እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግጭት ካብ ዘበገሱ ተግባራት ክቝጠባ ጸዊዓ
ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ግጭት ዘበገሱ ተግባራት ክቑጠባ ከምኡ’ውን ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ከኽብራ ጸዊዓ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቀዳማይ ዓመት ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዛጊት ንዝተፈጸሙ ክፋላት እቲ ውዕል ብምንኣድ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቡዎም ተግባራት እቲ ውዕል ክፍጸሙ ጸዊዑ ኣሎ።
“እንተዀነ እቶም ዝተረፉ ብድሆታት ምግላጽ ጠቓሚ እዩ፤ ዋላ'ኳ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ዘረከቡን ሓይልታቶም ምስንባት ጀሚሮም እንተሃለዉን፡ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ተወሰኽቲ ስራሕቲ የድሊ፤ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ክወጽእ ኣለዎ፡” ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደጊፎም ዝተዋግኡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ከምዘይወጹ ሰብመዚ ትግራይ ይገልጹ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብ ምትንዃይ ክቑጠባን ልኡላውነት ናጽነትን ጐረባብቲ ከኽብራ ጸዊዑ።
“ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ምትንዃይ ክቝጠባ ከምኡ እውን ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ከኽብራን ይግባእ።”
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ክሳዕ ሕጂ ተራእዮም ንዝበሎም ምዕባለታት እውን ንኢዱ።
ኣመሪካ ኣብ “ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ምምላስ ኣድለይቲ ኣገልግሎታት፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምስላጥ ተበጻሕነት ዓለምለኻዊ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ” ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ትንእድ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሞት ኣማኢት ኣሽሓት ምኽንያት ዝዀነ ደማዊ ኲናት ደው ኣቢልዎ።
እቲ ኲናት ብፍላይ ኣብታ ዓውደ ኲናት ዝነበረት ትግራይ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዘውረደ ኰይኑ፣ ኣብቶም ዘስፋሕፍሓሎም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ሃገሩ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ካልኦትን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታትን ጽብጻባት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘሻቕልዋ እውን ገሊጹ።
“ዝቐጸለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝፍጽምዎ በደላትን ከምኡ እውን ምንዛሕ መርዛም ትረኻን ነቲ ብኲናት ዝላሕለሐ ማሕበራዊ ርክብ መሊሱ የዳኽሞ ኣሎ።”
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሸኔ ኢሉ ምስ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ከምኡ ድማ ሓቢሮምዎ ኣንጻር ትግራይ ምስ ዝተዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶም ውግኣት ቀጺሎም ኣለዉ።
ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ “ዝተማለአ መደብ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ምስንባትን ምጥያሽን ከምኡ እውን ምስፋሕ ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ሃገራዊ ተሓታትነትን” ዘጠቓልል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብምልኣት ክፍጸም ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝዀነት ገሊጹ።
“ተኣማኒ፡ ንዅሉ ዝጠቓልል፡ ግዳያት ማእከል ዝገበረን ሃገራዊ ፖሊስ መሰጋገሪ ፍትሒ ክሕተምን ተግባራዊ ክግበርን ነተባብዕ፡“ ኢሉ።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሰላም ዝዓሰለን ኵነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ምንቅስቓስ ዝግበር ዘሎን ኰይኑ፡ ጉዳይ ተፈናቐልቲ፡ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ቍጠባዊ ቅልውላውን ግን ሕጂ እውን፡ ህይወት ኣብቲ ክልል ፈታኒ ክኸውን ገይሩ ኣሎ።