እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንሽሮ የስዕብ'ዩ ዝበሃል ዘሎ ካብ ሽኮር 200 ዕጽፊ ዝምቅር ‘ኣስፓርተም’
እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታትን ልስሉስ መስተታትን ዝርከብ ‘ኣስፓርተም’ ዝበሃል መመቀሪ፡ ብወግዒ ንደቂ ሰባት "ካርሲኖጀኒክ [ጠንቂ ካንሰር ባእታ/ህዋስ] ክኸውን ይኽእል" ተባሂሉ ክምደብ ምዃኑ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
ካልኦት "ካርሲኖጀኒክ ክኾኑ ዝኽእሉ" ነገራት ድማ ኣሎቬራ፣ ናፍጣ (ዲዝል) ከምኡ'ውን ኣብ ማይን ኣቸቶን ተዘፍዚፎም ዝሽየጡ ኣሕምልቲ ኤስያን (pickled Asian vegetables) ይርከብዎም።
ዓለም ለኸ ትካል ምርምር መንሽሮ [ International Agency for Research on Cancer (IARC)] ብዛዕባ’ዚ ንዕለት 14 ሓምለ ዕላዊ ክገብር ምዃኑ ቢቢሲ ክፈልጥ ኪኢሉ ኣሎ።
ኣስፓርተም እንታይ’ዩ ዘለዎ?
‘ኣስፓርተም’ ካብ ሽኮር ብ200 ዕጽፊ ዝመቀረ ኮይኑ ብዘይ ካሎሪታት ጣዕሚ ይህብ።
ኣብ ዝርዝር መሓወስታ ዝተፈላለዩ መግብታት ወይ ኣብ ከም ልስሉስ መስተታት፣ ማስቲካን ዕሹጋት ርግኦ ዝበሉ ካብ ሽኮር ነፃ ዝኾኑ መግብታት ድማ ይርከብ።
ኣስፓርተም ዘለዎም ፍሉጣት ልስሉስ መስተታት ከም ዳይት ኮክ፣ ኮክ ዜሮ፣ ፔፕሲ ማክስን 7 ኣፕ ፍሪን ዝርከብዎም ኮይኖም እቲ መመቀሪ ግን ኣብ ኣስታት 6000 ፍርያት መግቢ ይርከብ።
እዚ መመቀሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልን ብኣካላት ድሕነት መግቢ ዝጸደቐን እኳ እንተኾነ ኣብ ዙርያ እቲ ቀመም ግን ነዊሕ ዝፀንሐ ክትዕ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር መንሽሮ (IARC) ዝተብሃለ ክንፊ መጽናዕቲ መንሽሮ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣስፓርተምን መንሽሮን ዝተኻየዱ ኣስታት 1300 መጽናዕትታት ክግምግም ምጽንሑ ይግለፅ።
ብዛዕባ እቲ መስርሕ እሙን ሓበሬታ ንዘለዎም ምንጭታት ከምዘዘራረበ ዝሕብር ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ኣስፓርተም "ካርሲኖጀን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ብዝብል ክምደብ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ምደባ ግን እንታይ ማለት እዩ?
