ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ንግዚኡ ኣቋሪጹ

ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከቕርቦ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዘቋረጸ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንኣሶሴይትድ ፕረስ (ኤፒ) ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ትካል፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ተሰሪቑ ዝተባህለ ረድኤት መግቢ ንምፅራይ ብዝብል ሓገዝ ምቕራብ ኣቋሪጹ ይርከብ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብታ ንኽልተ ዓመት ኣብ ደማዊ ኲናት ዝጸንሐት ክልል ትግራይ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲን ዝረኽቦ ሓገዝ መግቢ ከብጽሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ንኤፒ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብታ ክልል ረድኤት መግቢ ንዘይግቡእ ዕላማ ይውዕል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ምዝርግሑ ስዒቡ ኣገልግሎቱ ንግዚኡ ኣቋሪጹ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንጋዜጠኛታት ሓበሬታ ክህቡ ፍቓድ ስለዘይብሎም ስሞም ክግለጽ ከም ዘይደለዩ'ውን ኤፒ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ስርሒት ረድኤት ተሰሪቑ ዝተበሃለ ቀረብ መግቢ ይምርምር ከም ዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር እቲ ትካል ክላውድ ጂቢዳር፡ ናብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ፡ "ኣብ ገለ ዕዳጋታት ዝተራእየ ሰፊሕ መሸጣ ሓገዝ መግቢ፡ ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስክፍታ ክፍጠር ገይሩ’ሎ" ይብል።

እቲ ዳይረክተር፡ ንሓገዝ ዝኸውን መግቢ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ኣብ ስም እቲ ትካል ኣሉታዊ ጽልዋ ካብ ምሕዳር ብተወሳኺ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ዓቕሙ እውን ከተሓላልኽ ከም ዝኽእል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ስለዚ ኣብታ ሃገር ከም ሓገዝ ዝወሃብ መግቢ “ብዘይግቡእ ምጥቃምን ካብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ውጻኢ ክውዕል ምግባርን ብቕልጡፍ ደው ከምዝብል ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።

ጂቢዳር ኣብቲ ብ27 መጋቢት 2015 ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ እቶም መሻርኽቲ ትካላት፡ ምግቢ ረድኤት ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ብዝምልከት ዘለዎም ሓበሬታ ከካፍሉ ሓቲቱ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኤፒ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ብምጥቃስ፡ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ኣዝያ ዝተሃስየት ሽራሮ ካብ ዝርከብ መኽዘን፡ ን100 ሽሕ ሰባት ዝኸውን መግቢ ከም ዝጠፍአ ጸብጺቡ ነይሩ።