'ኣቦ ውቕሮ' - ስጳኛዊ ኣባ መልኣኩ ልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ትግራይ

ወለዶም ዝሃብዎም መጸውዒ ስም ኤንጀል ኦላራን እዩ። ኣባ መልኣኩ ዝብል ስም ዝሃቦም ድማ እቲ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብወለንታኦም ዘገልገልዎ ህዝቢ ከተማ ውቕሮ ከምዝዀነ ይዛረቡ።

ብ 1938 ኣብ ስጳኛ ከተማ ሄርናኒ ዝተወለዱ ኤንጀል ኦላራን ካብ ቀዳማይ ደረጃ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ስሩዕ ትምህርቲ ብምክትታል ኣብ ባንክ ተቘጺሮም ስራሕ ጀሚሮም።

ኣብ ስራሕ ባንኪ ኰይኖም ግን ውሽጦም ናብ ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ግብረ-ሰናይ ስርሓትን ይብህግ ነይሩ። ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ባንክ ምስ ሰርሑ ከኣ ናብ ትምህርቲ ክህነት ተጸምቢሮም።

“ትምህርቲ ክህነት ምስጀመርኩ ንሰለስተ ዓመት ፍልስፍና፡ ሓደ ዓመት ስፕሪችዋሊቲን - መንፈሳውነት - ኣርባዕተ ዓመት ቲኦሎጂን -ስነመልኮት- ተማሂረ። ሽዑ ነዚ ትምህርቲ ክዛዝም ከለኹ ወዲ 36 ዓመት ነይረ” ይብሉ።

ኣብ ልቦም ዝነበረ ባህጊ ግብረ-ሰናይ ንጥፈታት ምስቲ ዝተምሃርዎ መንፈሳዊ ኣስተምህሮታት ተሳንዩ ብሚስዮናውነት ናብ ኣፍሪቃ - ታንዛኒያ ብምውፋር ን 20 ዓመታት ኣገልጊሎም።

ናብ ትግራይ . . .

ብድሕሪ’ቲ ኣብ ታንዛንያ ን20 ዓመታት ዝሃብዎ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ኣገልግሎታት፡ ናብ ሮማ ንተወሳኺ ትምህርቲ ከይዶም።

“ኣብ ሮማ ብዛዕባ ፍልስፍና እምነት እስልምና እየ ኣጽኒዐ። ኣብኡ ከለኹ ብልዕለይ ዝነበረ ሓላፊየይ ‘ኣብ ክንዲ ናብ ታንዛኒያ እትምለስ ናብ ኢትዮጵያ እንተኸድካ እንታይ ይመስለካ?’ ክብል ሓቲቱኒ። ንሓሳቡ ድማ ሕጕስ ኰይነ ተቐቢለዮ” ክብሉ ምስ ትግራይ ንዝህልዎም ነዊሕ መሰረት ዘንጸፈ ኵነታት ይዝክሩ።

ብድሕሪ ትምህርቶም ኣብ ሮማ ከኣ ነቲ ንዓመታት ዝተዋህለለ ተመኵሮ ግብረ-ሰናይን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ብምሓዝ ብ 1992 [ኣ.ኣ] ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም።

“ሽዑ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ዓዲ ግራት ፀኒሐ። ምስ ቋንቋ፡ ባህልን ካልኦት ነገራትን ንምልላይ ኣብኡ ምስ ፀናሕኩ ምስ ሓደ ካህን መሳርሕተይ ብምዃን ናብ ውቕሮ ኬድና” ክብሉ ምስ ውቕሮ ንዝተላለዩሉ እዋን ይዝክሩ።

ኣባ መልኣኩ ናብ ውቕሮ ቅድሚ ምእታዎም ሓደ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሽዑ ምስ ዝነበሩ ሰበስልጣን ትግራይ ተራኺቡ ነይሩ።

“እንታይ እንተሰራሕና ትመርጹ?” ዝብል ሕቶ ንመሪሕነት እቲ ክልል ምስ ኣቕረበሎም፡ ዝሃብዎ መልሲ ኣብ ውቕሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንኽህነጸሎም ዝጠብል ኮነ።

ብመሰረት ጠለቦም እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስለዝተሃነጸ ድማ ኣባ መልኣኩ ምስ ካልእ ካህን መሳርሕቶም ብምዃን ናብ ውቕሮ ብምምጻእ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክሰርሑ ጀመሩ።

ውቕሮ ከመይ ተቐቢላቶም?

