ኣብ ኢትዮጵያ ፍትው ዝዀነ ኢንዶሚ ስለምንታይ የካትዕ ኣሎ?

ኢንዶሚ ኑድል መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓርጭ ስርናይ፡ ዘይቲ ኣሕምልቲ፡ ኣዮዳይዝድ ጨውን ኬሚካላትን ዝሰራሕ መግቢ ኰይኑ ብዝተፈላለየ መኣዛታትን ስምን ናብ ዕዳጋ ይቐርብ።

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት እንተላይ ህጻናት ኢንዶሚ ኑድልስ ከም ዝምገቡ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት፡ ኢንዶሚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህቡብ መግቢ ህጻናት ኰይኑ ይርከብ።

ይኹን’ምበር እዚ መግቢ ከይተበላሸወ ነዊሕ ንኽጸንሕ ዝግበረሉ መስርሕ ብዝምልከት ነዊሕ ዝጸንሐ ስክፍታታት ጥዕና ኣሎ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ኣብ ዝርከቡ ህጻናት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታት ሕቶ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ንኣብነት ትማሊ ናፍዳክ ብዝብል ዝጽዋዕ ትካል ቁጽጽር መግብን መድሃኒትን ናይጀርያ፡ ሓደጋታት መንሽሮ ክውስኹ ምስ ዝኽእሉ ዝተኣሳሰር ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህቡብ ፍርያት ኑድል ክምርምር ከምዝተወሰነ ገሊጹ እዩ።

ናፍዳክ ኣብ መግለጺኡ፡ "ንህላወ ኤቲሊን ኦክሳይድ ንምፍላጥ፡ ንቅመማቱ ሓዊሱ ኢንዶሚ ኖድልስ ኣብ ዘይስሩዕ ናሙናን ትንተናን" የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ፍርያት’ውን መርመራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሌዥያን ታይዋንን ኣብ "ፍሉይ መኣዛ ደርሆ" ዘለዎም ገለ ናሙናታት ፍርያት ኑድል ብዝተገብረ መርመራ እቲ ንጥረ ነገር ከም ዝተረኸበ ምስተገልጸ፡ እቲ ናይጀርያዊ ትካል እውን መርመራ ክጅምር ከም ዝደረኾ ይሕብር።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኤስያ፡ እቲ ንጥዕና ዝጎድእ ንጥረ ነገር ኣለዎ ዝተበሃለ ፍርያት ኑድል ካብ ዕዳጋ ክሰሓብ ተገይሩ እዩ።

ነዚ ፍርያት ኑድል ዝሰርሕ ኢንዶነዥያዊ ትካል መግቢ ኢንዶፉድስ ግን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንውሕስነት ፍርያቱ ይከላኸል፤ ጸገም ከም ዘይብሉ’ውን ይሙግት።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብዛዕባ ውሕስነት ኢንዶሚ ዝምልከት ስክፍታታት ይለዓል ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ኢንዶሚ ኑድልስ እቲ ኤቲሊን ኦክሳይድ ዝተበሀላ መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ንጥረ ነገር ኣሎ ድዩ?

ኣብ ታይዋንን ማለዥያን እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰበስልጣን ጥዕና ማሌዥያን ታይዋንን ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ብኢንዶፉድስ ዝዳለው “ፍሉይ ደርሆ” ዝበሃል መኣዛ ኑድል ኢንዶሚ ውህደት ኤቲሊን ኦክሳይድ ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።

ኣብቲ ፍርያት ዝተረኽበ ኤቲሊን ኦክሳይድ ምስ ደረጃታት ከም ዘይሰማማዕ’ውን ገሊጾም።

ነቲ መግለጺ ስዒቡ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ነቲ ክሲ ንምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓለማዊ ትካል ኑድልስ ተኸታታሊ መርመራታት የካይዱ ኣለዉ።

ቢሮ ጥዕና ከተማ ታይፐይ፡ “ሃገርና ኤቲሊን ኦክሳይድ ከም ጸረ-ባልዕ፡ ከምኡ'ውን ኤቲሊን ኦክሳይድ ጋዝ ከም መንጽሂ መግቢ ክውዕሉ ከም ዘየጽደቐት ንኢንዱስትሪ መግቢ የዘኻኽር" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኢንዱስትሪ መግቢ፡ እቶም ጥረ ነገራትን ፍርያትን፡ ምሕደራ ድሕንነት መግብን ጥዕናን ከም ዝተኸተሉ ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ማሌዥያ ብወገኑ፡ ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 36 ናሙናታት ዝተፈላለዩ ፍርያት ኑድልስ ዘካየዶ መርመራ ስዒቡ ኣብ 11 ናሙናታት ኤቲሊን ኦክሳይድ ከም ዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣገደስቲ ስጉምትታት ከም ዝወሰደን፡ እቶም ጎዳእቲ ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክሰሓቡ ከም ዝገበረን ሓቢሩ።

