ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ጎንጺ ናይ ምስሓብ ስራሕ ክጅመር እዩ - ጀነራል ታደሰ

ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘተሰላም ናይሮቢ - 12 ሕዳር 2022

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ውዕል ሰላም፡ ሓይልታቶም ካብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ኲናት ከካይዱሎም ዝጸንሑ ግንባራት ናይ ምስሓብ መስርሕ (disengagement) ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት መዓልቲታት ከምዝጅመር ገሊጹ።

ጀነራል ታደሰ፡ ትማሊ ሰሉስ ብመራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ኣብ ዝተቓልሐ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሰላም ንሓይልታቶም ናይ ምርዳእ ስራሕቲ የጻፍፉ ከምዘለዉ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስሓብ ሰራዊት ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።

“እቲ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ፤ ድሕሪኡ ሓይሊ ምልቓቕ ‘ዲስኢንጌጅ ምግባር’፡ ኣጐዓዒዝካ፡ ክዀነሉ ኣብ ዝግባእ ቦታ ንምግባር ድማ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝጅመር ክኸውን እዩ” ኢሉ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጐ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ናይሮቢ ተራኸቦም ተዘራሪቦም እዮም።

እቶም ኣዘዝቲ ድሕሪ እቲ ናይ ናይሮቢ ዘተ፡ ንሰራዊቶም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ መብርሂ ክህቡ ዝተሰማምዑኮይኖም፡ ሰራዊቶም ካብቲ ተፋጢጦምሉ ዘለዉ ግንባራት ኲናት ምስሓብን፡ ጸጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው ጐኒ-ጐኒ ምውጻእ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኰኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ዝፈትሑሉ ኣገባብ ንምፍጻም ተረዳዲኦም እዮም።

በዚ መሰረት ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ይፍጽሙ ከምዘለዉ እውን እቲ ኣዛዚ ኣፍሊጡ።

“ብወገንና ክትግበር ዘለዎ ነገር ክትግበር እዩ፤ ብወገን እቲ መንግስቲ እውን እዚ ይገብሩ ይህልዉ እዮም” ኢሉ።

እቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ስዒቡ ተዅሲ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኣዛዚ ሓልታት ትግራይ፡ በቲ ለውጢ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ሕጕሳት ምዃኖም ኣብሪሁ።

“ሓደ ጭቡጥ ለውጢ፡ ግጭት ተዅሲ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። በዚ ድማ ኵሉ ህዝቢ ሕጕስ ኰይኑ ኣሎ . . . እቲ ሰራዊት እውን ሕጕስ እዩ።”

“ዝታዀስ ዝነበረ ሰራዊት ኣብ ገለ ከባቢታት ብኣካል ዝራኸቡሉን ሓሳብ ዝለዋወጡሉን ኵነታት ፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሰንበት ብዛዕባ እቲ ዘተ ሰላም ፈላሚ መግለጺ ዝሃቡ ተደራደርቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ኣብ ተፈጻምነት እቲ ውዕል ሰላም ተስፋ ከምዘለዎም፡ እንተዀነ ምውጻእ ናይቶም ኣብ ትግራይ “ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ” ክብሉ ዝኸሰሰሱዎም ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ዕንቅፋት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ እቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ምላሽ የለን።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ፡ ጭቡጥ ስግኣት እቲ ሰላም ከምዝዀነ ዝገለጸ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቶም ሓይልታት ብቕልጡፍ ክስሕቡ ጸዊዑ።

"ክልቲኦም ኣብ መሬት ትግራይ እዮም ዘለዉ። እቲ ስምምዕ ዝገበርናዮ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝዀነ እቶም ዝተረፉ ስምምዕ ዘይገበርናሎም ሓይልታት፡ እቲ ስምምዕ እውን ኣይምልከቶምን፤ ካብዚ እውን ክወጹ ኣለዎም።"

ምስሓብ እቶም ሓይልታት ምስዘይፍጸም ግን፡ እቲ ንምፍታሕ ዕጥቂ ብዝምልከት ዝኣተውዎ መብጽዓ ኣብ ምትግባር ዕንቅፋት ክፈጥር ምዃኑ ሓቢሩ።

“እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ምስ ሰላምን ድሕነትን ትግራይ ኣተኣሳሲርካ ዝፍጸም እዩ። ናይ ከቢድ ብረት ዕጥቂ ምፍታሕ ምስ ናይዞም ሓይልታት ምውጻእ ተራእዩ ዝፍጸም እዩ ዝኸውን። ክወጹ እንተዘይክኢሎም ክነውርድ እውን ኣይንኽእልን ማለት እዩ። ንሳቶም እንተወጺኦም ከቢድ ብረት ናይ ምዕጣቕ ምኽንያት እውን ኣይህልወናን ማለት እዩ።”

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተኻይዱ ንሞት ኣሽሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ዕንወትን ምኽንያት ዝዀ'ነ ኲናት፡ ደው ንምባል ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ናብታ ሚልዮናት ነበርታ ኣብ ዕጽዋ ብጥምትን ስእነት መድሃኒትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ክንድቲ ዝድለ ኣይዅን እምበር፡ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ ጸብጻባት ይሕብሩ።