ብኽያት ንጥዕናና እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ክሳዕ ቀረባ እዋን፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ብኽያት ሓያል ዘይምርድዳእ ነይርዎም።

ሼክስፒር ኣብ ንጉስ ሄንሪ ሻድሻይ፡ "ምብካይ፡ ዕምቆት ሓዘን ምንካይ ማለት እዩ" ክብል ጽሒፉ።

ኣመሪካዊ ጸሓፊ ለሞኒ ስኒኬት ድማ "ኣዝዩ ኣዝዩ ዕድለኛ እንተዘይኬንካ፡ ዓሚቚን ነዊሕን ብኽያት ጽቡቕ ከምዝስመዓካ ክገብር ይኽእል’ዩ" ይብል።

ብኣንጻሩ ቻርለስ ዳርዊን፡ ብኽያት ናይቶም ኣብ ከባቢ ዓይኒ ዝርከቡ ጭዋዳታት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ዘይጠቅም ጎናዊ ሳዕቤን ጥራይ እዩ ኢሉ ይሓስብ ነይሩ። ንዕኡ፡ እቶም ጭዋዳታት ብደም ንከይውሕዙ በብእዋኑ ክጨባበጡ ነይርዎም፤ ንብዓት ድማ ዘይተሓሰበ ሳዕቤን ናይቲ ዝማዕበለ ስነ-ኣካላዊ መስርሕ ጥራይ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ብኽያት፡ ንናእሽቱ ዕሸላት ኣቓልቦ ወለዶም ንክስሕቡ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ይኣምን።

ሕጂ ግን ብኽያት – እንተወሓደ፡ ከምቲ ዓበይቲ ዝበኽይዎ ዓይነት – ንገለ ዓይነት ስምዒታዊ ምልዕዓል ዝተሓላለኸ ስነ-ኣካላዊ ምላሽ ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና። እቲ ኣዝዩ ጎሊሑ ዝረአ ብኽያት ብርግጽ ንብዓት ምፍሳስ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ገጽን ኣገባብ ምስትንፋስን ዝረአ ለውጢ እውን የጠቓልል።

ንኣብነት "ፊቕታ" ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንብኽያት ዘሰንዮ፡ ቅልጡፍ ንደገን ንውሽጥን ዝግበር ምትንፋስ የመልክት።

ብሳይንሳዊ ኣረኣእያ፡ ምብካይ ካብቲ ብሓደ ኬሚካላዊ ቁጥዐ ዝተፈጥረ ምፍራይ ንብዓት ዝተፈልየ እዩ። ከምቲ ቀመማዊ መግቢ ምስ በላዕና ኣዒንትና ዝነብዓሉ ኩነታት ዝመሳሰል ኣይኮነን። ዋላ እቲ ንብዓት ንባዕሉ ይፈላለየ እዩ።

ብ1981፡ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ሚኒሶታ ዊልያም ኤች ፍሬይ፡ ብዘሕዝን ፊልምታት ዝመጽእ ንብዓት ካብቲ ሽጉርቲ ክኽተፍ እንከሎ ዝውሕዝ ንብዓት ዝያዳ ፕሮቲን ከም ዘለዎ ፈሊጡ።

ስምዒታዊ ንብዓት ኣብ ስምዒት ጓሂ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኩላትና ከም ሓጐስ ይኹን ሓዘን ዝኣመሰሉ ምስ ብኽያት ዝተኣሳሰሩ ስምዒታት ንፈልጦም ኢና።

ከም ዓበይቲ መጠን ግን ንምንታይ ከም እንበኪ ብዝምልከት ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን - ብዙሕ ሓሳባት ግን ኣለዉ።