ቢቢሲ እውን ብዓለምለኸ ትካል ምርምር መንሽሮ (IARC)ን ካልእ ኮሚቴ ክኢላታት መዋስኽቲ ባእታትት መግቢን (food additives) ወግዓዊ ክግበር ምዃኑ ሓበሬታ ረኺቡ’ሎ።
ዓለምለኸ ትካል ምርምር መንሽሮ [International Agency for Research on Cancer (IARC)] ዝስዕቡ ኣርባዕተ ምደባታት ክጥቀም ትፅቢት ይግበር፡
- ጉጅለ 1 - ካርሲኖጀን ንደቂ ሰባት
- ጉጅለ 2A - "ናይ ምናልባት" ካርሲኖጀን ንደቂ ሰባት
- ጉጅለ 2B - "ክኸውን ዝኽእል" ካርሲኖጀን ንደቂ ሰባት
- ጉጅለ 3- መደብ ዘይብሉ
ይኹን እምበር ኣብዚ እዩ ከደናግር ዝኽእል።
"እቲ ብ ‘IARC’ ወግዓዊ ዝኸውን ምድብ ብዛዕባ እቲ ጭቡጥ ደረጃ ሓደጋ ኣስፓርተም ኣይነግረናን እዩ" ይብል ኣብ ኦፐን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስታቲስቲክስ ኬቪን ማክኮንዌይ።
‘ኣይኤኣርሲ’ (IARC) እቲ መርትዖ ክሳብ ክንደይ ረዚን ምዃኑ እምበር እቲ ባእታ ንጥዕናና ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣይነግረናን።
"ምናልባት" ዝብል ምድብ ኣብ ሰባት "ውሱን" መርትዖታት ወይ ኣብ እንስሳታት ካብ ዝካየድ ፈተነታት ዝተረኽበ መረዳእታ ምስ ዝህሉ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል። እዚ ድማ ናፍታ (diesel) ፣ ታልክ ኣብ ፐሪኒየም፣ ኒኬል፣ ኣሎቬራ፣ ኣብ ማይን ኣቸቶን ተዘፍዚፎም ዝሽየጡ ኣሕምልቲ ኤስያን ብርክት ዝበሉ ኬሚካላዊ ባእታታትን የጠቓልል።
ምደባታት IARC ቅድም ክብል ምድንጋር ፈጢሩ ፅኒሑ እዩ። ዘየድሊ ሻቕሎት ፈጢሩ ተባሂሉ ድማ ይንቀፍ ነይሩ። ዝተመስረሐ ቀይሕ ስጋ ከም ካርሲኖጀኒክ ምስተመደበ ምስ ምትካኽ ሽጋራ ዝመዓራረ ምዃኑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ንኽዝርግሑ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለምን ኮሚቴ ክኢላታት መዋስኽቲ ባእታትት መግቢ (Food Additives) ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓበራዊ ጸብጻብ ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር።
ምክትል ዋና ሳይንሳዊ ኣማኻሪ ኤጀንሲ ደረጃ መግቢ ዓባይ ብሪጣንያ ሪክ ሙምፎርድ፡ እቲ ኣካል ነቲ ጸብጻባት "ብፅኑዕ ከፅንዖ” እኳ እንተኾነ "ግምትና ግን ድሕንነት ናይዚ መመቀሪ ብዝተፈላለዩ ሳይንሳዊ ኮሚቴታት ተገምጊሙ እዩ ዝብል እዩ፤ እቲ ኣብዚ እዋን ዝፍቀድ ደረጃታት ኣጠቓቕማ ድማ ከም ውሑስ’ዩ ዝቑጸር" ኢሉ።
ኣብ መጀመርታታት 2000 ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ነቲ መመቀሪ ምስ ፈተነታት መንሽሮ ኣናፁ ዘተኣሳስሮ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ርኽበታት ግን ነቐፌታ ቀሪቡሉ ነይሩ። ካልኦት ኣብ እንስሳ ዝተገበሩ መጽናዕትታት እውን ሓደጋ መንሽሮ ከምዘይረኸቡሉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 105 ሽሕ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መመቀሪ ዘይወስዱ ሰባት ምስቶም ብብዝሒ ዝተጠቐሙ ሰባት ዘነፃፀረ ነይሩ። ኣስፓርተም ሓዊሱ ልዑል መጠን መመቀሪታት ምስ ዝለዓለ ሓደጋ መንሽሮ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣረጋጊፁ እዩ።
ፍራንቸስ ሃንት-ዉድ ካብ ዓለምለኻዊ ማሕበር መመቀሪታት፡ "ኣስፓርተም ኣብ ታሪኽ ካብቶም ብዕምቆት ዝተመርመሩ ቀመማት ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 90 ትካላት ድሕነት መግቢ ውሑስ ምዃኑ ኣዊጆም እዮም" ክትብል ትሙጕት።