ኣብ ፓኪስታን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 32 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ፓኪስታናዊት ከተማ ፔሻዋር ዝርከብ መስጊድ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፓኪስታናዊት ከተማ ፔሻዋር ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ 32 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 150 ቆሲሎም።

ሓደ ክፋል ናይቲ ህንጻ ዝዓነወ ኮይኑ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከም ዘለዉ ሰበስልጣን ገሊጾም።

መብዛሕትኦም እቶም ዝሞቱ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ምዃኖምን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበሩን ይግመት።

ቀዳሞት ጸብጻባት፡ ኣብ ቅድሚት መስርዕ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓደ ፈንጃሪ ቦምባ ርእሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ'ኳ እንተገለጹ፡ እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።

ዛጊት ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን።

ሓላፊ ፖሊስ ርእሰ ከተማ ፔሻዋር መሓመድ ኢጃዝ ካን፡ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፍንጀራ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብ 300 ክሳብ 400 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሸህባዝ ሸሪፍ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒንዎ’ሎ። ንሱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ብድሕሪ እቲ ፍጻመ ዘለዉ ሰባት "ምስ እስልምና ዝኾነ ርክብ የብሎምን" ክብል ተዛሪቡ።

"ምሉእ ህዝቢ ኣንጻር ስግኣት ግብረሽበራ ብሓባር ደው ኢሉ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ፡ ኣብ እዋን ስግደት ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐን ብቢቢሲ ዝተረጋገጸን ቪድዮ፡ ፍርቂ መንደቕ እቲ ህንጻ ከም ዝዓነወ የመልክት።

ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ስርሒት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ከም ዘሎ ዝገለጸ ምክትል ኮሚሽነር ከተማ ፔሻዋር ሻፊዩላህ ካን፡ "ተወሳኺ ሬሳታት ይወጽእ ኣሎ" ኢሉ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳምነትና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ሰባት ምድሓን'ዩ"።

ወሃቢ ቃል ሆስፒታል ሌዲ ሪዲንግ መሓመድ ዓሲም ብወገኑ፡ "ህጹጽ ኩነታት'ዩ" ክብል ገለ ካብቶም ዝተጎድኡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ እዋን እቲ ፍንጀራ ዝተጎድኡ ሰባት ገና ይቕበሉ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ዝሓበረ እቲ ሆስፒታል፡ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ ሰባት ደም ክልግሱ ጸዊዑ ኣሎ።

ጣሊባን ፓኪስታን ካብቶም ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ጉጅለታት ምዃኖም ይግለጽ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዘፍርሱ ጀሚሩ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ፔሻዋር ኣብ ሓደ መስጊድ ሺዓ ካልእ መጥቃዕቲ ቦምባ ተፈጺሙ ከም ዝነበረን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ይዝከር።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ኢስላምባድ፡ ፖሊስ ናይ ጸጥታ ልዑል መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ ኣብ ኩሎም መእተውን መውጽእ ነቑጣታት እታ ከተማ ስርሒት ጸጥታ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ'ሎ።