ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ብዛዕባ ቅልውላው ህወሓትን ኤርትራን እንታይ ኢሉ?

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ፍልልይ ብልዝብ ክፍታሕን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበርን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ምኽትሉ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ከምኡ’ውን ምስ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።

እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ትግባረ ውዕል ኣልጀርስን'ውን ርእይቶ ሂቡ።

“ምስ ሰብ መዚ ትግራይን ሓለፍቲ ህወሓትን ኣብ ዝገበርክዎ ርክብ ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ንኽትግበር ክትሓባበሩ ተማሕጺነዮም ኣለኹ፡ ንሶም’ውን ንትግባረ እዚ ውዕል ከምዝተግሁ ኣረጋጊጾሙለይ ኣለዉ" ኢሉ።

"ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ብዘተ ክፈትሕዎ ኣለዎም። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ክህሉ እጽበ፤ ህዝቢ መራሒኡ ክመርጽ፡ እቲ ጸገም ከኣ ብኸምኡ ክፍታሕ እትስፎ" ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተመያይጦም ነይሮም።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም" ኢሉ።

እቲ ርክባት ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል "ናብ ዝኸፍአ ደረጃ" ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ህወሓትን ኤርትራን

ማይክ ሃመር ብዛዕባ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓትን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት ኣልዒሉ'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።

"ንሕና ብንጹር ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዳግማይ ኲናት ክኣትዋ ክንርእየን የብልናን ኢና ንብል፡ ክልቲኤን ሃገራት ንሓድሕደን ዶባተን ከኽብራ ኣለወን" ኢሉ።

"ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘይምርድዳእ ንኸይህሉ እቲ ኣብ 2000 ዝተኸተመ ውዕል ኣልጀርያ ምሉእ ብምሉእ ንኽትግበር ከኣ እንተተኻኢሉ ክንተሓጋገዝ ድልዋት ኢና" ክብል'ውን ወሲኹ።

ኣስዒቡ "ስለዚ ኣብ ህወሓትን መራሕቲ ኤርትራን ርክባት እንተሃልዩ ብዝዀነ ኣካል ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኽብል ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ” ብምባል ኣተሓሳሲቡ።

ብወገን ኤርትራ ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ዝርርባት ዝተዋህበ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መራሕቲ ኤርትራን ህወሓትን ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ዝኸደን ናብ ኲናት ዘምርሐን ቅርሕንትን ምትፍናንን ከምዝጸንሖም ይፍለጥ።

ኣመሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት-ክልተ ዓመት በቲ ስምምዕ ከብቅ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተት ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርቪን ማሲንጋ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦመንበር ህወሓትን ጌታቸው ረዳን ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮንን ዝርከብዎም መራሕቲ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ዋና-ጸሓፊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብምርኻብ'ውን ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባቢታት እቲ ዞባን ሰላም ንምስፋን ክግበሩ ብዛዕባ ዘለዎ ጻዕርታት ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ርክብ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ስተፋኒ ሱሊቫን’ውን ተረኺባ ነይራ።

ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተነፍጎ ኰይኑ መበል 14 ጉባኤ ምክያዱ ከኣ በቲ ኣቦመንበር ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ።

እቲ ጉባኤ፡ ነቲ ተቓዋሚ ወገን ብምንጻግን ብምእጋድን፡ ሓድሽ ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ሓደስቲ መራሕቲ ከምዝመረጸ ይዝከር።

እቲ 'ናብ ዝኸፍአ ደረጃ' በጺሑ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ህወሓት ጸጥታዊ ስግኣት ኣስዒቡ ምህላዉ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ክልል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

ስለዚ ድማ፡ ብብዓል ጌታቸው ዝውሰድ ዘሎ ሰብመዚ ምውራድን ሓደስቲ ምደባታት ምግባርን ክቋረጽ፡ ብወገን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዘሎ ዘሎ 50 +1 ብጽሒት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ህወሓት'ዩ ብምባል ስልጣን ንምሓዝ ዘሎ ሃቐና'ውን ደው ክብል እቲ ጀነራል ጸዊዑ ነይሩ።