ኣብ እዋን መከራ ዝሕግዙ 8 ማዕዳታት

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዓለምና ብዅሉ ኩርናዓት ምስ ዝተፈላለዩ ኲናታትን ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦም ጸገማትን እናገጠመት ትርከብ።

ብዙሓት ሰባት እውን ካብ ሃገሮም ወጻኢን ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ይመዛበሉ፤ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ መዓልታዊ ህይወት ይኸውን ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መነባብሮ ኣዝዩ ከቢድ እናዀነ ዝመፅአ ዀይኑ፡ ብኣማእቲ ኣሸሓት ዝቝፀሮ ዜኣገታት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣደዳ ፀሓይን ቁርን ኰይኖም የሕልፉዎ ኣለዉ።

እንተዀነ፡ ኣብ እዋን ጸቕጥን ጭንቀትን እውን፡ ስሚዒትና ንምትብባዕ ንጡፍ ስጉምትታት ክንወስድ ከምእንኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።

ሳይንስ ስምዒታት፡ ንምእማኑ ዘጸግም ዝተሓላለኸ እዩ። እንተኾነ፡ ሰፊሕ መጽናዕቲ ተገይሩሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ፍዩቸር ንፍሉጣት ክኢላታት ስነ-ልቦና ቃለ መሕትት ብምግባር፡ ጭንቀት ብዝበለጸ ንምጽዋር ዝሕግዙ ግብራዊ፡ መዓልታዊ ምኽርታት የካፍል።

ገለ ካብቶም ዕዙዛት ግብራዊ ምኽርታት ነቶም ሸሞንተ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

1. ትኹረት ምቕያር

ብዛዕባ ኵነታት ጥሜት ይኹን ኲናት ዘስዕበልና ጸቕጢ ብተደጋጋሚ ምሕሳብ ቀሊል'ዩ።

ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘጋጠመ ውጥረት ዝመልኦ ፍጻመ ንከይንሓስብ ግን፡ ትኹረት ዝሰርቕ ነገር የድልየና።

ትዅረትና ምስ ዝስረቕ፡ ብዛዕባ'ቲ ጸገም ብዙሕ ስለዘይንሓስብ፡ ጸቕጢ ደምና ቀልጢፉ ናብ ንቡር ደረጃ ንክምለስ ክሕግዝና ይኽእል።

2. ኣስተንትኖት ንኹሉ ሰብ ዘይክሰርሕ ይኽእል

ኣብ እዋን ጸቕጥን ጭንቀትን፡ ብዙሓት ሰባት ኣስተንትኖን ኣእምሮኣዊ ምትእስሳርን ሓጋዚ ዀይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።

ካልኦት ግን እዚ ክሕግዞም ከምዘይኽእል ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ። ንገሊኦም ሰባት፡ ኣስተንትኖት፡ ብዙሕ ምሕሳብ ጥራይከስዕብ ይኽእል።

ኣእምሮና ከነጽርዮ ኣብ እንፍትነሉ እዋን ብዛዕባ ውጥረት ዝመልኦ ፍጻመታት ዘይምሕሳብ ከጸግመና ይኽእል እዩ።

ንገለ ሰባት ግን፡ ካብ ኣስተንትኖ ንላዕሊ ትዅረት ዝሰርቕ ነገር ምርካብ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

3. ነቲ ኵነታት ዳግማይ ቅርጺ ምሃብ

ስምዒታትና ብኸመይ ከም እንትርጉሞም ብዓቢኡ ኣብ'ቲ ብኸመይ ከምእንቐርጾም ወይ ዓውደ-ትርጉሞም'ዩ ዝምርኮስ።

ዴረን ብራውን ብዛዕባ 'ሃፒ' ዘርእስቱ ኣብ 2017 ዝተሓትመ መጽሓፉ ክዛረብ ከሎ፡ "ክዕወት ኣለኒ" ኢሉ ናብ ጸወታ ዝኣቱ ሓደ ተጻዋታይ ቴኒስ ከም ኣብነት ይጠቅስ። ምዕዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ትጽቢት ሒዙ ናብ ጸወታ እንተኣትዩን ክሰዓር እንተጀሚሩን፡ ውድቀት ኰይኑ ይስምዖ።

እዚ 'ፍፁሙነት' ዝደልዩ ሰባት ክወድቁሉ ዝኽእሉ መጻወድያ'ዩ።

ስለ'ዚ ድማ'ዩ፡ ፍፁምነት ዝፅበዩ ሰባት ዘይዕወቱ ኮይኑ ምስ ዝስምዖም ብዝያዳ ናይ በደል፣ ሕፍረትን ሕርቃንን ስምዒት ዝስምዖም። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ተስፋ ናይ ምቝራጽ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ "ዝከኣለኒ ክጻወት እየ" ኢሉ ናብ ጸወታ ዝኣቱ ተጻዋታይ ግን፡ ዝከኣሎ ክሳብ ዝገበረ፡ ብምስዓሩ ውሑድ ጉድኣት ከምዝስምዖ ይኣምን። ምልክታት ውድቀት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻወትቲ ዝተፈላለየ ትርጉም እዩ ዝወሃቦ።

ነዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከነተተግብሮ ከም እንኽእል ምሕሳብ የድሊ። ነፍሲ ወከፍ ህሞት ወይ መዓልቲ፡ ኣብ ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ዝከኣለና ምግባር ክኸውን ይኽእል'ዶ ወይስ ኣብ ክንዲ ኣብ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኣብ ውጽኢት ምትኳር ይሓይሽ?

