ትራምፕ፡ 'ዘይሕጋውያን' ስደተኛታት ንምስጓግ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክውሰኹ ኣዚዙ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረፃ ጀሚሩ ክሕነየሉ ዝፀንሐ ዛዕባ እዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብሰንኪ ቁጠባዊ ድኽነት፣ ጐንፅታትን ፖለቲካዊ ፀቕጥን ዝሳቐዩ ደቂሰባት ንኣመሪካ ከም ምድራዊት ገነት ገይሮም ይርእዩዋ ነይሮም።

ትራምፕ ዝወስዶ ዘሎ ተሪር ስጉምቲ ነዚ ኹሉ ተስፋታት ዘፅልምት ኰይኑ ኣሎ።

ዛጊድ ሓራሳትን ነፍሰፆራትን፣ ብሕማም ዝሳቐዩን ከይተረፋ ዝርከብዎም ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብሓይሊ ሰጒጉ ኣሎ።

ሕዚ ድማ፡ ነዚ ናይ ምስጓግ ፖሊሲታቱ ዘጠናኽር፡ ሚኒስትሪ ድሕነት ሃገር ዝሕግዙ ብውሕዱ 20 ሽሕ መኮንናት ክውስኽ ኣዚዙ።

እዚ መምርሒ ብዓርቢ ዝወጸ ኰይኑ፡ ኣካል እቲ ፡ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ባዕሎም ንኽስጎጉ ንምትብባዕ እቲ ምምሕዳር ዝሓንፀፆ ውጥን'ዩ።

ትራምፕ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ካብ ኣሜሪካ ዝወጹሉ መንገዲ "ብዝተኻእለ መጠን የቕልሎ" ከምዘሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ፌደራል፡ በረራታት ናይቶም ብወለንታኦም ክወጹ ዝመርጹ ሰባት ክምውል ምዃኑን፡ ከም መተባብዒ ከምዝኽፈሎምን እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ የመልክት።

እንተዀነ እቲ ትእዛዝ፡ እቲ ኣብ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ዝግበር ወሰኽ ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከምዝምወል ኣይጠቅስን።

ብቐንዱ ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ዝሰርሕ ንኡስ ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 21 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ካብዚኦም እቶም 6,100 ናይ ምስጓግ ሰራሕተኛታት ክዀኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 750 ድማ ተሓጋገዝቲ ከምዝዀኑ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ይሕብር።

እቲ ፕረዚደንት ሰራሕተኛታት ንምውሳኽ ዘቕረቦ ጻውዒት ምምሕዳሩ ስነዳ ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ክወጹ ንምግዳድ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣብ ዝኽተለሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ጸሓፊት እቲ ትካል ክሪስቲ ኖኤም፡ ብወለንታኦም ካብ ኣመሪካ ንዝወጹ ሰባት 1000 ዶላር መተባብዒ ከምዝወሃብን ንበረረኦም እውን ከምዝኽፈል ኣፍሊጣ'ያ።

ትራምፕ፡ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘመን ሕጊ-ተጸባእነት [Alien Enemy Act] ተጠቒሙ፡ ብገበናዊ ንጥፈት ዝኸሰሶም ቬንዙዌላውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝገበረፖ ፃዕሪ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ኣገባባቱ ብቤፍርዲ ተኣጊዶም ይርከቡ።

ገለ ዳያኑ እቲ ፕረዚደነት ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ምስጓግ ስደተኛታት፡ ሕጋዊነት ዝጥሕስ ኰይኑ ረኺቦሙዎ ኣለዉ።

ትራምፕ ነቲ ንነብሱ ናይ ምስጓግ ተበግሶኡ፡ "ውጥን ናብ ዓዲኻ ምምፃእ" ክብል እዩ ዝገልፆ።

ትራምፕ፡ "ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሑ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት፡ ፋይናንሳዊ መቕጻዕቲ፣ ምምንዛዕ ንብረትን ደሞዝን፣ ማእሰርቲ፣ ከምኡ'ውን ሃንደበታዊ ምስጓግን ዝርከብዎም መቕጻዕቲታት ከጋጥሞም እዩ" ይብል።