ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ዶባት ኣብ ባይታ ዘይምምልካቱ እንታይ ስግኣት ክህልዎ ይኽእል?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት መሰልን ድሌትን ኣፍደገ ባሕሪ ደግሲ ወጥርን ምትፍናን ኣስዒቡ ኲናት ከይውልዕ ስግኣትን ሻቕሎትን ፈጢሩ ይርከብ።

ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝጸንሐ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጐበጣ፡ መግዛእቲ፡ ኲናትን ወረ ኲናትን ዝተዓብለለ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ’ቲ ኵሉ ግን ካብ 1991 ክሳብ 1997 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተራእየ ጸጥታዊ፡ ቍጠባዊን ማሕበራውን ምትሕብባርን ምትእስሳርን ኣቓልቦን ናእዳን ዓለም ዝረኸበ’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ መንግስታዊ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕትን ውድባትን ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ነቓዓትን ጐስዮሞ ዝሓለፉ ተነቀፍቲ ጉዳያትን ነይሮም።

እቶም እናዓበዩ ዝመጹ ተደጒሎም ዝነበሩ ጉዳያት ኣብ መወዳእታ ጠንቂ ናይቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐን ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ክልቲአን ሃገራት ዝቐዘፈን ዶባዊ ኲናት ኣስዒቦም።

ሓደ ካብዚኦም እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይደቀሰ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ሄግ ኣብ ወረቐት ተሓንጺጹ፡ ኣብ ባይታ ግን ዛጊት ዘይተመልከተ ውሳነ ዶብ ክልቲአን ሃገራት እዩ።

ኣብ ግንቦት 1991 ኤርትራ ናጽነታ ድሕሪ ምጕንጻፋ ኣብ ዝነበራ ልዕሊ 6 ዓመታት፡ ጉዳይ ዶብ ከም ዓቢ ኣርእስቲ’ውን ብወግዒ ተዘሪብሉ ኣይፈልጥን’ዩ።

እተን ሓደ ባጤራ (ብር) ዝነበረንን ክሳብ ቍጠባዊ ውህደት ብምፍጣር ናብ ‘ኮንፈደረሽን’ ገጸን ከምርሓ ይኽእላ’የን ዝበሃለለን ዝነበራን ሃገራት- ንጽቡቕን ሕማቕን- ተነቃፊ ጉዳይ ዶብ ብምጕሳይ ክኸዳ ፈቲነን- ክሳብ’ቲ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ዓለምለኻዊን ጠንቅታት ነይርዎ ዝተባሃለ ዶባዊ ኲናት ኣብ ሰነ 1998 ዝውላዕ።

ድሕሪ 'ቲ ኲናት ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተዋህቦ ጉዳይ ዶብ ሕጂኸ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ባይታ ክፍጸም ዘይክኣለ? መርገጺ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያንከ እንታይ ይመስል?

ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን

ድሕሪ ሰለስተ ዙርያታት ውግእ፡ ብዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጻዕሪታት ኣብ ሰነ 2000 ንዶባዊ ኲናት ዘህድአ ስምምዕ ምቍርራጽ ተጻብኦታት ተፈሪሙ። ብ12 ታሕሳስ ናይቲ ዓመት ድማ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ነፍሲሄር መለስ ዜናዊን ክታሞም ዘንበርሉ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ተፈሪሙ- ትማሊ መበል 23 ዓመቱ ኣሕሊፉ'ሎ።

ንዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ዝዳኒ ዘይሻራዊ ኮሚሽን ክምስረት ብዝኣተዋኦ ውዕል መሰረት፡ ብሓሙሽተ ኣባላት ዝቘመን ኣብ ሄግ (ሆላንድ) ዝመደበሩን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመስሪቱ።

እቲ ኮሚሽን፡ ናይ 1964 ውሳነ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ምርኩስ ብምግባርን፡ መግዛእታዊ ውዕላት 1900፡ 1902 1908፡ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምውካስ ፍርዲ ክህብ ሓላፍነት ዝተሰከመ እዩ።

“እቲ ኮሚሽን ንዝህቦ ናይ ምሕንጻጽን ምምልካትን ውሳነታት ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም” ይብል ዓንቀጽ 4(15) ስምምዕ ኣልጀርስ።