እቲ ክፋል ምቁጽጻር ቁልፊ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዘይንኽእሎ ነገር ክንቆጻጸሮ ምስ እንፍትን ጸቕጥን ጭንቀትን ይፈጥረልና። ብኣንጻሩ ኣብቲ ክንቈጻጸሮ እንኽእሎም ነገራት ምትኳር፡ ንስምዒታት ጭንቀት ከጉድሎ ይኽእል እዩ።

4. ሕጉስ ንምዃን ዝያዳ ዘይምጭናቕ

እዚ ምኽሪ እዚ ዘይውጽኢታዊ ክመስል ይኽእል እዩ።

እወታዊ ስምዒታት ንምርካብ ምቅላስ ግን ሕማቕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል። ሓጐስ ብግዲ ምድላይ፡ ብግልባጡ ሳዕቤን ኣለዎ።

ሓደ ካብኡ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጐስ ብዝያዳ ብዝተኮርና መጠን፡ ኣብ ሓጐስ ናይቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ዘለና ትኹረት ይንኪ።

እዚ ድማ ኣብ ስምዒት ተነጽሎን ምቁርራጽን ከስዕበልና ከምዝኽእል ተረጋጊጹ እዩ።

5. ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ነተኩር

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሴንትራል ላንካሻየር መምህር ዝኾነት ሳንዲ ማን ኣብታ 'ቴን ሚኑትስ ቱ ሃፒነስ' እትብል መጽሓፋ፡ መዓልታዊ መዘክር ምሓዝ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ትገልጽ። ስትራተጅኣ ኣብ "እወታዊ ስነ-ልቦና" ዝተመርኮሰ እዩ።

እዚ ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎ ዓውዲ ስነ-ልቦና ኮይኑ፡ መዓልታዊ ኣብቶም ሓጐስ ዘምጽኡልና ንኣሽቱ ነገራት ብምትኳር ስሚዒትና ከነመሓይሽ ከም እንኽእል ትሕብር። ስለዝኾነ ድማ ነዞም 10 ደቓይቕ ጥራይ ዝወስዱ ሽዱሽተ ሕቶታት ምምላስ፡ ኣብ ህይወት ዝያዳ ሓጎስ ክንረክብ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ትዛረብ።

  • ዕለታዊ ኣየናይ ተመክሮ እዩ ባህታ ዝፈጥረልኩም?
  • እንታይ ናእዳን ግብረ መልስን ረኺብኩም?
  • ጽቡቕ ዕድል ዝረኸብክምሎም ህሞታት ኣየኖት እዮም?
  • ዋላ'ኳ ንእሽቶይ እንተዀኑ፡ ዓወታትኩም እንታይ ነይሮም?
  • ምስጋና ክስምዓኩም ዝገበረኩም ነገር እንታይ እዩ?
  • ሕያውነት ብኸመይ ትገልጽዎ?

ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር መዓልታዊ መዘኻኸሪ ምሓዝ ክልተ መዳይ ረብሓ ኣለዎ።

ክንጽሕፍ ከለና፡ ነቶም ሓጐስ ዘምጽኡልና ንኣሽቱ ነገራት ከዘኻኽረና ይሕግዝ። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድሒርና ከነስተንትነሉ ንኽእል ዘሐጉሰና ኵሎም ዝርዝራት ክህልወና ይገብር።

6. ጽሬትና ንዓቅብ

ገዛናን ነብስናን ነጽርይ።

ሕርብትብት ዝበለ መደቀሲ ክፍሊ ምስ ጸገም ድቃስ ምትእስሳር ኣለዎ።

ዘይምዕሩይ ክሽነ እውን ምስ ድኹም ምርጭታት ጥዕና ርክብ ኣለዎ።

7. ግዜ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ንመዝን

ኣብዝሓ ግዜ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሕማቕ ዜና ዝተመልአ እዩ።

ንብዙሓት ድማ፡ ምስ ኣዕሩኽትን እትፈትውዎም ሰባትን ሓድሽ ሓበሬታ ንምርካብ ዝሕግዝ ቁልፊ መገዲ እዩ።

ሞባይልና ካብ መደቀሲና ወጻኢ ምግባር፡ ወይ ንነብስና ካብ ስክሪን ነጻ ዝኾነ ግዜ ምሃብ፡ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ረብሓታት ምስቶም ኣሉታዊ ጽልዋቱታ ንምምዝዛን ክሕግዘና ተኽእሎ ኣሎ።

8. ካብ ከተማ ምውጻእ

ብፍላይ ኣብ ከተማ እንነብር ሰባት፡ ንሓጺር እዋን ካብ ከተማ ምውጸእ ሓደ ኣማራጺ እዩ።

ትርኢት ማይን ሰማያዊ ሰማይን ነቲ ሕማቕ ስሚዒትና ናብ ንቡር ከመልሱ ከምዝኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ። "ካብ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊት ወሰኽ ርኡይነት ሰማያዊ ጠፈር ንሓደ ሰብ ካብ ማእከላይ ጭንቀት ናብ ታሕተዋይ ምድብ ከሰጋግሮ ይኽእል እዩ" ይብል ሓደ ኣብ 2016 ዝተኻየደ መጽናዕቲ።

ስለዚ ጭንቀት ወይ ጸቕጢ ኣብ ዝስምዓኩም እዋን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትኩም ምትኳር፡ ንገለ ካብዞም ስጉምትታት እስኪ ፈትኑ።