ክውሕጡ ወይ ክሃርሙ ይኽእሉ እዮም።"

እዚ ተጓንፎ ድማ ዓሳ ነባሪ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት፡ ሰባት ድምጺ ኣልቦ መራኽብ ከይጥቀሙ "ጽቡቕ መዘኻኸሪ" ከም ዝኸውን ይመክር።

እተን ንምርምር ወይ ንምዕዛብ ዓሳ ነባሪ ዘገልግላ ጀላቡ፡ እቶም ዓሳ ነባሪ ህላወ ናይቶም ሰባት ምእንቲ ክፈልጡ፡ ሞተርአን ኵሉ ሳዕ ክውላዕ ከም ዘለዎ ድማ ወሲኹ ይምዕድ።