ፍሉጥ ዩክሬናዊ ፖለቲከኛ ኣንድሪ ፓሩቢ ኣብ ሊቭቭ ተቐቲሉ

ፓሩቢ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ነበር እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓሩቢ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ነበር እዩ

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ዩክረይን ነበር ኣንድሪ ፓሩቢ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ብጥይት ከም ዝተቐትለ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ልዑል ጥይት ክትኰስ እንከሎ ዘርኢ'ዩ ዝተባህለ ዘይተረጋገጸ ምስሊ፡ ሓደ ዕጡቕ ከም መልእኽተኛ መሲሉ ኣብ ጽርግያ ናብ ፓሩቢይ ክቐርብን ብድሕሪኡ ብረት ሒዙ ክጕዓዝን የርኢ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምእታው ድማ ዓቢ ሃድን ይካየድ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ብቐዳም 30 ነሓሰ 2025 [ኣ.ኤ] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዘስካሕክሕ ቅትለት" ክብል ብምግላጽ ንስድራቤት ፓሩቢ ጽንዓት ተመንዩ።

ወዲ 54 ዓመት ፓሩቢ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክህሉ ዝጠልብ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት 'ዩሮሜይደን'፡ ኣብ 2014 ደጋፊ ሩስያ ዝዀነ ፕረዚደንት ነበር ቪክቶር ያኑኮቪች ዘውደቐን ህዝባዊ ተቓውሞታት ስዒቡ ተፈላጥነት ዝረኸበ ፖለቲከኛ እዩ።

ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ነዚ ፖለቲከኛ ዝቐተለ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምእታው ፍሉይ ስርሒት ጀሚሮም ኣለው።

ዘሌንስኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵሉ ኣድላዪ ሓይልታትን ኣገባባትን ይዋፈር ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ "መንነቱ ዘይተፈልጠ ዕጡቕ ናብቲ ፖለቲከኛ ብዙሕ ጥይት ከም ዝተኰሰ" ከምኡ'ውን ፓሩቢ "ኣብቲ ቦታ ከም ዝሞተ" ገሊጾም።

ኣዛዚ ፖሊስ ልቪቭ ኦሌክሳንድር ሽልያኮቭስኪ፡ እቲ ዕጡቕ "ኣስታት ሸሞንተ ጥይት ከም ዝተኰሰ" ብምግላጽ መንነቱ ከም ዘይተፈለ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ እቲ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ብጥንቃቐ ዝተወጠነ፡" ይመስል ኢሉ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ዓቃቢ ሕጊ ልቪቭ ማይኮላ ሚሬት፡ ኣብዚ ሩስያ ኢድ ክህልዋ ይኽእል'ዩ ዝብል ሓዊሱ ኵሎም መንቀሊ እዚ ቅትለት ክዀኑ ዝኽእሉ ድራኸታት ናይቲ መጥቃዕቲ ይምርመሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ምንጭታት ኣኽበርቲ ሕጊ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ድሒሮም ኣብቲ ቦታ ሸውዓተ ዓረራት ከም ዝተረኽቡ ገሊጾም።

ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ሰራሕተኛ ትካል ምብጽጻሕ ግሎቮ ዝመስል ክዳን ከም ዝተኸድነ ሓቢሮም። ኣብቲ ነቲ ክስተት ዘርኢ ምስሊ'ዉን፡ እቲ ጥርጡር ብጫ ናይ ምብጽጻሕ ቦርሳ ተሓንጊጡ ክኸይድ ይርአ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ናይ ኤሌክትሪክ ብሽክለታ ከም ዝነበሮ'ውን ይንገር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሃቢት ቃል ግሎቮ፡ እቲ ትካል "በቲ ኣረሜናዊ ገበን ኣዝዩ ከም ዝተሰናበደ" ብምግላጽ እዚ ንምጽራይ ኣብ ዝካየድ መርመራ ምሉእ ብምሉእ ክተሓባበር ምዃኑ ሓቢራ።

ፓሩቢ፡ ኣብቲ መንግስቲ ያኑኮቪች ኣብ መወዳእታ 2013 ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ስምምዕ ማሕበር ምፍራም ምስ ኣበየ ዝጀመረ ምንቅስቓስ 'ዩሮሜይደን' ቀንዲ ኣካል እዩ ነይሩ።

ንሱ ን"ርእሰ ምክልኻል" ሜይደን - ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኪቭ ዝርከብ ስፍሕ ዝበለ መዓስከር ዳስ ዝሕልዉ ዝነበሩ ዕጡቓት ጕጅለታት ሰልፈኛታት - ወዲቡን ኣወሃሂዱን እዩ።

ምስ ፖሊስ ናዕቢ ዩክረይን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ድማ ብዙሕ ግዜ ቈሲሉ።

ድሕሪ ምእላይ ያኑኮቪች፡ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ኰይኑ።

እቲ እዋን፡ ሩስያ ዕጡቓት ተገንጸልቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይ ውግእ ዝጀመሩሉ- ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ዝጐበጠሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብሙሉእ ወራር ምስ ፈጸመት፡ ፓሩቢ ናብ ግዝኣታዊ ምክልኻል ዩክረይን ተጸንቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ባይቶ ድማ ኣባል ኰይኑ ጸኒሑ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣንድሪ ሲቢሃ፡ ፓሩቢ "ኣብ ምክልኻል ናጽነትን ልኡላውነትን ዩክረይን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሃገራውን ፖለቲከኛን'ዩ፡" ክብል ገሊጽዎ።

ሲቢሃ ወሲኹ፡ "ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ [ክሰፍር] ዝግብኦ ሰብ'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ነበር ፔትሮ ፖሮሸንኮ፡ ቅትለት ፓሩቢ "ኣብ ማእከል ዩክረይን ዝተተኰሰ ተዅሲ፡" እዩ ኢሉ።

"ኣንድሪ ዓቢ ሰብን ሓቀኛ ዓርኪን እዩ ነይሩ። ነዚ እዮም ድማ ሕነ ዝፈደዩ፡ ንዕኡ'ዮም ዝፈርሑዎ፡" ክብል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።

ፓሩቢ ኣብ ህንጸት ሰራዊት ዩክረይን ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ'ዉን ኣመልኪቱ።