ኣባ መልኣኩ ንሓደ ዓመት ኣብ ከተማ ዓድግራት እንተጸንሑ’ኳ ምስ ህዝቢ ውቕሮ ክላለዩ፡ ኵነታት መነባብሮኡን ጠለባቱን ንምርዳእ ግዜ ከምዘድልዮም ብምሕሳብ ክሳብ ገዛ ንገዛ እናዘሩ ምስ ሰባት ክላለዩ እዮም መሪጾም።

“ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ታንዛንያ 20 ዓመታት ክጸንሕ ከለኹ ምስቲ ህዝቢ ክላመድ ኮነ ንባህሉ ክርዳእ ኣጸጋሚ ነይሩ። ናብ ትግራይ ውቕሮ መጺኤ ግን ምስ ባህልን ሃይማኖትን ስጳኛውያን ዝመሳሰል ብዙሕ ነገራት ረኺበ” ይብሉ።

ካብ ዓድግራት ናብ ውቕሮ ሓቢሮሞም ዝኸዱ ካህን መሳርሕቶም ቅድሚኦም ኣብ ትግራይ ን20 ዓመታት ዝጸንሑን ዝሰርሑን ብምንባሮም ብቋንቋ ኮነ ካልእ ጉዳያት ኣይጽገሙን ነይሮም። ኣባ መልኣኩ ግን ‘ነቲ ህዝቢ ብቐረባ ክፈልጦን ክግንዘቦን ኣለኒ’ ብዝብል ውሳነ ሰፊሕ ግዜ ብምሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምስ ነበርቲ ክራኸቡ ጀመሩ።

“ናብ ጐደናታት እውጽእ፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እዘውር ነይረ። ‘ከመይ ኣለኻ? ደሓን ዲኻ? ሻሂ ቡን ኣሎ’ እናበሉ ይቕበሉኒ። ሽዑ ኮፍ እብል። ብኸምዚ ጀሚረዮ” ብምባል ዳርጋ ሰለስተ ዓመታት ብኸምዚ ኵነታት ከምዘሕለፍዎ ይዛረቡ።

ንሶም ንህዝቢ ውቕሮ ክቐርብዎ ዝኸድዎ ርሕቐት ውጽኢታዊ ኰይኑ ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ ልክዕ ከም ክቡር ጋሻ እናተቐበለ ኣጋይሽዎም። ምስቲ ህዝቢ ክራኸቡ ከለዉ ግን ቋንቋኡ፡ ባህሉን ናብራኡን ንምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ ንዘለውዎ ማሕበራዊ ጸገማት እውን ከለልዩ ዕድል ዝፈጠረሎም ነይሩ።

“ውቕሮ ከምዚ ሎሚ ኣይነበረትን። ዳርጋ በረኻን ገዛውቲ ተረሓሒቑ ዝረኣየላን እያ ነይራ። ካብቲ ኣነ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ገዛ ናብቲ ማእከል ናይ ኣስታት 2 ኪሎሜትር ርሕቐት እዩ። ግን ኣብ መንጐ ገዛ ዝበሃል ኣይነበረን” ይብሉ ብተዘክሮ።

ኣጀማምራ ግብረ-ሰናይ

ሓደ እዋን ኣባ መልኣኩ ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ምስተመለሱ ደቂ ሓንቲ ስድራ ዝዀኑ ሓሙሽተ ቈልዑ ይመጽእዎም። ሽዑ እቲ በዅሪ ገና ወዲ 13 ዓመታት ክኸውን ከሎ ካልኦት ብትሕቲኡ ዝነበሩ ገና ህጻናት እዮም።

“ጐረባብቲ እዮም ሒዞምዎም መጺኦም። ወለዲ ናይቶም ህጻናት ስለዝሞቱ ዘኽታማት እዮም ነይሮም። ሽዑ ካብ ዝነበረና ንመግቢ፡ ክዳንን ካልእን ክንሕግዞም ወሲንና። ከም ደቅና ክንከናኸኖም ጀሚርና። ካብ ገበርቲ ሰናይ ቅሩብ ቅርሺ ረኺብና ድማ ንሕግዞም ነይርና” ይብሉ።

