እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስርቂ መግቢ ረዲኤትን ምቍራጽ ቀረብን ካበይ ናበይ?
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ኣጋጢምዎ’ሎ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ’ውን ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናትን ግጭታትን ተፈጢሩ ነይሩ።
ድምር ናይ ክልቲኦም ክስተታት ድማ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ኣለዉ።
ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ከም ዝሕብርዎ ኣብታ ማእከል እቲ ኲናት ዝነበረት ክልል ትግራይ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ነበርቲ ሓገዝ ምግቢ የድልዮም።
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ትካላት ረድኤት ኢዶም ንሓገዝ ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ካብ ዝህባ ሃገራት ብቐዳምነት እትስራዕ እያ። ነዚ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሳ ትካል ረድኤት (ዩኤስኤ ኣይዲ - USAID)ን ሕቡራት ሃገራትን ኣቢላ ተፈጽሞ።
እዘን ናይ ረድኤት ትካላት ግን ነቲ ዘቕርባኦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢን ካልእን ኣቋሪጸናኦ ኣለዋ።
ብሓሙስ 01 ሰነ 2015 [ግእዝ] ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (ዩኤስኤ ኣይዲ - USAID) እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ እናተመንጠለ ንኻልእ ዕላማ ስለዝውዕል ክቋረጽ ከም ወሰነ ይዝከር።
"ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክቐርብ ዝነበሮ ናይ መግቢ ሓገዝ ካብቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ወጻኢ ብብዝሒን ብዝተዋደደን መንገዲ ናብ ካልእ ዕላማ ብምውዓሉ" ብዝብል ናብ ውሳነ ከምዝበጽሐ እዩ እቲ ትካል ረድኤት ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ዝተወሰደ ምዃኑ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ዓርቢ 02 ሰነ 2015 [ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ብዙሕ ረድኤት ንኻልእ ዓላማ ብምውዓሉ ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ከምዝቋረጸ ወግዓዊ ገይሩ።
ዋና ፈጻሚት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሲንዲ ማኬን "እቲ ረድኤት ናብ ዘይመዓላኡ ምጥቃም ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን" ክትብል ተቓውሞኣ ከምዘስምዐት ይፍለጥ።
ቀዳም 03 ሰነ 2015 ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዩኤስኤኣይዲ ግብራዊ ዝገበሮ ውሳነ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ "ፖለቲካዊ እዩ" ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገስ ቱሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጕምቲ "ጃምላዊ ውሳነ" ምዃኑ ብምሕባር፡ በዚ መልክዕ ንሚልዮናት ምቕጻዕ "ፖለቲካዊ እምበር ሰብኣዊ ትሕዝቶ የብሉን" ኢሎም ከምዝኣምኑ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ሓገዝ ረድኤት ድሕሪ ምቁራጹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዩኤስኤኣይዲን ነቲ ዘጋጠመ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓገዝ መግቢ መፍትሒ ንምርካብ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም’ዮም።
"ክልቲኦም መንግስታት ነቶም ሓገዝ ብዘይግቡእ ዝተጠቕሙ ገበነኛታት ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር መርመራ ይገብሩ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተሳለጠን ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ከይውዕል ብዝከላኸልን መገዲ ዝባጽሐሉ ስርዓት ንምትካል ቃል ኣትዮም ኣለው" ይብል እቲ ሓባራዊ መግለጺ።
ብተመሳሳሊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ሓገዝ መግቢ ካብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ወጻኢ ንኻልእ ተጠቂሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰራዊቱ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሰራዊትና መግቢ ረዲአት ኣይጥቀምን” ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።
‘ረፉጂ ኢንተርናሽናል’ ዝተበሃለ ትካል ረድኤት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብብዝሒን ብዝተዋደደ ኣገባብን ንኻልእ ዕላማ ይውዕል ከምዘሎ" ምስተቓልዐ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ “ንኸምዚ ዝበለ ተግባር ከምዘይዕገስ” ብንጹር ከርኢ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።
እንታይ ተፈጢሩ?