ብ13 ሚያዝያ 2002 ድማ እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዝነበረ ኮሚሽን ናይ መወዳእታ ብይኑ ሂቡ።

እታ ትእምርቲ ናይቲ ቐዛፊ ኲናት ብምዃን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘጥረየት ንእሽቶ ሓውሲ-ከተማ ባድመ ድማ ንኤርትራ ተወሲና።

ክልቲአን ሃገራት ብኡ ንብኡ ነቲ ብይን ከምዝተቐበላኦ’ኳ እንተገለጻ፡ ኢትዮጵያ ግን ጸኒሓ ቅድም ሰላም ንምርግጋጽ ቀጥታዊ ልዝብ ምስ ኤርትራ ክግበር ብምጥላብ ካብቲ ውሳነ ኣድሓርሒራ።

ኤርትራ ድማ ኣይፋሉን፡ ብዘይቅድመኩነት እቲ ውሳነ ከይተተግበረን ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብቲ ንዓኣ ዝተዋህበ ቦታታት ከይወጹን ዝርርብን ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ኣይክህሉን’ዩ ብምባል ኣቕቢጻ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ እቲ ውሳነ ብሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ነይሩዎ።

“ካርቶግራፈር ሕቡራት ሃገራት ከም ጸሓፊ ናይቲ ኮሚሽን ኰይኑ ከገልግልን፡ በቲ ኮሚሽን ንዝተዋህቦ ዕማም ንምፍጻም ንቴክኒካዊ ክእለት ኣሃዱ ካርቶግራፊ ሕቡራት ክጥቀመሉ ይኽእል። እቲ ኮሚሽን፡ ከም ኣድላይነቱ፡ ተወሰኽቲ ክኢላታት ክቘጽር ይኽእል” ይብል ዓንቀጽ 4 (7) ናይቲ ስምምዕ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ብ18 ሰነ 2000 ብመሰረት ዝፈረማኦ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 4000 ዝኣባላቱን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝወድአን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ክኣቱ ወሲኑ። እቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ቈጽሊ ዘውደቐሉ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (UNMEE) ከኣ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተዋፊሩ ነይሩ።

“መዝነት ናይቲ ዓቃብ ሰላም ተልእኾ፡ መስርሕ ምሕንጻጽን-ምምልካትን ዶብ ምስተፈጸመ የብቅዕ” እዩ ዝብል ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብኣብያ ኢትዮጵያን መርገጺ ኣውሓስቲን መሰኻኽርን ናይቲ ስምምዕ ሰላም ዝዀኑ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኣልጀርያን ዝተቘጥዐት ኤርትራ፡ ብወገና ንዝነበረ ክፋል ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ቀረብ ነዳዲ ብምንፋግ፡ ኣብ ፈለማ 2008 ጠቕሊሉ ክወጽእ ተገዲዱ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታት ምውጻእ ኣብዩ፡ ኵነተ-ኲናት ክልቲአን ሃገራት ቀጺሉ። ዋላ’ኳ ናብ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት እንተዘይተመለሳ ኣብተን ዝቐጸላ ኣስታት 18 ዓመታት ሓሓሊፈን ክራጸማን ክዋጋኣን ተራእየን፤ ኣብ 2012 ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ዘጋጠመ ረጽምታት እቲ ዝዓበየ ተርእዮ ነይሩ።

ብዙሓት ወገናት ክልቲአን ሃገራት ናብ ልዝብ ክምለሳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ከሐድሳን ዝገበርዎ ጻዕርታት ብወገን ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ 2017 ከይተረፈ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ምትእኽኻብ ቤትምኽሪ ኣብያተክርሰትያናት ዓለም ዝወሰዶ ናይ ሰላም ተበግሶ ኣይሰመረን።

ኣስመራን ጅዳን፡ ሰምምዕ ሰላም 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 27 ዓመታት ወሳኒ ስልጣንን ጽልዋን ዝነበሮን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ቀንዲ መሓዛን መቐናቕንቲን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ህግደፍን ዝዀነ ህወሓት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣንሳሒቡ ንመቐለ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ።

