ትግራይ፡ 'ጥይት ተኵሶም ብርከይ ወቒዖምኒ'- ካብ ግዳያት ዓዲጉዶም

ምንጪ ስእሊ, EQUAR
ኣብ ከተማ ዓዲጉዶም ተዋፊሮም ዘለዉ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ድሮ ኣርባዕተ ሰባት ተጐዲኦም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከቡ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣርምታት 44 ን 26ን ከም ዝተዋፈሩ ዝተገለፁ ዕጡቓት ትማሊ ሰሉስ ንቤት-ፅሕፈት ከተማ ዓዲጉዶም ብሓይሊ ብምቁፅፃር፡ ንከንቲባ እታ ከተማን ሸውዓተ ኣባላት ካቢኔንን ጨውዮም ከም ዝወሰዱን ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ይህደኑ ከም ዘለዉን ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብፍላይ ትማሊ ሰሉስ ኣብታ ከተማን ኣብ ካልኦት ከባብታት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ብዝሒ ዘለዎም ዕጡቓት ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዝገልፁ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
እቶም ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዝድግፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብጥልመትን ክሕደትን ብምኽሳስ ምምዕርራያት ክግበረሉ ክጠልቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ቢቢሲ ንግዳያት፣ ስድራ ግዳያት፣ ነበርትን ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምብራቕን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ኣርምታት 44 ን 26 ከም ዝተዋፈሩ ዝግለፁ ዕጡቓት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ ብብዝሒ ብምውፋር፡ ንቤት-ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ዓዲጉዶም ብምኽባብ፡ ንከንቲባ እታ ከተማን ካቢኒኡን ሓዊሱ ንሸውዓተ ኣመራርሓ ጨውዮም ከም ዝወሰዱ ምንጭታትና ገሊፆም።
ከም ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ዓዲጉዶምን ከባቢኡን ፅዑቕ ምውፋር ዕጡቓት ዝተዓዘቡ ነበርቲ ተኣኻኺቦም።
ድሒሩ ድማ እቶም ዕጡቓት ነቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ንምብታን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስዱን ጠያይቲ ክትኩሱን ጀሚሮም።
ኣብ ጥቓ እቲ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ዝርከብ መንበሪ እንዳ ወለዱ ከም ዝነበረ ዝገልፅ ነባሪ እታ ከተማ ኣይተ ገብረሂወት ሃይለ፡ ቤት_ፅሕፈት ምምሕዳር እታ ከተማ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ተኸቢቡ ከም ዝወዓለን ድሕሪ ቀትሪ ድማ ናብ ርኡይ ጐንፂ ከም ዘምርሐን ሓቢሩ።
"ገዛ እንዳ ወለድና ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ በብ ኣንጎልኡ ድፋዕ ሒዞም'ዮም ፀኒሖም። እንታይ ከም ዝኾኑ ኣይፈለጥናን ነይርና። እቶም ፍሉይ ሓይሊ ንከንቲባ ዓንዶምን መሓውሩን ምስ ወሰድዎ፡ ነበርቲ 'ንምንታይ ይእሰሩ ከይድና ነፍትሖም' ኢሎም ተኣኻኺቦም። ኣነ ባዕለይ እንታይ ኮይኖም ተኣኪቦም? ኢለ ከይደ እየ። ግና ንምንታይ ይእሰሩ?' ዝብል ሕቶ ምስ ተልዓለ እቶም ዕጡቓት ጠያይቲ ተኵሶም" ኢሉ።
"እቲ ተኹሲ ዝተፈፀመሉ ኣብ ጥቓ ገዛና እዩ። መጀመርታ ብዝተተኰሰ ጥይት ሓደ ሰብ ክወድቕ ርእየ። ኣታ ሰብ ሞይቱ ኢለ ናብኡ ቀሪበ። እቲ መንእሰይ ኣብ ሸለፉ እዩ ብጥይት ተወቒዑ። ኣብቲ ከባቢ ድሽቃ ተተኺሉ ርእየ" ኢሉ።
