ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ትሑት ውፅኢት ፈተና ሓድሽ ኣሰራርሓ ክትግብር ወሲኑ

ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጎ ዝወሰዱ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ መሕለፊ ነጥቢ ዘምፅኡ ተምሃሮ ውሑዳት ብምዃኖም ሓድሽ መስርሕ ከም ዝትግብር ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትምህርቲ እታ ሃገር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ናይ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ልዕሊ ፍርቂ ውፅኢት ዘምፅኡ ትሕቲ ኣርባዕተ ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተመዝገበ ውፅኢት “ዘሰምድ” እዩ ዝበለ እቲ ሚኒስቴር፡ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጎ ዝወሰዱ ልዕሊ 980 ሽሕ ተምሃሮ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ተምሃሮ ጥራሕ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ውፅኢት ረኺቦም ኢሉ።

ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዘጋጥም ስርቂ ፈተና ንምእላይ ብዝብል፡ ሚኒስትር ትምህርቲ እታ ሃገር ብመሰረት ዘዳለዎ ትልሚ፡ ተምሃሮ ንፈለማ እዋን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክፍተኑ ከም ዝተገበረ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ኣወሃህባ ፈተና ብዝተፈለየ፡ ተምሃሮ ተፈጥሮ ሳይንስን ማሕበረሰባዊ ሳይንስን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን በበይኖም እዮም ተፈቲኖም።

እቲ ሚኒስትር፡ ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መስርሕ ኣብ እዋን ፈተና ዝኾነ ዓይነት ስርቂ ከም ዘይነበረ ብምሕባር፡ እቲ ብ 18 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ወግዓዊ ዝኾነ ውፅኢት ድማ ናይ ዝቐድሑ ተምሃሮ ዘይሓውስን ብስርዓት ናይ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ውፅኢት ጥራሕ ከምዝኾነን ገሊፁ።

985,384 ተምሃሮ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ እንትኾኑ፡ ካብዚኦም ውፅኢት ዝተትሓዘሎም

896,520 እዮም።

ካብዚኦም ንፈተና ተመዝጊቦም ዘይተፈተኑ ተምሃሮ 77,098 እንትኾኑ 20,170 ድማ ኣብ እዋን ፈተና ተረኺቦም “ብዝተፈላለዩ ጥሕሰታት መምርሒ ከይፍተኑ ዝተኸልከሉን ፈተና ገዲፎም ዝኸዱን፡ ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምቕራብ ኣስታት 12 ሽሕ ተምሃሮ ንዘይምፍታን ወሲኖም ምውፅኦም ይዝከር።

ትሕቲ 50 ሚእታዊት ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከም ዘይኣትዉ ዝተገለፀ ኰይኑ፡ እንተኾነ ዓቕሚ ምቕባል ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ከእትዎም ዘኽእል ውፅኢት ንኽረኽቡ ክስራሕ እዩ ተባሂሉ።

ብሚእታዊት እንትስላሕ፡ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጐ ዝወሰዱ፡ ተምሃሮ ተፈጥሮ ሳይንስ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ውፅኢት ብምምዝጋብ ካብ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝሐሸ ውፅኢት ኣመዝጊቦም።

ካብ 339,642 ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ 6.8 ሚእታዊት፡ ፈተና ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ መንጐ ዝወሰዱ 556,878 ድማ 1.3 ሚእታዊት ጥራሕ ልዕሊ 50 ነጥቢ ኣመዝጊቦም።

ብመሰረት እዚ፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ነጥቢ ዝረኸቡ ኣስታት 30 ሽሕ ተምሃሮ፡ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ክመሃሩ’ዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዓቕሚ ምቕባል ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ዝሐሸ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ተመሪፆም ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ከምዝግበርን፡ እንተኾነ እዞም ተምሃሮ ብቐጥታ ተምሃሮ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ከም ዘይኾኑን” እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እቶም ተምሃሮ ድኹም ውፅኢት ዝረኸብሎም ዓይነታት ትምህርቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይመሃሩ እሞ፡ ንዝወሃቦም መመዘኒ ትምህርቲ እንተድኣ ሓሊፎም ናይ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ክጅምሩ እዮም ኢሉ፡ እቲ ሚኒስቴር።

እቲ ሚኒስቴር፡ እዚ ሕዚ ተራእዩ ዘሎ ምንቁልቋል ውፅኢት፡ “ንዓመታት ክንከባለል ዝፀንሐ መግለፂ ብዙሕ ፀገምን ተሸፊኑ ዝፀንሐ ሓቀኛ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለዎ ብርኪ ዘርኣየ’ዩ” ኢሉ።

ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ንምልዋጥ ዘኽእል ስትራቴጂ ንምድላው ትልሚ ከምዘሎ እውን ኣአንፊቱ።