እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ደሞዝ ፕረዚደንት ክንደይ ይመስለኩም?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዓመታዊ ዝኽፈሎ ደሞዝ ክንደይ ይመስለኩም? ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ስራሕ ስለ ዝዓምም ሚልዮናት ዶላራት ዝኽፈሎ’ዶ ይመስለኩም?
ልክዕ’ዩ፤ ፕረዚደንትነት፡ ብፍላይ ድማ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለን ዝዓበየን ስራሕ እዩ።
እንተዀነ ዝዀነ ይዅን ፕረዚደንት ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ፈደራል ስለ ዝዀነ ደሞዝ ይቝረጸሉ’ዩ።
ካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረጻ ፕረዚደንት ኰይኖም እንተተዓዊቶም፡ ሓደኦም መራሕቲ እታ ሃገር ክዀኑ’ዮም።
ደሞዝን ጥቕማጥቕምን'ውን ክህልዎም'ዩ።
ዝዀነ ኣመሪካዊ ማእከላይ ዓመታዊ ኣታዊኡ ኣስታት 44 ሽሕ ዶላር እዩ።
ሕጂ፡ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዓመት 400 ሽሕ ዶላር ይኽፈሎ። እቲ ንሱ ዝረኽቦ ገንዘብ ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ርእሲ ደሞዙ፡ ኣበል - 50 ሽሕ ናይ ጕዕዞ ወጻኢታትን ከም ኣበል ምዝንጋዕን መልዕሎን ይረክብ።
ብተወሳኺ፡ ናጻ መንበሪ ገዛ፡ ዋይት ሃውስን ናብቲ ቤተ መንግስቲ ክኣቱ እንከሎ መሐደሲ ዝኸውን 100 ሽሕ ዶላርን ይወሃቦ።
ንኸም ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈቱ፡ ከሸንቲ ዝበሉ ሰራሕተኛታት ንምዝንጋዕ 19 ሽሕ ዶላር ይቐርበሉ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ከምኡ’ውን ንጕዕዞ ዝጥቀመላ ሊሞዚን፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ሄሊኮፕተራትን ሓንቲ ነፋሪት ሓይሊ ኣየርን ይፍቀደሉ።
ዓመታዊ ክኣ፡ ግብሪ ዘይክፈሎ ክገይሽ እንከሎ ዝጥቀመሉ 100 ሽሕ ዶላር ይወሃቦ።
እቲ ፕረዚደንታት ዝረኽብዎ ደሞዝ ጥራይ ብምርኣይ ግን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብታ ካብቶም ዝለዓለ ክፍሊት ብምርካብ ብቐዳምነት ዝርቍሑ ሓደ ሚእታዊት ሰባት ክኸውን ኣይክእልን።
ካብ 2001 ጀሚሩ፡ ወሰኽ ደሞዝ ኣይተራእየን።
ደሞዝ ባይደን ግን ሕጂ'ውን ሓደ ኣመሪካዊ ካብ ዝረኽቦ ማእከላይ እቶት ልዕሊ ሽዱሽተ ዕጽፊ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ዋሽንግተን፡ ሃብታም ሓረስታይ’ኳ እንተነበረ፡ ንወርሒ ክልተ ሽሕ ዶላር ይኽፈሎ ነይሩ።
እዚ ድማ ኣብ 1789 እቲ ዝዓበየ ደሞዝ ኰይኑ፡ ሎሚ ወርሓዊ ማዕረ 75 ሽሕ ዶላር እዩ።
ሓደ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክለቅቕ እንከሎ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 240 ሽሕ ዶላር መልዕሎ ሒዙ ይወጽእ።
እዚ ድማ ክሳብ ብሞት ዝፍለ ዝኽፈሎ መልዕሎ'ዩ።
ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ደሞዝ ፕረዚደንታት ኣመሪካ
- 1789: $25,000
- 1873: $50,000
- 1909: $75,000
- 1949: $100,000
- 1969: $200,000
- 2001 ክሳብ ሕጂ፡ $400,000
ኣብ ዓመት 'ሓንቲ ዶላር' ጥራይ'የ ዝወስድ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብ2016 [ኣ.ኤ] ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመርጸ፡ ዓመታዊ ዝኽፈሎ 400 ሽሕ ዶላር ገዲፉ ኣብ ዓመት ሓንቲ ዶላር ጥራይ እየ ዝወስድ ከም ዝበለ ይዝከር።
ኣብቲ ግዜ ምስ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ስማዊ ደሞዝ ጥራብ ክረክብ ከም ዝደሊ'ዩ ገሊጹ።
ሽዑ ደሞዝ ሓደ ፕረዚደንት ክንደይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን ነይሩ፤ ድሕሪኡ ጋዜጠኛ ሌስሊ ስታል 400 ሽሕ ዶላር ምዃኑ ምስ ነገረቶ፡ ኣየማትአን "ኣይፋልን፡ ደሞዝ ኣይወስዶን እየ። ኣይወስዶን እየ" ኢሉዋ።
ኣብቲ ግዜ፡ ጐስጓስ መረጻ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን'ውን ደሞዝ ንዕኡ "ዓቢ ጕዳይ ከም ዘይኰነ" ይዛረብ ነይሩ።
ፕረዚደንት ምስ ኰነ ኸኣ ደሞዙ ንትካላት ግብረ ሰናይ የውዕሎ ነይሩ።
ደሞዝ 'ሓደ ዶላር' ዝብል መዓስ ተጀሚሩ?