ብድሕሪ እዚ ኣጋጣሚ ካልኦት ጽጉማት እውን ናብ ኣባ መልኣኩ እናኸዱ ሓገዞም ምሕታት ብምጅማሮም ዝኸኣልዎ ኵሉ ይገብሩሎም ነበሩ።

“ብፍላይ ኣረጋውያንን መበለትን ብብዝሒ ክንሕግዝ ጀሚርና። ቀስ ብቐስ ብዙሓት ሓገዝ ዝደልዩ መጺኦምና። ሽዑ ኣብ ውቕሮ ናብራ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ነይሩ። ብኸምዚ ኢና ነቲ ግብረ-ሰናይ ጀሚርናዮ” ዝብሉ ኣባ መልኣኩ፡ ንጽጉማት ግዝያዊ ሓገዛት ካብ ምሃብ ብዝሰገረ ሰፊሕ ማሕበረሰባዊ ረብሓ ክህብ ዝኽእል ትካል እንተሃነጽና ይሓይሽ ይኸውን ዝብል ሕቶ ከምዘልዓሉ ይዛረቡ።

ነዚ ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዝተሃነጸ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናብ ሰፊሕ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ከዕብይዎ ኣብ ውሳነ በጽሑ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ምሉእ ትግራይ ሸውዓት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ ከምዝነበረ ዘዘኻኽሩ ኣባ መልኣኩ፡ ምስ ግዜ ግን ቍጽረን እናወሰኸ ብምኻዱ ሓደ ሓሳብ ከምዝመጽኣሎም ይዛረቡ።

“እቶም ተምሃሮ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስወድኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ እዮም፤ ካብኡ ዝተረፉ ከኣ ናይ ሞያ ስልጠና የድልዮም። ስለዚ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ብምዝርራብ ነቲ ናትና ቤት ትምህርቲ ናብ ማእከል ስልጠና ሞያ ቀይርናዮ፤ ሞያዊ ትምህረቲ ምሃብ ጀሚርና” ይብሉ።

ኣብቲ ቅድስት ማርያ ብዝብል ዝጽዋዕ ኮሌጅ ድማ ስልጠናታት ሕርሻ፡ ጀነራል መካኒክ፡ ኤለክትሪሲቲን ካልኦት ዓውዲታትን ንመንእሰያት ውቕሮን ከባቢኣን ከሰልጥኑ ጀሚሮም። ንዓመታት ከኣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተምሃሮ ብዝተፈላለየ ሞያ ሰልጢኖም ናብ ስራሕ ክዋፈሩ በቒዖም።

ንጽጉማት ዝተፈላለዩ ደገፋት ምሃብን መንእሰይ ሞያዊ ስልጠናታት ክረኽቡ ምግባርን ጥራይ ዘይኰነስ ህዝቢ ውቕሮ መሰረታዊ ናይ መግቢ ጠለባቱ ንኸማልእ ብምሕሳብ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ’ውን ዝተፈላለዩ ስርሓት ሰሪሖም።

“ማይ ክረምቲ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ጥራይ እዩ ዝርከብ። ስለዚ ጉድጓድ ብምዅዓት ኮነ ማይ ብምዕቋር ስርሓት መስኖ እናሰርሐ ከልምዕ ንሕግዞ። በዚ መገዲ ንሓሙሽተ ወርሒ ክሳብ ምሉእ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መስኖ ማይ ይረክብ። እዚ ከኣ ንመራሕቲ ስድራ ዓቢይ ለውጢ ኣምጺኡሎም” ክብሉ የረድኡ።

ነዚ ዝሰርሕዎ ግብረ-ሰናይ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ብፍላይ ስጳኛውያን እዮም ዝረኽብዎ። እቶም ደቂዓዶም ንስራሕ ይዅን ዓዲ ክርእዩ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ነቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣርእዮም “ዝበለጸ ንኽንሰርሕ ብዝኸኣልኩምዎ ሓግዙና” ዝብል ጻውዒት የቕርቡሎም።