ታይዋንን ማሌዥያን፡ ትካላት ንግዲ ነቲ ፍርያት ካብ መደርደሪታተን ብቕልጡፍ ክኣልያ ኣዚዘን እየን።

እቲ ኢንዶፉድስ ዝተባህለ ኢንዶነዥያዊ ኩባንያ ግን ኩሎም ፍርያቱ ደረጃኡ ብዝተረጋገጸ መስርሕ ዝፈርዩ ምዃኖም ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት ኢንዶፉድስ ዝዀነ ታውፊክ ዊራትማድጃ፡ እቲ ፍርያት ንመግቢነት ክውዕል ውሑስ ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺጉ።

እቲ ኩባንያ ዘፍርዮም ስሩሕ ኑድልስ "ንልዕሊ 30 ዓመታት ኑድልስ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም” ከም ዝሰደደ ብምግላጽ እቶም ፍርያት “ደረጃታት ድሕነት መግቢን ዘማልኡ” ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ነቲ ፍርያት ብዝምልከት ስጉምቲታት ዝወሰዳ ካልኦት ሃገራት’ውን ኣለዋ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ቐጠር፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝስራሕ ‘ስፔሻል ቺክን ፍሌቨር’ ከምኡ’ውን ‘ኣህ ላይ ዋይት ካሪ ኖድል’ ዝተበሃለ ናይ ማሌዥያን ፍርያትን ካብ ዕዳጋ ከም ዝኣገደ መርበብ ሓበሬታ ዶሃኒውስ ይገልጽ።

ኤቲሊን ኦክሳይድ እንታይ እዩ? ውሕስነት ኣለዎ ድዩ?

ኤቲሊን ኦክሳይድ ሕብሪን ጨናን ዘይብሉን ጋዝ እዩ፤ ንማይክሮባዮሎጂካዊ ብከላ ንምንካይ ወይ ንምውጋድ ይውዕል።

ዝተፈላለዩ ትካላትን ፋብሪካታትን መሳርሒታት ሕክምናን ቀመማትን ንምጽራይ ከም ዝጥቀሙሉ ይፍለጥ።

ትሕዝቶ ኤቲሊን ኦክሳይድ ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ኣብ ጥዕና ጽዑቕ ሓደጋ ኣየስዕብን። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዝጽወር ደረጃ ንላዕሊ ብቀጻሊ ምቅላዕ፡ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ይቕልቀል ኣሎ።

ኤቲሊን ኦክሳይድ ሕብሪ ዘይብሉን ጨና ዘይብሉን ጋዝ ኮይኑ፡ ንመሳርሒታት ሕክምናን ቀመማትን ንምጽራይ ዝውዕል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ኣመሪካ፡ እቲ ጋዝ ኣብ ምውሳኽ ሓደጋ መንሽሮ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ንነዊሕ እዋን ነዚ ኬሚካል ምቅላዕ ኣብ ደቂ ሰባት መንሽሮታት ዋህዮታት ጸዓዱ ደም ከስዕብ ከም ዝኽእል ሳይንሳዊ መርትዖታት የመልክቱ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እውን ሓደጋ መንሽሮ ጡብ ክብርኽ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ፤ ብተወሳኺ፡ ካልኦት ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ከም ዝኽእል’ውን ይግለጽ።

ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ኤቲሊን ኦክሳይድ ክቃልዑ ይኽእሉ፤ ብፍላይ ነዚ ኬሚካል ኣብ ዝጥቀሙ ትካላትን ፋብሪካታትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ዝተቓልዑ እዮም።

ህጻናት ንጥዕናዊ ጽልዋታት ኤቲሊን ኦክሳይድ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ። ኣካላት ህጻናት ገና ኣብ ዕብየት ስለዝርከቡ፡ ንዲኤንኤ ከይተረፈ ክጎድእ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ መግቢ ንምጽራይ ኤቲሊን ኦክሳይድ ምጥቃም ኣይፍቀድን እዩ።

ኣብ 2020 ሃገራት ኤውሮጳ፡ እቲ ንጥረ ነገር ኣብ ዝተፈላለዩ ፍርያት ኣብ ዝጥቀሙ ተወሰኽቲ መግቢ ድሕሪ ምርካቡ፡ ምስ ኤቲሊን ኦክሳይድ ዝተኣሳሰር ዝያዳ ምስሓብ ፍርያት ኣጋጢምወን ነይሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ እዋን፡ ክኢላታት ኣብ ትሕዝቶ ኤቲሊን ኦክሳይድ ዘለዎም ፍርያት ውሑስ ደረጃ ምቅላዕ ዝበሃል ከም ዘየለ ከም ዝገልጹ ብምጥቃስ ከምዚኦም ዓይነት ፍርያት ናብ ዕዳጋ ዘቕረቡ ትካላት ፍርያቶም ክስሕቡ ጸዊዑ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብ 2022 ድማ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ቀመማት መግቢ ኤቲሊን ኦክሳይድ ምጥቃም ዝምልከት ደንቢ ምምሕያሻት ኣውጺኡ ኣሎ።

መበቆሉ ብዘየገድስ፡ ኤቲሊን ኦክሳይድ፡ ኣብ መሐለዊ ጽሬት መግቢ ምጥቃም ከም ዘይፍቀድ ድማ ኣነጺሩ እዩ።