መስራቲ ኣፕል ስቲቭ ጆብስ ኣብ 1997 ናብ መሪሕነት ናይቲ ኩባንያ ምስ ተመልሰ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ኣምር ደሞዝ ሓንቲ ዶላር ሒዙ መጺኡ።
ብርክት ዝበሉ ፈጸምቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ግን ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ጀሚሮም ደሞዞም መስዋእቲ ይገብሩ ነይሮም።
እቶም "ኣብ ዓመት ሓንቲ ዶላር ዝወስዱ ደቂ ተባዕትዮ" ፈጸምቲ ስራሕ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ንምሕጋዝ ኣብ መንግስታዊ ዕዮታት ወለንታዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝፍለጡ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ባንከኛታትን ኣፍረይትን እዮም ነይሮም።
ሕጊ ኣመሪካ ደሞዝ ዘይብሉ ስራሕ ስለ ዘየፍቅድ፡እዞም ውልቀሰባት ኣብ ዓመት ሓንቲ ዶላር ጥራይ ደሞዝ ተቐቢሎም።
እቲ ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዳግማይ ተቐልቒሉ። ብርክት ዝበሉ ሰብሃብቲ ክኣ ደሞዝ መስዋእቲ ብምግባር ሃገራዊ ግዴታኦም ክፍጽሙ ተራእዮም።
ካልኦት መራሕቲ ክንደይ ዝኣክል ደሞዞም ኣወፍዮም?
ትራምፕ ደሞዝ ፕረዚደንትነት ብዘይምውሳድ ዝጥቀስ ናይ መጀመርታ መራሒ ኣመሪካ ኣይኰነን።
ሃብታም ፕረዚደንታት ጆን ኤፍ ኬነዲን ሀርበርት ሁቨርን ደሞዞም ንትካላት ግብረ ሰናይ የወፍይዎ ነይሮም።
ሁቨር፡ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ብዕደና ዝሃብተመ ሰብ ነይሩ፤ ኬነዲ ድማ ዝወረሶ ሃብቲ ነይሩዎ።
ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ነበር ማይክል ብሉምበርግ፡ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ነበር ኣርኖልድ ሽዋርዚንገርን ኣመሓዳሪ ማሳቹሰትስ ነበር ሚት ሮምኒን ናይ ፈጻሚ ስራሕ ደሞዞም ገዲፎሞ።
ማርክ ዙከርበርግ ኣብ ፌስቡክ ዝወሓደ ደሞዝ ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብቶም ሓደ ዶላር ደሞዝ ዝረኽቡ ብዙሓት ቢልዮነራት ፈጸምቲ ስራሕ እዩ።
መስረትቲ ጕግል ሰርጌይ ብሪንን ላሪ ፔጅን ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ናይ ሓደ ዶላር ደሞዝ ክወስዱ እንከለዉ፡ መስራቲ ኦራክል ላሪ ኤሊሰን ድማ ፈጻሚ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ንሓያሎ ዓመታት ተመሳሳሊ ደሞዝ ይወስድ ነይሩ።
ኣካያዲት ስራሕ ትካል ሄውሌት ፓካርድ ኢንተርፕራይዝ ነበር ሜግ ዊትማን እውን ተመሳሳሊ ስትራተጂ እያ እትጥቀም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ኰይና ትሰርሕ ኣላ።
እዞኦም ሰባት ግን ብኻልእ መገዲ ደሞዝ ከም ዝረኸቡ ክንዝንግዖ የብልናን።
እዚ ድማ ኣብ ትካላቶም ብርኪ ብምዕዳግ ወይ ካልእ ኣብ ኣፈጻጽማ ዝተመርኰሰ ካሕሳ ዝሓወሰ ክኸውን ይኽእል።
መራሕቲ ካልኦት ሃገራት'ከ ክንደይ ይኽፈሎም ነይሩ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዓመት 400 ሽሕ ዶላርን፡ ካልእ ካብ ግብሪ ናጻ ዝዀነ 50 ሽሕ ገንዘብን ይረክብ ኢልና ኣለና።
ብተዛማዲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣብ ዓመት 201 ሽሕን 202 ፓውንድ ከም ዝኸፈሎ ሲኤኤንኤን ኣብ መወዳእታ 2016 ዓ.ም ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።
ቻንስለር ጀርመን ዝነበረት ኣንጌላ መርኸል፡ 242 ሽሕ ዶላር ይኽፈላ ነይሩ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን 198 ሽሕን 700 ዶላር ከም ዝዀነ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ተረዛ መይ ዓመታዊ 186 ሽሕን119 ዶላር ትረክብ ነይራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዴቪድ ካሜሩን ብወገኑ ኣብ 2015 ኣብ ደሞዝ ናይ 10 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ ብምግባሩ ነቐፌታታት ኣጋጢሙዎ ነይሩ።
ንሱ ግን፡ "ብደረጃ ስራሕካ ክትክፈል ቅኑዕ'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ምግባረ ሰናይን ካልእን ክትሰርሕ ዕድል ይህበካ" ክብል ተኻቲዑ።