“ገለ ገበርቲ ሰናይ እውን መጺኦም ምስረኣዩና ‘ጽቡቕ ትሰርሕ ኣለኻ’ ኢሎም ክሕግዙኒ ቃል ኣትዮምለይ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ዝዀኑ ዘይመንግስታውያን ግብረ-ሰናይ ትካላት ምሳና ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ብዘይካ እዚ ኣብ ዓመት ክሳብ 300 ዝዀኑ በጻሕቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጺኦም ንስራሕና ርእዮም ይኸዱ እዮም። ብቐጻሊ ከኣ ካብኦም ሓገዝ ንረክብ” ይብሉ።

ስነጥበብ ውቕሮን ኣባ መልኣኩን

ኣባ መልኣኩ ነቲ ቅድም ክብል ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ቀጽሪ ናብ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ብምቕያር ንብዙሓት ኣብ ህይወቶም ወሳኒ ዝዀነ ሞያ ከስንቑ ከለዉ ካብ ገለ መናእሰይ ድማ ሓደ ሕቶ ቀረበሎም።

“መናእሰይ ውቕሮ ሓደ ድልየት ነይርዎም። ናይ ሙዚቃ፡ ትያትር፡ ቅርጻ ቅርጽን ስራሕቲ ቆርበትን ስልጠና ክወስዱ ከምዝደልዩ ነጊሮምኒ” ዝብሉ እቶም ስጳኛዊ ሚስዮናዊ ንሕቶ እቶም መንእሰያት ተቐቢሎም ብደረጃ ስሩዕ ትምህርቲ ዘይኮነስ ልምምድን ስልጠናን ክረኽቡ ፈቐዱሎም።

ብድሕሪኡ ብዙሓት ፍቕሪ ስነጥበብ ዝነበሮም መንእሰያት ውቕሮ ናብቲ ማእከል እናኸዱ ባህጐምን ስምዒቶምን ከጐልብቱ ዕድል ረኸቡ።

ዝተፈላለዩ ናውቲ ብምምላእ ኣብቲ ኮሌጅ እናመጽኡ ልምምድ ከካይዱ ስለዝፈቐዱሎም ብዙሓት መንእሰያት እናኸዱ ክስልጥኑን ኣብ ኪነት ዘለዎም ድልየት ከማዕብልዎን ጀሚሮም።

ካብታ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ስነጥበባውያን ዝወጽኡላ ውቕሮ ብደረጃ ሃገር ዝለዓለ ተቐባልነትን ዝናን ዝረኸቡ ውሑዳት ኣይኰኑን። መብዛሕትኦም ድማ በቲ ኣባ መልኣኩ ዝፈጠሩሎም ዕድል ተጠቒሞም ኣብቲ ማእከል ስልጠና እናኸዱ ብቕዓቶም ዘማዕበሉ እዮም።

ኣብዚ እዋን ዝለዓለ ዝና ካብ ዘለዎም ውጽኢት ማእከል ድምጻውያን ንገሊኦም ንምጥቃስ፡ ኣማኑኤል የማነ (መዓረየ)፡ ዘመን ኣለምሰገድ፡ ኤልሳ ወልደጂወርግስ፡ ዮሃንስ ሃፍቱን ካልኦትን ይርከብዎም።

'ናብ ትግራይ ብምምጸአይ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን'

ኣባ መልኣኩ ካብ ሃገሮም ስጳኛ ካብ ዝወጽኡ ልዕሊ 50 ዓመታት ኰይንዎም ኣሎ። 20 ዓመታት ኣብ ታንዛንያ፡ ዝተወሰነ እዋን ንትምህርቲ ኣብ ሮማ ካብኡ ከኣ ንዝሓለፉ 32 ዓመታት ኣብ ትግራይ ይርከቡ። ካብ ዓዶም ወጻኢ ዘሕለፍዎ እዋን እቲ ዝበዝሕ ኣብ ትግራይ እዩ።

ብፍላይ ምስ ህዝቢ ውቕሮ ዘለዎም ርክብ ከም ሓደ ወጻእተኛ ገባሪ ሰናይ ዘይኰነስ ከም ሓደ ኣባል ስድራ ይግለጽ። ንሶም ንህዝቢ እታ ከተማን ከባቢኣን “ስድራ” ይብልዎ፤ እቲ ህዝቢ ድማ “ኣቦና”፡ “ኣቦ ውቕሮ” ይብሎም።

ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ናብ ሃገሮም ስጳኛ ይኸዱ እዮም። ከምኡ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድማ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ሓገዝቶም ደገፍ ንምእካብ ከምኡ’ውን ንቤተሰቦም ርእዮም ንኽምለሱ እዩ። ከይዶም ግን ካብ ክልተ ሰሙን በዚሑ እንተተባሂሉ ድማ ሓደ ወርሒ ጥራይ ጸኒሖም እዮም ዝምለሱ።

“እቲ ዝነብረሉን ዘሕልፎን ዘለኹ ህይወት ዝረኸብክዎ ብምኽንያት እዞም ዝነብረሎም ዘለኹ ህዝቢ እዩ። ነዓይ ምንጪታት ዓቕመይ፡ ሰላምን ግልጽነተይ እዮም። ዝገርመካ ዋላ ናብ ሃገረይ ስፐይን ተመሊሰ ነዚታት ኣብቲ ህዝቢ ኣይረኽቦን እየ” ዝብሉ ኣባ መልኣኩ ነቲ ክንድዚ ዝኣክል ዝህበካ ህዝቢ ገዲፍካ ምኻድ ምርጫኦም ከምዘይኰነ ኣረጊጾም ይዛረቡ።

ኣስዒቦም፡ “ኣብዚ ክነብር ብምምጽአይን ብምምራጸይን ፈጺመ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን። ሓቂ ንምዝራብ ዕድመይ ናብ 86 ዓመት እናተጸጋዕኩ እየ። ስለዚ ክሳብ ሕልፈተይ ኣብዚ ክነብር ወሲነለኹ። ኣብኡ [ስጳኛ] ዘለዉ ቤተሰበይ፡ እቶም ኣነ ቤተሰበይ ዝብሎም ኣብዚ ከምዘለዉ ይግንዘቡ እዮም። ስለዚ ካብዚኣ ናብ መንግስተ ሰማያት እያ ጕዕዞይ” ይብሉ።

ኣፍልጦን ሽልማትን

ኣባ መልኣኩ ንዝሓለፉ ልዕሊ 32 ዓመታት ዝሰርሕዎም ስራሕቲ መበገሲኦም ሃይማኖታዊ ግቡእ ምፍጻምን ሰብኣዊ ተግባራት ምስራሕን እምበር ንዝዀነ ዓይነት ሽልማት ዕላማ ከምዘይገብሩ ይዛረቡ። ንሶም ውሽጦም ኣድሚጾም ኣብ ሰናይ ተግባራቶም ጥራይ ኣድሂቦም እንተሰርሑ'ኳ “ክብሪ ይግብኣኩም” ክብሉ ዝነኣድዎምን ኣፍልጦ ዝሃብዎምን ኣካላት ኣይተስኣኑን።

“እቲ ቀዳማይ ሽልማተይ ዝረኸብክዎ ካብቲ ኣብዚ [ውቕሮ] ዘሎ ህዝቢ እዩ። ኣብ ገዛኦም ፍሉይ ኣቀባብላ ይገብሩለይ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ነዓይ ዘለዎ ፍቕርን ኣመለኻኽታን እዩ ዓብይ ህያበይ” ክብሉ ምስቲ ህዝቢ ንዘለዎም ምትእስሳርን ፍቕሪን ዓቢይ ቦታ ይህቡ።

ካብቲ ንሶም ብቐዳምነት ዝሰርዕዎ ፍቕሪ ህዝቢ ውቕሮ ብተወሳኺ ግን፡

  • ኣብ 2010 ካብ ቤት ምኽሪ ስጳኛዊት ግዝኣት ጊፑስኪዋ ናይ ክብሪ ወርቂ መዳልያ
  • ናይ ክብሪ ዶክትሬት ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ
  • ናይ ክብሪ ዶክትሬት ካብ ዩኒቨርስቲ ለይዳ
  • ኣብ 2023 ካልእ ሽልማት ካብ ቤት ምኽሪ ግዝኣት ጊፑስኪዋ [እዚ ሽልማት ብሓፈሻ ኣብ ታንዛንያን ኢትዮጵያን ንዝሰርሕዎም ስርሓት ክብሪን ኣፍልጦን ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።]

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ መንእሰያትን ህዝብን ውቕሮ ኣብታ ከተማ ሓደ መድረኽ ኣዳልዮም ንስራሕቶም ምስጋናን ክብሪን ሂቦምዎም።