ኣብ ፈለማ መጋቢት 2018 መራሒ ኢህወደግ ኰይኑ ሃንደበት በሎኽ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ ንሰላም ዘለዎ ትምኒትን ቅሩብነትን ክገልጽ ጀሚሩ።

ብ5 ሰነ ናይቲ ዓመት ከኣ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ “ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ወሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ክቕበል ከምዝወሰነ” ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብ20 ሰነ ኣብ ዘስምዖ መግለጺ፡ ሓደ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሰድድ ከምዝወሰነ ብምግላጽ፡ ንተበግሶ ኣብይ ኣሕመድ እወታዊ ግብረመልሲ ሂቡሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ብ26 ሰነ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ድማ ሰላም ዘበሰረ ዓቢ ፍጻመ ኰነ።

ድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተመርጸ ኣብይ ኣሕመድ ብ8 ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተራኸበ።

ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመት ኵነተ-ኲናት፡ ብ9 ሓምለ 2018 “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ኣብ ኣስመራ ፈሪመን።

እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ ኣስመራ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣ’ስዑድ ዝተረኽቡሉ ብ16 መስከረም ኣብ ከተማ ጂዳ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ተፈሪሙ።

“ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ” ክብሉ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዓንቀጽ እቲ ስምምዓት ኣዊጆም።

ሓደ ካብቶም ዓንቀጻት ናይቲ ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ትግባረ ናይቲ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝተዓንቀጸ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ።

“ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ” ይብል ዓንቀጽ ኣርባዕተ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ኣዋጅ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ 7 ዓንቀጻት ዝሓዘ ስምምዕ ጅዳ’ውን “ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራ-ኢትዮጵያ ክትግብራኦ እየን” ክብል ኣስፊሩ’ሎ።

ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ “ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚቲን፡ ከምኡ’ውን ከም ኣድላይነቱ ንኡሳን-ኮሚቲታትን” ክምስርታ ምዃነን’ውን ኣዊጀን ነይረን።

እንተኾነ፡ ክሳብ ሎሚ፡ ብወግዒ ዝተመስረተን ላዕለዋይ ኮሚቲ ዘይምህላዉ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ኮይኑ ተሪፉ ዝብል ነቐፌታ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ “ዘጨንቕ የብልናን” ዝብል መርገጺ ዝነበሮ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደንጒዩ ኣብ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ከነሐይል ክንክእል ኣለና። ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ክንተኣማመን ኣለና፡” ኢሉ ነይሩ።

“እቲ ዝዓበየ መኽሰብ ዝበሃል እውን ንሱ እዩ። ‘ኣይፋሉን ናይ ዶብ ሽግር ተፈቲሑ እዩ። ናይ ባድመ ጉዳይ’ውን ተደቓቒሱ እዩ’ ኢልካ ዝኸይድ ነገር ኣይኰነን። ንሱ ንገዛእርእሱ ሓደ ንእሽቶ ሽግር ኣብ መንጐ ዓቢ ጉዳይ ኰይኑ ይተሓዝ ስለዘሎ” ብምባል ቀዳምነት ዝህቦ ዞባዊ ጉዳያት ምዃኑ ኣሚቱ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብወገኑ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም ይዅን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንህዝብታት እተን ሃገራት ዝመቓቕል መግዛእታዊ ዶባት ትርጕም ከምዘይብሉን፡ ሓደ ሰራዊት ምክልኻል፡ ሓደ ባጤራን ክህሉን ዶባተን ማያት ዶባት ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ክኸውንን ከምዝምነ እዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ግን እቲ ሽዑ ዝተረኽበ ሰላም ክጸንዕን እተን ሃገራት ዳግማይ ናብ ዘየድሊ ደማዊ ግጭት ከይኣትዋ ዘለዎም ስክፍታ ብምግላጽ ጉዳይ ዶብ ንሓዋሩ ክድቅስ’ዮም ክምሕጸኑ ጸኒሖም።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበረን ንፖሊሲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምቅዋም ናብ ስደት ዘምርሐን ኣቶ ዘርኣስላሰ ረድኢ፡ “ዘይደቀሰን ዘይነጸረን ዶባዊ ምስሕሓብ እንከለካ ሰላምን ምርግጋእን ኣውሒስካ፡ ዞባዊ ውህደት ከተምጽእ ኣይክኣልን’ዩ” ክብል ይምጕት።

ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ ንኤርትራ ወኪሉ ኮሚሽነር ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብወገኑ ንመግለጺ ኣብይ ኣሕመድ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ ግብረመልሲ፡ “ብንጹር ዝተመልከተ ዶብ” ሰላም ንምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ “እቲ ዶብ ትርጕም የብሉን ዝብል ኣበሃህላ ደንቆሮ ወይ ውዲታዊ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል” ክብል ነቒፉ።

“ቅልጡፍ ትግባረ ስምምዓት ኣልጀርስ፡ ኣካላዊ ምኽላል ወይ ምምልካት ናይቲ ሓባራዊ ዶብ ብመሰረት መምርሒታት ምምልካት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ተክኒካዊ ደገፍ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ንምውጋድን ሰላም ንምህናጽን ህጹጽ ኣገዳስነት ኣለዎ” ይብል እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምቅዋም ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ ምኩር ዲፕሎማሰኛ።

“ክንዲ ዝዀነ፡ ብንጹር ዝተመልከተ ዶብ ንሃገራዊ መንነት ወይ ሃገራዊ ዜግነት ናይቶም ኣብቲ ወሰናስን ዶባት ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይውስን፤ ንቦታታት ልኡላዊ ስልጣን ወይ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ይድርት።”

ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ናይ ሰላም ተበግሶ ብምውሳዱ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ተቐቢሉ’ዩ። ኣብቲ ናይ ሰላም ስምምዕ መሻርኽቱ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ክንዮ ናእዳ፡ ነቲ ሽልማት ዘይምምቕራሑ ብዙሓት ደገፍቱ ባህ ኣይበሎምን።

እቲ ኣብ ኣስመራ፡ "ድሕሪ ደጊም፡ ውግእን ወረ ውግእን ምስማዕ - ይኣክል" ዝበለ ኣብይ ኣብ ኦስሎ’ውን “ንሰላም ዘለና ተወፋይነት ከም ሓጺን ዝተረረ’ዩ” ብምባል ‘ኣስያፍና ናብ ማሕረሻታት፡ ኲናውትና’ውን ናብ ጐዘሞታት ክንቅይሮ ወሲንና ኣሎና” ክብል ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ ብምቚንጫል ንሰላም ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኲናት ትግራይን ኵነታት ዶብን

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራይ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ፍልልያት እናዓበየ ከይዱ ናብ ወጥርን ምትፍናንን ዓሪጉ።

እቲ ‘መራሒ ሰላም’ ተባሂሉ ዓለምለኻዊ ናእዳ ዝተጓናጸፈ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኦስሎ ድሕሪ ምምላሱ፡ ድሕሪ ዓመት’ዩ ናብቲ ኢትዮጵያ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ደማዊ ኲናት ዘእተዋ። ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሃዋርያ ሰላም ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ናብ ዓውደ-ኲናት ምውፋሩ ኸኣ ንብዙሓት ዘገረመ ኮነ።

ኣብቲ ካብ ፈለማ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኣብ መወዳእታ ብሰላማዊ ዘተ ኣብ ሕዳር 2022 ደው ዝበለን ኲናት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ናብ ውሽጢ ትግራይ ብምእታው ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኡ።

ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት፡ ነቲ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ባድመ ዝርከቦም ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ከተእትዎ ዕድል ረኺባ።

እንተዀነ ሕጂ’ውን ብወግዒ ኣብ ባይታ ብዘይምምልካቱ፡ ኣብ መንጐ ኣብይን ኢሳይያስን ምትፍናንን እንተ ተፈጢሩ ጠንቂ ምውላዕ ካልእ ኲናት ከይከውን ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓይልታተን ብምሕባር ኣንጻር’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝበላኦ ህወሓት ብምግጣም ላዕለዋይ ኢድ ረኺበናሉ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ ዶባት ከምዝምልከት ክገብራ ዕድል ረኺበን እንከለዋ ስለምንታይ ነቲ ስምምዕ ዘይተግበራኦ? ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