ዋሽንግተን ፖስት ዝረኸቦ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ከም ዝሓበሮ፡ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ኣብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ እቲ ናይ መግቢ ሓገዝ ተሳትፎ ከም ዝጸንሖም እዩ።
እቲ ልክዕ መጠን ዝተሰርቀ ሓገዝ መግቢ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።
ሰብመዚ ነቲ ሓገዝ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ መንዚዖም ንወተሃደራትን ተጋደልቲ ነበርን ሂቦሞ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ናብ ዝልእካ ፋብሪካታት ሓሩጭ ብግልጺ ከምዝሸጡ ብምርምራ ዩኤስኤኣይዲ ከምዝተረጋገጸ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
እቲ መርማሪ ጕጅለ፡ ኣብ ትሽዓተ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ 63 ፋብሪካታት ሓሩጭ ዑደት ብምክያድ ኣብ 7 ክልላት ብርክት ዝበለ ሓገዝ ስርናይ ንዘይተሓሰበሉ ዕላማ ከምዝወዓለ ኣፍሊጡ።
ካብ ኣሜሪካ፡ ዩክረይን፡ ጃፓንን ፈረንሳን ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለገሰ መግቢ ከምዝተሰርቀ’ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ኵሎም ነቲ ናይ ረድኤት መግቢ ዝሰደዱ ለገስቲ እውን ነቲ መስርሕ ዕደላ መሊሶም ክግምገም ጻውዒት ቀሪቡ።
ዋሽንግተን ፖስት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ዝፈልጥ ሰራሕተኛ ረድኤት ረኺበ ዝበሎ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ከምዝፀብፀቦ፡ ከባቢያዊ ሓለፍቲ ዝርዝር ተቐበልቲ ረድኤት ኣብ ዘዳለዉሉ እዋን፡ ንቝጽሪ ጽጕማት ስድራቤታት ክብ ብምባል ነቶም ዝጠመዩ ስድራቤታት ከይበጽሖም ዝገበሩ ይመስል።
ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ሓደ ዲፕሎማኛ ድማ እቲ ብዩኤስኤኣይዲ ዝቐረበ ሓገዝ እኽሊ ንወተሃደራትን ተጋደልቲ ትግራይ ነበርን ንምምጋብ ይውዕል ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያውያን ብጥሜት ኣብ ዝሳቐዩሉ ዘለዉ እዋን ካብ ዝተሓገዘ ስርናይ ዝተዳለወ ሓርጭ ናብ ኬንያን ሶማልያን ይለኣኽ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ዲፕሎማሰኛ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም "ሸለልተኛ ወይ ተሓባባሪ እዩ" ክብል ነቒፉ።
ኣዝዩ ከቢድ ድርቂ ኣጋጢምዋ ኣብ ዘሎ ክልል ሶማል ንዝርከባ ፋብሪካታት ሓርጭ ዘመሓድሩ ውልቀሰባት ነቲ ጕጅለ ምፅራይ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምልክት ዩኤስኤኣይዲን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ኣብ ዘለዎም ክሻታት (ተረንሽዋታት) ዝተዓሸገ ብዙሕ ስርናይ ይገዝኡ ከምዝነበሩ ምዝራቦም እቲ ዲፕሎማሰኛ ገሊጹ’ሎ።
እቶም ክሻታት ስርናይ ዝተኸፈቱ ዘይምዃኖም ከኣ እቶም ተሓገዝቲ ካብቲ ዝረኸብዎ ሓገዝ ዝተወሰነ መቒሎም ከምዘይሸጡ ዘርኢ እዩ ክብል ኣረዲኡ።
ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን እንታይ ይብሉ?
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ነቲ ንጉዳይ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረድኤት ከጻሪ ብግዚያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሚያዝያ ዝቘመ ኮሚቴ ዝመርሕ በዓልስልጣን’ዩ።
ንሱ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ክንደይ ሓገዝ ከምዝተረኸበን? መን ከምዝዓደሎን? ብኸመይ ከምዝተባጽሐን? መጽናዕቲ ከምዝተገበረ ከምኡ’ውን ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጥቆማ ክህብ ከምዝተገበረ ይገልፅ።
ብቕዓት ኣከፋፈልቲ ሓገዝ፡ ተኣማንነትን እቲ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ዝተበጽሐሉ ኣገባብን ከምዝተገምገመ’ውን ሓቢሩ።
"ይውሓድ ይብዛሕ ምጥፍፋእ ቀረብ ሓገዝ ከምዘሎ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና። ብርግጽ እዚ መበገሲ እዩ እምበር ካልእ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ” ክብል ኣብቲ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ’ሎ።
ኣስዒቡ “ብዅሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ እዋን ኲናት መንግስቲ ፈደራል ንትግራይ ምስተቘጻጸረ ኣብ ትግራይ ብግዝያውነት ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ ዝፍፀምዎም ስርቅን ምትላልን ኣለዉ” ኢሉ።
"ሓይልታት ሻዕብያ ዝዘመትዎ እኽሊ ረድኤት'ውን ኣሎ። ሓገዝ ከከፋፍሉ ብዝብል ብነበርቲ ወይ ብምምሕዳር ዝተወከሉ ሓለፍቲ ዝፍጸምዎ ስርቂ ኣሎ። ወሃብቲ ረድኤት እውን በቲ ዝሰርሕዎ ጽቡቕ ስራሕ ክምስገኑ እኳ ግቡእ እንተኾነ፡ ብእኦም ኣቢሉ እውን ስርቂ ተፈጺሙ እዩ" ክብል ኣብቲ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።