ሓደ ሓሳብ፡ ብዝወሓደ ኣብቲ ማሕበራዊ መዳያቱ ዓበይትን ናእሽቱን ዝበኽይዎ ብኽያት ሓደ ኣይኮነን ዝብል ኣሎ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምናልባት ብኽያት ቃል ብቓሉ ኣቓልቦ ንምርካብ ዝግበር ኣውያት እዩ። ብኽያት፡ ካብ ኣዕሩኽትናን አሕዋትናን ደገፍን ሓገዝን ንምሕታት ዝሕግዝ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብፍላይ ምሉእ ብምሉእ ክንገልጾ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን ውሽጣዊ ስምዒታዊ ኩነታትና እንሕብረሉ መንገዲ እዩ።

እዚ ንገለ ዓይነት ብኽያት ክገልጽ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ሰባት ምሉእ ብምሉእ በይኖም ምስ ዝኾኑ ከም ዝበኽዩ ርኽበት መጽናዕቶም ይሕብር።

ካልእ ተኽእሎ ድማ፡ ምብካይ ከም ሰባት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተረበሹ ንኽግንዘቡን ንናይ ገዛእ ርእሶም ስምዒታት ንኽርድኡን ዝሕግዝ መሳርሒ ከገልግል ይኽእል እዩ - ነዚ ምልዕዓል ዝፈጥር ሓሳብ ዝድግፉ እንተወሓደ ገለ መርትዖታት ኣለዉ።

ካልእ ድማ ካታርሲስ (catharsis) ዝብል ኣምር ኣሎ። ብመሰረት እዚ ብኽያት ካብ ስምዒታዊ ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ዕረፍቲ ዝህብ’ዩ።

እዚ ሓሳብ ምስ ቃላት ሼኪስፒር ጥራይ ዘይኮነስ ምስቲ "ምብካይ ዕረፍቲ እዩ፤ ሓዘን ብንብዓት ይዕገስን ይውገድን" ኢሉ ዝጸሓፈ ሮማዊ ገጣሚ ኦቪድ’ውን ዝሰማማዕ እዩ።

ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል እውን ብኽያት "ንኣእምሮ ከም ዘጽርዮ" ጽሒፉ እዩ።

ኣብ 1986 ኣብ ህቡባት መጽሔታትን ጋዜጣታትን ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ 94 ሚእታዊት ካብቲ ብዛዕባ ብኽያት ዝቐርብ ጽሑፋት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወጥሪ ወይ ጸቕጢ ንምፍዋስ ከም ዝሕግዝ ምሕባሮም ረኺቡ።

ብርግጽ፡ ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ ኣስታት 4,300 መንእሰያት ኣባጽሕ 30 ሃገራት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኩሎም እኳ እንተዘይኮኑ መብዛሕትኦም ድሕሪ ምብካይ ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕንኦም ምምሕያሽ ከም ዘርኣዩ ሓቢሮም።

ገሊኦም ድሕሪ ምብካይ ለውጢ ከም ዘይረኸቡሉ ክሕብሩ እንከለዉ ዝተወሰኑ ድማ ብድሕሪኡ ዝኸፍአ ስምዒት ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም።

እቲ ፍልልይ ኣብ ማሕበራዊ ኵነታት ዝተመስረተ ይመስል። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምብካይ ሕፍረት ዝስምዖ እንተኾይኑ፡ በይኑ ወይ ምስ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኩ እንተበኸየ ዝሓሸ ስምዒት ክስምዖ ይኽእል እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ሰባት ንብዓቶም ክዓብጡ ወይ ክሓብኡ ምስ ዝፍትኑ፡ ብድሕሪኡ ውሑድ እፎይታ ከም ዝስምዖም ይሕብር።

ስለዚ "ዓሚቝ ብኽያት" ምብካይ ዝብል ዋጋ ዘይብሉ ኣምር ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ቅኑዕ ዓይነት ማሕበራዊ ደገፍ የድልዮ።

እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ዓበይቲ ሰባት ካብ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን ሓገዝ ንምርካብ ከም ዕሸላት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ክበኽዩ ይኽእሉ እዮም።