እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ በንያሚን ነታንያሁን መራሕቲ ሓማስን ትእዛዝ ማእሰርቲ ተሓቲቱ
ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን ኣብ ቓዛ ዝርከብ መራሒ ሓማስን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወጽእ ሓቲቱ።
ኣኽባሪ ሕጊ ካሪም ከሃን፡ ክልቲኦም ሰባት ብውሑዱ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናዊ ሓላፍነት ከምዝተሰከሙ ዘእምን ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት እትፍጽሞም ተግባራት ክምርምር ጸኒሑ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ንተግባራት ሓማስ'ውን ክምርምር ከምዝጀመረ ይፍለጥ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዝኸበደ ገበናት ንውልቀሰባት ናይ ምኽሳስን ምፍራድን ስልጣን ኣለዎ።
ነታንያሁ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ላዕለዎት ሰብመዚ እስራኤል ኣብ ዝርዝር ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዝድለዩ ሰባት ክጽንበሩ እዮም ንዝበል ዘረባ "ታሪኻዊ መዳርግቲ ዘይብሉ ውርደት" ክብል’ዩ ገሊጽዎ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ንእስራኤል ንነብሳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ንምልማስ ይፍትን ኣሎ ክብል ድማ ከሲሱ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ርእይቶታት ምሃቡ ግን፡ ብድሕሪ መጋረጃ፡ ብዛዕባ ተኽእሎ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብንጥፈት ይለዓል ከምዘሎ ዝሕብር ምዃኑ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ፖለቲካዊ መወዳድርቲ ሚስተር ነታንያሁ ዝዀነ ሚኒስተር ካቢነ ኲናት እስራኤል ቤኒ ጋንትዝ ብወገኑ ንውሳነ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኰኒኑ ኣሎ።
"መራሕቲ ሓንቲ ካብ ጽዩፍ ራዕዲ ንነብሳ ክትከላኸል ዝወሰነት ዲሞክራስያዊት ሃገር ምስ መራሕቲ ደም ዝጸምአ ግብረሽበራዊ ውድብ ምምስሳል፡ ዓሚቕ ምዝባዕ ፍትሕን ቅሉዕ ሞራላዊ ክስረትን'ዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ዳያኑ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ እቲ መርትዖ ትእዛዝ ማእሰርቲ ንምሃብ እኹል ምዃኑን ዘይምዃኑን መርሚሮም ክውስኑ እዮም።
ኣብዚ ውሳነ ንምብጻሕ ግን ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ከይተረፈ ክወስድ ይኽእል።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ብገበን ኲናት ዝተጠርጠሩ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክሓትት መደብ ከምዘለዎ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ስክፍታኦም እናወሰኸ ክመጽእ ምጽንሑ ይዝከር።
ሓደ ካብኣቶም ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ንሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሊብያዊ ሙዓመር ጋዳፊን ዩጋንዳዊ ጆሴፍ ኮነን ዝርከብዎም መራሕቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ ነይሩ።
ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ካሪም ከሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ናብ እስራኤልን ናብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪን በጺሑ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብተን ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት ብ7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙለን ቁሸታት እስራኤል ዑደት ኣካይዱ’ዩ።
ብተወሳኺ ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ተራኺቡ፡ ናብ ራማላህ ብምኻድ ንስድራቤት ግዳያት ፍልስጤማውያን ብዛዕባ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዘጋጠሞም ተመኵሮታት ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ነቲ ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ዓመጽ ብምዅናን፡ መርመራ ከምዘካይድ ቃል ምእታዉ ይዝከር።
"ኵሎም ተዋሳእቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽተሉ ኣለዎም" ክብል፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ።
ወሲኹ "ከምኡ እንተዘይገይርኩም ቤት ጽሕፈተይ ስጕምቲ ክወስድ ኣብ ዝግደደሉ እዋን ከይትማረሩ" ኢሉ።
እስራኤል፡ ዋላ’ኳ ጉድኣት ንኸይፍጸም ኵሉ ኣድላዪ ስጕምትታት ከምእትወስድ እንተገለጸት፡ ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ደብዳባት፡ ንሲቪላት እኹል ምክልኻል ብዘይምግባራ ክትክሰስ ጸኒሓ’ያ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 34,500 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ህጻናት ከምዝዀኑን ይገልጽ።
እንተዀነ እስራኤል ኣባል ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣይኰነትን፤ እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ስልጣን የብሉን’ያ ትብል።
እቲ ቤት ፍርዲ ግን፡ ፍልስጤማውያን ከም ሃገር ፍልስጤም ነቲ መስራቲ ውዕል እቲ ትካል ዝዀነ ሕጊ ሮማ ድሕሪ ምጽዳቘም፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ቃዛን ስልጣን ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ ብቅዲ ምዕራባውያን ዝሰርሕ ዲሞክራሲ: ኣብ መራሕቲ መሻርኽቲ ሃገራት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺኡ ኣይፈልጥን።
ኣብ ልዕሊ ነታንያሁ ትእዛዝ ማእሰርቲ እንተወጺኡ፡ ፈላማይ ክኸውን እዩ።
እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ምስኡ ክመጽእ ዝኽእል ጸለመን ክህሉ ዝኽእል ተነጽሎን ፍሉይ ስክፍታ ኣለዎም።