እቲ መጀመርያ ብዝተተኰሰ ጥይት ዝተወቕዐ ሞጎስ ኪዳነ እዩ ዝበሃል። ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ዓዲጉዶም ሕክምና ይግበረሉ ከም ዘሎ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
ትማሊ ኣብታ ከተማ ብዙሕ ሰራዊት ተበቲኑ ከም ዝተበተነ ዝገልፅ ወዲ 30 ዓመት ሞጎስ ኪዳነ፡ ከባቢ ሰዓት 11፡30 ኣጋ ምሸት ብዙሓት ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ከም ዝተወቕዑን መውቃዕቲ ከም ዝተፈፀሞምን ገሊፁ።
"ሓሙሽተ ሰባት ኢና ብጥይት ተወቒዕና። ኣነ ኣብ ልዕሊ ብርከይ ብክላሽን ተኵሶም እዮም ወቒዖምኒ። ብድሕሪኡ ምስ ወደቕኹ'ውን ብበትሪ ደጋጊሞም ወቒዐምኒ'ዮም። ሕዚ ኣብ ከቢድ ቃንዛ እየ ዘለኹ" ኢሉ።
መናእሰይ ምስቶም ዕጡቓት ኣብ ዘይተጋጨውሉ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ድማ ሓቢሩ።
ኣይተ ገብረሂወት ሃይለ'ውን፡ ምንኣስ ሓዉ ኣለም ሃይለ በቶም ዝተተኰሱ ጠያይቲ ካብ መንጎ ዝተጎድኡ ኣርባዕተ ሰባት ሓደ እዩ።
"መጀመርያ ነቲ ዝተኣከበ ሰብ ንምብታን ናብ ሰማይ ተኩሶም። ደሓር እቲ መንእሰይ ምህዳም ምስ ጀመረ ብቀጥታ ናብ ሰብ ምትኳስ ጀሚሮም፤ ኣርባዕተ ሰባት ተጎዲኦም። እቲ ራብዓይ ወዲ እነይ ንእሽተይ ሓወይ እዩ። ሓወይ ኣብ ርእሱ እዩ ብጥይት ተወቒዑ፤ ኣብ ሰለስተ ቦታ ተሰፍዩ ኣሎ" ብምባል ሓዉ ኣብ ሆስፒታል ዓዲጉዶም ሕክምና ይከታተል ከም ዘሎ ገሊፁ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ዝተፈፀመ መጥቃቲ ብምርግጋፅ፡ "ክልተ ኣብ ርእሶም፣ ሓደ ኣብ ደረቱ፣ ካልእ ድማ ኣብ እግሩ ብጥይት ተወቒዖም፡ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ። እቶም ክልተ ኣብ ሆስፒታል ዓዲጉደም ይርከቡ"ኢሉ።
ካብቶም ኣርባዕተ በቲ መጥቃዕቲ ዝተጐድኡ እቶም ክልተ ድማ፡ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ከም ዝተልኣኹ ገሊፁ።
በቶም ዕጡቓት ዝተጨወዩ እንመን እዮም?

ምንጪ ስእሊ, EQUAR
ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ፡ ካብ ከተማ ዓድጉዶም ብተወሳኺ ኣብ ሃገረሰላምን ወረዳ ሳምረን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ከተማ ዓድጉዶም ዝተዋፈሩን ንምምሕዳር እታ ከተማ ዝተቖፃፀሩን ዕጡቓት ትግራይ ካብ ኣርሚ 44 ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኾኑ'ውን ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ስልጣንን ማሕተምን ኣረክቡ ብምባል ንከንቲባ እታ ከተማን ምክትሉን ሓዊሱ ሸውዓተ ኣመራርሓ ከም ዝጨወዩን ኣብቲ ቤት-ፅሕፈት ተኹሲ ከም ዘኸፈቱን'ውን ሓቢሩ።
"ክሳብ ሰዓት 11፡00 ኣጋምሸት ማሕተምን ቁልፍን ኣረክቡ ብምባል ዕግርግር ፈጢሮም። እቶም ካቢኔ ድማ ስልጣን ንህዝቢ ኢና ነረክብ ኢሎም። ካብኡ ንከንቲባ ሓዊሱ ንሸውዓተ ኣመራርሓ ካቢኔ ዓፊኖም ብፓትሮል ገይሮም ወሲደሞም ኣለዉ። ናበይ ከም ዝወሰድዎም ኣይፍለጥን" ብምባል፡ ከም ዞባ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ገሊፁ።
ከንቲባ ከተማ ዓድጉዶም ኢንጂንየር ዓንዶም ወልዱ፣ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ዓወት ተወልደ፣ ሓላፊ ፀጥታ ከተማ ዓዲጉዶም ኣባዲ፣ ምልዕዓልን ርክብ ህዝቢን እታ ከተማ ኣይተ ይርጋ፣ ኣይተ ሃደራን (ኣቦወንበር ) ዕፃይን ካብ ማሕበር መናእሰይ፣ ካልእ መንእሰይን ተዓፊኖም ከም ዝተወሰዱ ተዛሪቡ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓዲጉዶም ዘሎ ኩነታት?
ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ተዋፊሩ ዘሎ ብዝሒ ዘለዎ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ህዝቢ ልሙድ ምንቅስቓስ ክገብር ከም ዘይኽኣለን ራዕድን ሻቕሎትን ከም ዝሰፈነን ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሰባት ካብ ገዝኦም ብዕጡቓት ክህደኑ ከም ዝሓደሩን ከም ዝተኣሰሩን ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣይተ ገብረሂወት፡ "ድሕሪ እቲ ኵናት ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ከጋጥመና'ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ቀይሕን ፀሊምን በረኻ ተሪፉስ፡ እንደገና ብናይ በዓልኻ ሰራዊት ኣብ ዓድኻ ክትቅተልን ክትውቃዕን እንከለኻ ብጣዕሚ'ዩ መሕዘኒ፡ በቲ ኩነታት ርእሰይ ሓሚመ ኣለኹ" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ'ውን ብዕጡቓት ተኸቢበን፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይህባ የለዋን።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሎሚ ንጉሆ ከም ልሙድ ናብ ቤት-ፅሕፈቶም ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ፡ በቶም ዕጡቓት ክምለሱ ከም ዝተገበሩ ይግለፅ።
ኣብታ ከተማ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝኾነ ኣይተ ሹሙየ ገዛኢ፡ ሎሚመዓልቲ ንጉሆ እቲ ቢሮ ብዕጡቓት ተዓፅዩ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
" ትማሊ መዓት ጥይት ድሽቃን'ዩ ፈሲሱ (ተተኵሱ)። ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 2፡00 ናብ ስራሕ ክንኣቱ ከይድና፤ እቲ ቢሮ ብሰራዊት'ዩ ተኸቢቡ እዩ ዘሎ። ኣይኮነን ክትኣቱ ብኡ ክትሓልፍ'ውን ዘስግእ እዩ። ቤት-ፅሕፈት ወረዳ ሕንጣሎ'ውን ሰራሕተኛ ከይኣቱ ተዓፅዩ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ፡ ኣብታ ከተማ በብ50 ሜትሮ ርሕቐት ናይ ሰራዊት ኬላ ከም ዝተገበረ ገሊፁ።
ሎሚረፋድ፡ ነበርቲ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ መጥቃዕትን መጭወይትን ንምኹናን ሰልፊ ተቓውሞ ንምግባር ከም ዝፈተኑን፡ በቶም ዕጡቓት ከም ዝተበተኑነን ምንጭታት ገሊፆም።
ብኸመይ እዩ ይምዕብል ዘሎ ?
ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲጉዶምን ገለ ከባብታት መቐለን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዙሓት ከም ዝተጎድኡ ትማሊ ብመንገዲ ኤክስ ገሊፁ'ዩ።
ኣብ ጐኒ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምዃኖም ዝገለፁ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ምቁፅፃርን በቲ ዝድግፍዎ ክንፊ ዝተሾሙ ኣካላት ናብ ቤት ፅሕፈት ኣብ ምእታውን ይርከቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢዱ ከእትዉ ብወግዒ ሓቲቱ ኣሎ።
ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንመሓውር መንግስቲ የፍርሱ ኣለዉ ንዝበሎም ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታትት ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ [ፍሳሃ ማንጁስ] ዝምራሕ ዝነበረ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ንውሳነ እቲ ፕረዝደንት ከም ዘይቕበሎን ዘፍለጠ ዀይኑ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብቶም ድሒሮም ዝተባረሩ ኣዘዝቲ ሓደ ዀይኑ ኣሎ።
እቲ ቤት ፅሕፈት "ሕጊ ምኽባር" ኢሉ ዝሰየሞ ኣካይዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ መሓውር መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምፍራስ ዝወፈረ ዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ንቤት-ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምቁፅፃርን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝኽሰስ።
እዚ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ውጥረት ድማ ንህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







