እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ምስ ብልጽግና ምፅንባር እንተዝህሉ'ማ እዚ ዅሉ ኣይምዀነን' ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ
ህወሓትን ብልጽግናን ንኻልኣይ እዋን ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ክዘራረብሎም ዝግባእ ኣጀንዳታት ከምዝፈለዩ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ዶ/ር ኣዲስኣለም ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ መቐለ ተራኺቦም ዝዘተዩ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ገዛኢ ውድብ ብልጽግናን፡ ኣብ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝርርብ ምግባር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ዶ/ር ኣዲስኣለም ወሲኹ ገሊፁ።
ክልቲኦም ውድባት ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ክዘራርቡሎም ኣብ ዝግባእ ኣጀንዳታት ኣለልዮም ከምዝተፈላለዩ ሓቢሩ።
እንተዀነ እቶም ኣጀንዳታት እንታይ ከምዝዀኑ ኣመልኪቱ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ዶ/ር ኣዲስኣለም፡ ህወሓት ምስ ብልጽግና ናይ ምጽምባር ኵነታት ክህሉ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ብሰሓቕ ዝተሰነየ ምላሽ ዝሃበ ዀይኑ፡ “ካብ ቀደሙስ ምስ ብልጽግና ምጽምባር እንተዝህሉ ደኣ እዚ ዅሉ ኣይምዀነን” ብምባል፡ እቶም ውድባት ዝኽተልዎ ስነ-ሓሳብ [ርእየተ-ዓለም] ዝተፈላለየ ከምዝዀነ ኣረዲኡ።
ኣብ 2018 ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኰይኑ ዝተሾመ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ርእየተ ዓለም እቲ ግንባር ዝነበረ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲን ካብኡ ዝቕዳሕ መንግስታዊ ፖሊሲ ልምዓታዊ መንግስትን ብዕሊ ምግዳፉ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብዙሕ ግልጺ ዘይኰነ እንተዀነ ብዙሕ ግዜ ‘ሊበራል ዲሞክራሲ’ ብዝመስል አተሓሳስባ ዝተከአ ዀይኑ፡ እቲ ብኣርባዕተ ብሄራዊ ውድባት ዝቘመ ገዛኢ ግንባር ኣፍሪሱ ድማ ውድብ ብልጽግና መስሪቱ።
እንተዀነ፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ፡ ውድብ ህወሓት ኣባል ብልጽግና ክኸውን ብዘይምፍቃዱ፡ ካብቲ ግንባር ወጺኡ፡ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ርክብ እናሓርፈፈ ከይዱ ናብቲ ኲናት ከምዘምርሐ ዝዝከር እዩ።
“ካብ ቀደሙ ምስ ብልጽግና ምጽንባር እንተዝህሉ እዚ ዅሉ ኣይምዀነን” ብምባል፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንሱ ክግምቶ ከምዘይክእልን ተዛሪቡ።
እንተዀነ ኣብ ሓደ ሃገር ከምዝሰርሑ ውድባት፡ እቲ ተራእዩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ክዓሙቕን፡ ካልኦት ኣዘራረብቲ ጉዳያት ብዝምልከትን ብሰላማዊ መድረኽ ዝፍትሑሉ ኵነታት ንምፍጣር ዝርርብ ኣድላይ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ እዩ ዝገልጽ።
ቀንዲ ኣጀንዳ ህወሓት ብዝምልከት ምስ ተሓተተ፡ “ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፡ እቲ ሰላም ክዓሙቕ ንደሊ። እቲ ሕዚ ዘሎ ዝዓሞቐ ኣይኰነን፤ ብዙሓት ግዝኣታትና ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብሉ ኵነታት እዩ ዘሎ” ኢሉ።
“ካብ ምዝርራብ ዝጐድእ ነገር የለን፡ እዚ ቅድሚ እቲ ኲናት ክካየድ ዝነበሮ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሰላም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልወና፡ ዝዀነ ይዅን ሕቶ ኣብ ክሊ ሕገ-መንግስቲ ኰይኑ ከፍታሕ ንደሊ” ኢሉ።
ካብኡ ሓሊፉ ብዛዕባ ውክልና ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ባይቶታት ኢትዮጵያ ህወሓት መሊሱ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝረኽበሉ ኵነታትን ካብቶም ኣዘራርበቲ ጉዳያት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣንፊቱ።
ሕቶ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ኣብ መንጐ መንግስትን ህወሓትን ብሰላማዊ መገዲ ምስ ተዛዘመ፡ በቲ ውድብ ዝዕብለል ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ስራሕ ጀሚሩ'ሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ኲናት ብ‘ግብረሽበራዊነት’ ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ተፈቲሖም፣ እቲ ውድብ ድማ ካብ መዝገብ ‘ግብረሽበራ’ ተሰሪዙ።
ነዚ ስዒቡ እዩ፡ ህወሓት እቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ መሊሱ ክረክብን፡ ዝተሃገረ ንብረቱ ክምለሰሉን ሕቶ ዘቐርበ። ቦርድ መረጻ ግን ነቲ ሕቶ ነጺግዎ ኣሎ። ዛጊድ ድማ ሕጋዊ ሰብነቱ ኣይረኸበን።
ምክትል ኣቦመንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ንዝተሰረዘ ውድብ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝድግፍ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ቦርድ ክህቦ ኣይክእልን፤ እንተተፈቒዱ ድማ እቲ ቦርድ ካብ ተሓታትነት ናጻ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ እቲ ጉዳይ ብኻልእ ዝረኣየሉ መንገዲ የለን" ኢሉ።
ስለዝዀነ ካብ ሕጊን መምርሒን ወጻኢ ሕቶ ምውሳን ዘይኰነስ፡ ሓላፍነቱ ክፍጽም ከምዝተገደደ ገሊጹ።
ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ግን ክልተ ኣማራጺ ከምዝሎ፡ በቲ ሓደ ገጽ ኣፈ ጉባኤ ዝርከበሉ፡ ሓለፍቲ መረጻ ቦርድ ዝርከብሉ ዘተ ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣብዚ ውድባዊ ዝርርባት ድማ ክለዓል ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ቀንዲ ኣጀንዳ እዚ ዝርርብ ከምዘይኰነ ግን ኣረዲኡ።