ኣብ ትግራይ 'ብሕጽረት መግቢ 13 ህጻናት ሞይቶም' - ሆስፒታል ዓይደር

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ፡ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኣተዉ ህጻናት፡ ኣብ ግንቦት ጥራይ ሸውዓተ ህጻናት ከም ዝሞቱ እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣረጋጊጹ።

ስፔሻሊስት ሕክምና ህጻናት መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ስምረት ንጉሰ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብቲ ሆስፒታል ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ በብወርሑ ሰለስተ ህጻናት ይሞቱ ከም ዝነበሩ ብምሕባር፣

“ካብ ጥሪ ንነጀው ብሕጽረት ምግቢ ጥራይ 13 ህጻናት ሞይቶም፤ ኣብ ግንበት ጥራይ ግን፡ ብሰንኪ'ዚ ጸገም ሸውዓተ ህጻናት ሞይቶም” ኢላ።

ካብ ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ኣትሒዙ ናብቲ ሆስፒታል ዝኣትዉ ግዳያት ሕጽረት ምግቢ ዝዀኑ ህጻናት እናበዝሑ ይመጽኡ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ሆስፒታል፡ ኣብዚ እዋን ኣመና ኣሰካፊ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ዝርከቡ 32 ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ጽዑቕ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም ተሓከምቲ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተመዛበሉን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጽኡን ህጻናት ምዃኖም ከኣ እታ ስፔሻሊስት ዶክተር ኣረዲኣ።

“ናብ ዋርድ [መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት] ዝኣትዉ ህጻናት እቶም ኣመና ዝተሃሰዩ፤ ኣብ ደገ ኰይኖም ሓገዝ ምግቢ እናተተገበረሎም’ውን ክሓውዩ ኣይክእሉን ተባሂሎም ዝተሓሰቡን ብምግቢ ጥራይ ዘይምለሱን ቈልዑት’ዮም” ኢላ።

ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝፀንሐ ኣፋውስን ቀረብ መሳርሒ ሕክምናን፡ ምስቲ ዘሎ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝዀነ ትዛረብ ዶክተር ስምረት፡ ኣብዚ እዋን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ደው ብምባሎም፡ ልዕሊ ዅሉ ህጻናት ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ገሊጻ።

ዶክተር ስምረት፡ “ሓገዝ ምግቢ ብምቍራፁ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ኣደታትን’ዮም ብፍላይ ዝጕድኡ ዘለዉ። ስለዚ እቲ ዝተቛረጸሉ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኰነን፡” ኢላ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ-ዩኤስአይድን፡ ብሰንኪ “ስርቅን ምጥፍፋእን” ንትግራይ ክህብዎ ዝጸንሑ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘቋረጹ ኣብ ግንበት ኣፍሊጦም’ዮም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ብምቛም ብስርቅን ምጥፍፋእን ተሓተትቲ ዝዀኑ ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ከም ዘቕርብን ኣፍሊጡ ነይሩ።

መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕጽረት ኣፋውስን ቀረብን ኣብ መንጐ ሕክምናዊ ክንክን ኣቋሪጾም ክወጽኡ ዝተገደዱ ተሓከምቲ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ዶክተር ስምረት፡ “ካብቲ ንህይወት ዘስግእ ኵነታት ምስወፅኡ፡ ሕክምንኦም እንከይወድኡ ዝወፅእሉ ኩነታት ኣሎ። ተሓኪሞም ዝወፅኡ’ውን፡ ኣብ ገዛ ከይዶም ዝረኽብዎ ነገር ስለዘየለ፡ ተመሊሶም ናብ ሆስፒታል ይመፅኡ፡ ንቕበሎም” ኢላ።

እቲ ሆስፒታል፡ ነዞም ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት፡ “ብሓይሊ ሰብ ዝሽፈን ኣገልገሎት ጥራሕ ክህብ” ከም ዝተገደደ’ውን ገሊጹ።

“ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት ዝወስድዎ ጸባ ጥራይ እዩ ዘሎ። ካብኡ ወጻኢ ግን ነቲ ተደሪብዎም ዝመጽእ ሕማም ተወሳኺ መድሃኒት የድልዮም። እዚታታት ግን ኣይረኽብዎን ዘለዉ፡” ክትብል፡ ነቲ ህሉው ኵነታት ኣረዲኣ።

ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ክሳብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን 2400 ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ዋሕዲ ምግቢ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ካብ ሓምለ 2021 ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ልዕሊ 240 ሽሕ ህጻናት ብመጠናዊ ጕድለት ምግቢ ክጥቅዑ እንከለዉ፡ ኣስታት 76 ሽሕ ህጻናት ኣመና ተሃስዮም እዮም።

ከም ፒቪሲ፡ መርመራታት ጽንትን ደምን፡ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ክህልዉ ዝግባእ ወሰንቲ ምርመራታት’ዮም ትብል ዶክተር ስምረት፡ እንተዀነ እዚኦም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዘየለዉ ተረድእ።

እታ ዶክተር ወሲኻ፡ “ቫይታሚናት፡ ኣንቲባዮቲክስ፡ መድሃኒታት ጸረ-ረኽስን’ውን የድልዮም እዩ። ኣብ ሆስፒታልና ስለዘየለ ግን፡ ካብ ደገ ካብ ገዚእኩም ምጽኡ’ዮም ዝበሃሉ።

ዝበዝሕ ዓቕሚ ስለዘይብሉ ግና፡ እዚ ክገብር ኣይኽእልን” ብምባል፡ ናብቲ ሆስፒታል ዝመፅኡ’ውን እዚ ዝበሃል ሕክምና ይረኽቡ ከምዘየለዉ ገሊፃ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ)፡ 70 ሚእታዊት ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ትግራይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ንምግባር “ኮነ ተባሂሉ” ከም ዝዓነወን ኣቝሑቶም ከም ዝተዘመተን ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደን ደማዊ ኲናት፡ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፡ ጠንቂ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኰይኑ፡ ሚልዮናት ካብ መረበቶም ብምምዝባል ተጸበይቲ ረዲኤት ክዀኑ ኣገዲዱ እዩ።