እቲ እኽሊ ኣብ ዕዳጋታት ክረኣይ ዝኸኣለሉ ምኽንያታት ከቐምጥ ከሎ ድማ፡ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም እቶም ኣብተን ትካላት ረድኤት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ጥረ ገንዘብ ደሞዝ ይረኽቡ ስለዘይነበሩ ኣብ ክንድኡ ይወሃቦም ንዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ይሸጡ ምንባሮም ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ናብ ትግራይ ዝመጽእ ሸቐጣት ብናይ ረድኤት ትካላት ኣብ ተረንሽዋ ተዓሺጉ ስለዘምፅእዎ ከምኡ’ውን እቲ ናይ ረድኤት እኽሊ ኣብ ውሽጢ ተሰሪቑ ስለዝሽየጥ ምዃኑ ኣረዲኡ።
“ኣደታትን ህጻናትን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሂወቶም እናኸፈሉ ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ ሰብ ከምዘሎ ክትሰምዕ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ። ነዚ ዘይምቅላስ ሞት እዩ” ክብል እውን ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ።
ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ከምዝበሎ፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣስታት 186 ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እኳ እንተሃለዉ፡ 7 ጥራይ እዮም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም።
ኵሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም “ግቡእ መቕጻዕቲ” ክረኽቡ ምዃኖም እውን ኣፍሊጡ’ሎ።
ቀረብ ሓገዝ ደው ንክብል ዝተወሰነ ውሳነ ግን "ዳርጋ ከም ናይ ሞት ፍርዲ እዩ" ዝበለ እቲ ኣተሓባባሪ መጽናዕቲ፡ ምስ ዝምልከቶም ወገናት ብምዝርራብ እቲ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመር ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ምቁራጽ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሚልዮናት ሰባት ክሳቐዩን ንቅልውላው ከቃልዑን ዝገብር ብምዃኑ፡ "ከምዘይቅበሎ" ብምሕባር፡ እቲ ውሳነ ዳግማይ ክርአ እዩ ሓቲቱ።
ነቲ ብሓገዝ ዝተረኸበ ረድኤት መግቢ ካብቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ወጻኢ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣብ ምግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ብመረዳእታ ተደጊፉ እንተተረጋጊጹ፡ መንግስቲ ስጕምቲ ክወስድ ድሉው ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብዚ ጉዳይ ብዛዕባ ዘካየዶ ምጽራይ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ ነገር የለን። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ዝገበሮ ፈተነታት እውን ኣይሰመረን።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብቢቢሲ ዝተሓተተት ሓላፊት ትካል ዩኤስኤኣይዲ ሳማንታ ፓወር እቲ ምቑራጽ ሓገዝ ሕማቕ ምዃኑ ብምጥቃስ “ንተጠቀምቲ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብ ዕዳጋ ይውዕልን መኽሰብ ይእከበሉን ኣሎ” ኢላ።
“መርመራ ይካየድ ኣሎ። እቲ ረድኤት ዳግማይ ክንጅምሮ ድልየት ኣለና። ግን ድማ እቲ ሓገዝ ናብቶም ዝግብኦም ተጠቀምቲ ይበጽሕ ከምዘሎ ክንተኣማመን ይግባእ። እዚ ንምግባር ከኣ ኣብ መንጎ ከም ዩኤስኤኣይዲ ዝኣመሰሉ ለገስቲን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ኣብ ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ክህሉ ተስፋ እገብር" ክትብል ኣረዲኣ።
ኣብ መወዳእታ. . .
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ሓገዝ መግቢ ክቕጽሎ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።
ተጠቀምቲ ብኸመይ ከም ዝምረጹ ዝምልከት ቍጽጽር እንተተመሓይሹ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ውሱን ሓገዝ መግቢ ከቕርብ ክጅምር ከምዝኽእል ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምጥቃስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
ተሓጋጋዚት ዋና ዳይረክተር ፖሊሲ ልምዓት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቫለሪ ጋርኒየር "ኣብቲ ተሓገዝቲ ናይ ምምማይ መስርሕ ንሕና ከም ውድብ መግቢ ዓለም ከምኡ'ውን ካልኦት ዘይመንግስታውያን መሻርኽቲ ትካላት ብቐጥታ ክንሳተፍ ንደሊ ኢና" ክትብል ኣፍሊጣ ኣላ።
መርመርቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ድማ ኣብ ስርዓተ ምክትታል እቲ ትካል ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ድኽመታት ምህላዉ ነፂሮም ከምዘለለዩ ሓቢሮም ኣለዉ።