እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንተርፖል: ኣብ ፈተና ተምሃሮ ከታልሉ ዝገበረት ሰበይቲ ክትእሰር ሓቲቱ
ዓለምለኻዊ ትካል ፖሊስ ኢንተርፖል፡ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ ምትላል ፈተና ተሳቲፋ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ክትእሰር ጸዊዑ።
ጓል 57 ዓመት ፖህ ዩዋን ኒይ፡ ተምሃሮ ስልክን መዳመጽን ተጠቒሞም ውጽኢት ፈተና ከታልሉ ዘኽእል መስርሕ ከም ዝዘርገሐት ይግለጽ።
ሰለስተ መሻርኽታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እታ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕጂ ሓላፊት ማእከል መሰልጠኒ እያ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ፍርዳ ክትጅምር ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኢዳ ኣይሃበትን።
እታ ውልቀ ሰብ ጓል ሲንጋፖር ምዃና እዩ ዝእመን።
ፖሊስ፡ እታ ሃገር ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡላ። ንኢንተርፖል ድሕሪ ምሕባሮም፡ ኢንተርፖል "ቀይሕ መጠንቀቕታ" ኣውጺኡ። ሃለዋታ ዝፈልጥ እንተሃልዩ እውን ክሕብሮም ሓቲቱ።
እታ 'ፖኒ' ብዝብል እትፍለጥ ሰብ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንኽከታተልዋን ክኣስርዋን ዘፍቅድ እዩ።
ኣብ 2016 ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየዱ ሰለስተ ሃገራዊ ፈተናታት ምትላል ኣጋጢሙ።
ማእከል መጽናዕቲ ፖህ፡ ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽዱሽተ ቻይናውያን ተምሃሮ የጽንዕ ነይሩ።
ናብ ቤት ትምህርቲ ፖሊቴክኒክ ንምእታው ዘድልዮም ነጥቢ ንምርካብ ፈተና ወሲዶም።
ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ 6100 ዶላር ኸፊሉ፡ ውጽኢት እንተዘይረኺቦም ድማ እቲ ገንዘብ ከም ዝምለስ ተገሊጹ።
ካብኡ፡ እቶም ተምሃሮ፡ ምስ ቆርበቶም ዝሰማማዕ መዳመጺ [ኢር ፎን] ገይሮም ዝተፈላለዩ ፈተናታት ወሲዶም።
ሞባይልን ብሉቱዝን ኣብ ኣካላቶም ተተሓሒዙ ብኽዳን ተሸፊኑ ነበረ።
መጻምድታ ነበር፡ ወዲ 30 ዓመት ታን ጂያ ያን፡ ብውልቁ ነዚ ፈተና ወሲዱ። ኣብ ኣፍልቡ ቴለፎን ተኣሲራ ነቲ ፈተና ክወስድ ተገይሩ።
ታን፡ ነቲ ናይ ርክብ ኣፕ ፌስታይም ተጠቒሙ፡ ነቲ ፈተና ብቐጥታ ናብ ፖህ ኣመሓላለፎም።
ኣብቲ ማእከል ስልጠና ሰራሕተኛ ፖህ ዝኾነት ፈንግ ሪዋንን ጓል ሓፍቲ ፖህ ፊዮና ፖህን ነቲ ሕቶታት መሊሶም ነቶም ቻይናውያን ተማሃሮ ብእዝኒ ስልኪ ተጠቒሞም ነጊሮምዎም።
"መልሲ ክዛረቡ እንተሰሚዐ ስቕ ይብል ነይረ፡ እንተዘይሰሚዐዮም ግን ናይ ሰዓል ድምጺ ኣስሚዐ" ይብል ሓደ ተምሃራይ።
ሓደ ፕሮክተር መርመራ ንሓደ ካብቶም ፈተና ዝወሰዱ ሰባት ዘይተለምደ ድምጺ ምስ ሰምዑ ኣዘራሪብዎ። እቲ ተምሃራይ ብኡ ንብኡ ኣብ ፈተና የታልሉ ከምዘለዉ ሓበረ።
ሓደ ካብቶም ተምሃሮ ከታልል ከምዘይደሊ እኳ እንተገለጸ፡ እቶም መምህራን ግን ኣገዲዶምዎ።
ኣብ 2020 ፖህ፡ ሰራሕተኛኣን ጓል ሓፍታን ብ27 ገበናት ምትላል ተፈሪዶም።
ነፍሲ ወከፎም ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሮም እዮም። ዳኛ ንነብሶም ክከላኸሉ ዕድል ሃቦም፡ ንሳቶም ግን ስቕ ክብሉ መሪጾም።
ታን ድማ፡ ኣብ 2019 ንሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
"ተማሃሮ ውጽኢት ፈተና ከታልሉ ምርኣይ ዘሕዝን'ዩ። መትከል ቅንዕና ዝጥሕስ እዩ። ሃብታማት ብገንዘቦም ውጽኢት ፈተና ክገዝኡ የብሎምን" ይብል እቲ ዳኛ።
ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ፡ ውጽኢት ፈተና ምትላል ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርታ ክስተት ኣይኮነን።
ኣብ 2016፡ ኣብ ታይላንድ፡ ተምሃሮ ሕክምና ካሜራን ስማርት ሰዓታትን ተጠቒሞም፡ ንምትላል ፈቲኖም ነይሮም።