መራሕቲ ህወሓት ንትግባረ ውሳነ ዶብ ተሓሲሞም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ስምምዕ ጅዳን ኣስመራን ግን፡ ብወግዒ ይፈጸም ክብሉ ተሰሚዖም ነይሮም። እቲ ኣብይ ዝወሰዶ ተበግሶ ሰላም’ውን ባዕሎም ዝጀመርዎ ምዃኑ ክዛረቡ’ውን ተሰሚዖም’ዮም።

መራሕቲ ህወሓት ሕጂ’ውን ኤርትራ ዋላ ነታ ብውሳነ ዶብ ዝተዋህባ ከባቢታት ብሓይሊ ምቍጽጻራ ከምዘይቅበልዎ፡ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ሓምለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣነጺሩ ነይሩ።

“ጉዳይ ዶብ፡ ናይ ኤርትራን ትግራይን ጉዳይ ኣይኰነን። ጉዳይ ዶብ ፈደራል መንግስቲ’ዩ በዓል ዋና። ግን ኣብ መሬት ትግራይ ስለ ዘለዉ፡ ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም። ናይ ኣልጀርስ ይዅን ካልእ ብሓይልኻ ዝተሓዝ ዝዀነ ነገር ክህሉ ኣይክእልን’ዩ - ፈደራል እውን በዚ እዩ ዝኣምን” ይብል ዶ/ር ደብረጽዮን።

ኣቶ ዘርኣስላሰ ከምዝብሎ፡ መግለጺታት ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ሓደ ካብቲ ዘየቕስን ጉዳይ ብምዃኑን፡ “ስቑታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዘርእየና እንተሃልዩ፡ ኲናት እንተ ተላዒሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2018 ተቐቢለዮ ዝበለቶ ክትግህሶ ከምእትኽል እዩ ዘተንብህ” ብምባል ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።

“ክልቲኦም ስርዓታት ጉዳይ ውሳነ ዶባት ኣብ ባይታ ክትግበር ፖለቲካዊ ድልውነት ኣይጸንሖምን። ስርዓት ኣስመራ፡ ዛዕባ ዶባት ኤርትራ ሕጋዊን ኣብ ባይታ ክምልከትን ቀዳምነቱ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክትግበር እውን ዝደሊ ኣይመስልን።

“ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ንውሳነ ዶባት ከም ዘለዎ ከም ዝተቐበለቶ ኣብ ዝሓበረትሉ እዋን፡ ስርዓት ኣስመራ እቶም ከም ኣውሓስቲ ዝፍለጡ (UN, AU, EU, EBC) ሓላፍነቶም ክስከሙን፡ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ውሳነ ክሕግዙን ብቐዳምነት ክሰርሕ ነይርዎ። እቲ ስርዓት ቀዳምነታቱ ዞባዊን ኢትዮጵያዊን ዛዕባታት፡ ብኡኡ ኣቢሉ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ ምርግጋጽ እዩ ጸኒሑ” ይብል እቲ ተንታኒ ዲፕሎማሲ ናይቲ ዞባ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ብሕጋዊ ውሳነ ፍርዲ ምስ ተዋህቦ፡ ዝተወረረ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ናጻ ክወጽእን ናብ ልኡላውነቱ ክምለስን ነይሩዎ። እዚ ግን ኣይተኻእለን” ብምባል ህወሓት ከምዝዓንቀፎም’ዩ ተዛሪቡ። ቀዳምነት ከምዘይሃቦ ግን ኣይሓብአን።

“ንሕና፡ ሉኣላዊ መሬትና ከይተመለሰልና ‘እዚ ኣይከውንን’ዩ’ ኢልና ኣይንዛረብን ኢና። እዚ ካልእ ኣርእስቲ ስለዝዀነ ቀሰይ ኢልና ነረኻኽበሉ ኢና ንብል. . . እቲ ብዘይምኽንያት ዝተፈጥረ ናይ ዶብ ሽግርን ድሕሪኡ ዝነበረ ንዓኡ ዝድርኽ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን እውን ጠፊሹ ስለዝዀነ፡ ኣብኡ ዘጨንቕ የብልናን” ዝብል ፖሊሲ ከምዝነበሮ ጠቒሱ።

