እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰባት ስለምንታይ እዮም ዘእውዩ?
ኣብ ኣሰልቻዊ ኣኼባ ኰፍ ኢለ፡ "ኡይ ምባል እንተጀመርኩ'ኸ?" ወይ ድማ ብመኪና ይኸይድ እንከለኹ ከምኡ እንተሓሰብኩ'ኸ?
እዞም ዘይልሙድ ተርእዮታት "ስነ-ኣእምሮኣዊ " ፀቕጢ እንተዘይፈጢሮም፡ መብዛሕትና በብእዋኑ ከጋጥሙና ዘይልሙድ ኣይኰነን።
ንገሊኦም ግን ናብ ግዴታዊ [ኦብሰሲቭ] ባህርያት ዝመርሑ ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾኑ ውጥረት ክኾኑ ይኽእሉ።
ዶክተር ኒና ሂግሰን-ስዊኒ ቆልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኣ እንትትምለስ፡ ፅቡቕ ጥራይ እንተዘይሓሲባ፡ ስድራቤታ ከም ዝጉድኡ ትኣምን ነይራ።
"ዝዀነ ዝርብሽ ሓሳብ እንተመፂኡኒ፡ ነቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ተመሊሰ ክጅምሮ እኽእል እየ" ትብል።
"ደጊመ እንተዘይገይረዮን ገለ ነገር እንተተፈጢሩን ናተይ ጌጋ ዝፈጠሮ ምዃኑ እስመዐኒ። "
ኒና ኣብ 10 ዓመት ዕድሚኣ ኦክስሲቭ ኮምፕልሲቭ ዲስኦርደር (OCD) ከምዘለዋ ተረጋጊፁ።
ሕጂ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ከም ተመራማሪት ስነ-ልቦና ኮይና ትሰርሕ ኣላ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ትነጥፍ።
"እቲ ኣስገዳድ ዘይተደልየ ሓሳባት፡ ናብ ተደጋጋሚ ዝቕየር፡ ነቲ ብሰንኪ ውጥረት ዝመጽእ ጭንቀት ንምውጋድ ወይ ንምቅላል ዝፍጸም'ዩ" ትብል ኒና ንቢቢሲ።
እዚ፡ ኦክስሲቭ ኮምፕልሲቭ ዲስኦርደር- OCD እናተብሃለ ዝፅዋዕ፡ ን1%-3% ካብ ህዝቢ ዓለም ከም ዝጸሉ ይግመት።
ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ኣዝዩ ዘጨንቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ክብርታት ወይ መንነት ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ዝጋጮ ኮይኑ ዝስምዓካ ኣርእስታት ዘተኮረ እዩ።
"ኣብ ልዕሊ እትፈትዎም ሰባት ጉድኣት ከም ዝበፅሕ ክስመዐካ ይኽእል'ዩ" ትብል ኒና።
"ንጾታዊ ዝንባለ ሓደ ሰብ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ክኸውን ይኽእል፡ ግብረሰዶማዊ ዲኻ ኢልካ ምሕሳብ? ፍልይ ዝበለ ጾታ ድዩ ዘለካ? ዋላ'ውን ዘሰክፍ፡ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ፆታዊ ርክብ ትፍጽም ዲኻ? ዝብል ክኸውን ይኽእል"፤
ካልእ ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ምልክት ብዛዕባ ብከላ ወይ ድማ ምሕማም ወይ ድማ ሕማም ምትሕልላፍ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ዓይነት ሕማም፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ዕድመ ንእስነት ወይ ኣብ መጀመርታ ጕርዝውና እዩ ዝጅምር፡ ገለ ሰባት ግን "ነቲ ጭንቀት እናሸፈኑ ዓመታት ክፀንሑ ስለ ዝኽእሉ" ኣብ ዳሕራይ ምዕራፍ ህይወቶም ይፍለጥ።
መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ምምዕባል ኦሲዲ ጀነቲካዊ ባእታ ከምኡ'ውን ምስ ጸቕጢ ኣብ እዋን ንእስነት፡ ከም ምጽራፍ፣ ሓዘን ወይ ምብትታን ስድራቤት ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ኪምበርሊ ዊልሰን፡ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ከምዚ ዓይነት ኵነት ከምዘጋጥሞ ትዛረብ።
"መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ኣስታት 80% ካባና እዚ ሓሳባት ኣለና" ክትብል ትገልጽ።
ንመብዛሕትኦም ሰባት እቶም ሓሳባት ቀልጢፎም ይሓልፉ።
"ክንዕዘቦም ንኽእል ኢና፤ ንጎኒ ገዲፍና ክነቕምጦም ንኽእል ኢና" ትብል።
ነዚ ሰሚዕኻ ክትነጽጎ እንተዘይክኢልካ፡ ሽዑ ሓገዝ ከድልየካ ከም ዝኽእል ትሕብር።
"ምስ ኦሲዲ ዝተኣሳሰሩ ሓሳባት ኣይጠፍኡን እዮም፡ ባይታ ይሕዙ ግን፡ ኣወንታዊ ሓሳባት ፈጺሞም ኣይኮኑን፤ ናይ ዓመፅን ተጻባእትን ስለዝዀኑ፡ ንምእላዮም'ውን ቀሊል ኣይኮነን። ሽዑ'ዩ ህይወትካ ዝቈፃፀርን ናብ ግዴታ ዝመርሕን።"
ምልክታት ምግዳድ ኣእምሮኣዊ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ከም ክሳብ ዝተወሰነ ቁጽሪ ምቑጻር፡ ወይ ድማ ርኡይ ክኸውን ይኽእል፡ ከም ጎማ መኪና ዋላ ጽቡቕ ከምዘሎ ኣብ እናፈለጥካ ብተደጋጋሚ ምፍታሽ ክኸውን ይኽእል።
ኦሲዲ ብኸመይ ምእላይ ይከኣል?
ኣብ ከምዚ ኩነታት "ሓደ በዓል ሞያ ወይ ክኢላ ንዓኻ ዝበለጸ ዝኾነ ክሰርሕ ይኽእል'ዩ" ትብል ኒና።
ጎኒ ጎኒ ሞያዊ ሓገዝ፡ ሰባት ጭንቀት ንምንካይ መዓልታዊ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ሜላታት ከምዘለዉ ኒና ትዛረብ።
እቲ ሓደ ነቶም ሓሳባት ምፍላጥን ምምሃርን እዩ።
" 'ዝርብሽ ሓሳብ ኣለኒ' ኢልካ ምፍላጥ፡ ካብኡ ምርሓቕን 'ኣነ ኣይኰንኩን' ኢልካ ንነብስኻ ምዝኻኽር" ክትብል ትገልጽ።
ገለ ሰባት ንኦሲዲ ከም ፍሉይ ነገር ጌርካ ምሕሳብ እውን ሓጋዚ ኮይኑ ይረኽብዎ።
"ኦሲዲ እንታይ ይመስል ኢልካ፡ ምስኣል ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፡ ኣነ ኣለኹ ኦሲዲ ድማ ኣሎ፡ እዚኦም ድማ ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም።"
ርእሰ-ሓልዮት እውን ኣገዳሲ እዩ። "ጽቡቕ ኣመጋግባ፡ ዕረፍትን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፡ ምኽንያቱ OCD ናተይ ኩሉ ግዜ ውጥረት ኣብ ዝህልወኒን ነብሰይ ኣብ ዘይከናኸነሉን እዋን ዝገደደ'ዩ" ትብል።
ሎሚ ኒና ምስ OCD ትነብር ኣላ ግን ከመይ ገይራ ከም እትኣልዮ ትፈልጥ እያ።
"ኦሲዲ ገዲፉኒ ኣይፈልጥን እዩ፡ ግን ምስኡ ክነብር እኽእል እየ። ሕጂ ልኡም ዝርብሽ ሓሳባትን ብኸመይ ከም ዘመሓድሮ ብዙሕ ርድኢትን ኣለኒ። ውጥረት ኣብ ዝህልወኒ እዋን ግን ንምእላይ ዝኸብድ ስለዝኸውን፡ ናብ 'ኮምፓልሽን' ከብጽሕ ይኽእል'ዩ።"