‘ዶብ ተመልኪቱ’ዩ’- መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ

ብይን ኮሚሽን ዶብ ክትግበር ን16 ዓመታት ዝጠልብ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ነቲ ዝተወሰነሉ ቦታታት ክቈጻጸር ዕድል ድሕሪ ምርካቡ፡ ጉዳይ ዶብ ደቂሱ’ዩ ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ምምልካት ናይቲ ዶባት ኣብ 2008 ከምዝተወድአ ይገልጽ።

“ምምልካት ዶብ በቲ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ‘ምምልካት ብነጥብታት’ (demarcation by coordinates’ ወይ ምምልካት ብማንዛ ዝበሎ ኣገባብ ተፈጺሙ’ዩ።”

ኤርትራ ምስ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዶባት’ውን ብኸምዚ ኣገባብ ዝተሓንጸጸ’ምበር ኣብ ባይታ ምልክታት ዝተተኽለሉ ከምዘይኰነ ኣቶ የማነ ሓቢሩ።

“ስለዚ ዶባት ተመልኪቱ’ዩ” ክብል እቲ ሚኒስተር ንመርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣነጺሩ።

ኣብ 2007 ክልቲአን ሃገራት ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ክፍጸም ዘቕረቦ ጠለብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዘይምትግባሩ እቲ ኮሚሽን ዶብ ነቲ ኣብ 2006 ብነጥቢታት ዝተመልከተ ካርታታት ናይቲ ዶባት ነተን ሃገራትን ንቤትጽሕፈት ካርቶግራፊ ሕቡራት ሃገራት ብምርካብ መዝነቱ ኣብቂዑ።

ጠንቂ ኣዕነውቲ ግጭታት ዝዀኑ መግዛእታዊ ዶባትን ዘየቕስን ሓድጊታቶምን

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ፖርቱጋልን ናጻ ኣብ ዝወጻሉ ዝነበራ እዋን፡ እተን ድሮ ናጽነት ዝተጓናጸፋ ሃገራት ነቲ ሓድጊ መግዛእቲ ዝዀነ ዶባት ‘እንታይ ንግበሮ’ ዝብል ዓቢ ግድል’ዩ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ።

ይደምሰስዶ ይወረስ? መልሲ ንምርካብ መስረትቲ ኣቦታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓሳብ ተፈላልዮም ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቕሉ- ካዛብላንካን ሞንሮቪያን።

ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ዘካየድዎ ዓሚቚ ልዝባት ግን፡ ንመስመር ሞንሮቪያ ብምርዓም፡ ናጽነትን ልኡላውነትን እተን ብመግዛእታዊ ዶባት ዝቘማ ሃገራት ጸኒዑ ክቕጽል ተሰማሚዖም፤ ኣብ 1963 ድማ ዘቀራርቦም ውድብ ሓደነት ኣፍሪቃ (ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) መስሪቶም።

ኣብቲ ብ25 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸደቐ ቻርተር ናይቲ ውድብ ድማ “ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን” ናይተን ሃገራት ክኽበር ውዕል ኣትዮም።

“ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ነፍሲ ወከፍ ሃገርን፡ ዘይንፈግ ናጻ ህላወን ክኽበር” ዝብል መትከል ኣብ ዓንቀጽ ሰለስተ ቍጽሪ ሰለስተ ናይቲ ቻርተር ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣብቲ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ግብጺ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ድማ፡ ነዚ ንምጽናዕ “ኵለን ሃገራት፡ ነቲ ሃገራዊ ናጽነተን ክጓናጸፋ እንከለዋ ዝነበረን ዶባት ከኽብራ” ወሲኑ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ዘርኣስላሰ ረድኢ ከምዝብሎ፡ እቶም ፈለምቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ንዘይምፍጣርን ስርዓት-ኣልቦነት ንከይነግስን’ዮም ነቲ ኣብ በርሊን ኣብ መፋርቕ 1880ታት ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ዝዀነ መግዛእታዊ ውዕላት ክርዕምዎ ተገዲዶም።