ኣብ ቁሸታት ማይ ማሂዩ፡ ኣስታት 50 ሰባት ብውሑጅ ተወሲዶም

ቁሸታት ማህ ማሂዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኬንያ ዝሃርም ዘሎ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ሓደጋ ውሑጅ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ማይ ማሂዩ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ኣስታት 50 ሰባት ከም ዝቐተለ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማይ ማሂዩ ዝተባህለት ከተማ ዝነበሩ ኣባይቲ ብውሑጅ ተወሲዶም።

ኣብቲ ከባቢ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ንጥፈታት ምድሓን ህይወት ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብዝሒ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ተሰጊኡ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ሓደጋታት ውሑጅ ከጋጥም እንከሎ፡ ብሰንኩ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ኣብ መላእ ከባቢታት ማይ ማሂዩ፡ ሰፊሕ ቡናዊ ሕብሪ ጭቃ፡ ካብ ሱሩ ዝተማሕወ ኣግራብን ዝተጨፍለቑ ገዛውትን ብብዝሒ ይርአ።

ትማሊ ሰኑይ ኣጋ ምሸት፡ ዘጋጠመ ጋሻ ውሑጅ ናብቲ ከባቢ ዝርከብ ሩባ ምስ ኣዕለቕለቘ’ዮም ነበርቲ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ክፈልጡ ክኢሎም።

ነበርቲ፡ ሰባት ካብቲ ጋሻ ውሕጅን ጭቃን ንምምውጻእ ሓያል ርብርብ ከም ዝተገብረ ይዛረቡ።

ወዲ 60 ዓመት ደደን ሙይሪ፡ ድምጺ እቲ ጋሻ ውሑጅ ከም ዝሰምዐን በርቂ ከም ዝረኣየን ገሊጹ። እንተዀነ ክሳብ ክሳዱ ብማይ ተዋሒጡ እዩ ነይሩ።

እቲ ውሕጅ ንሰበይቱ ክወስዳ’ውን ርእዩ። ኣብዚ ህሞት ንሱ’ውን ክመውት’የ ዝብል ፍርሒ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።

ከም ዕድል ግን፡ ሱር ሓደ ገረብ ሒዙ ህይወቱ ከትርፍ ጻዕሪ ገይሩ። ሓንቲ ምሕንባስ እትኽእል ጓሉ ንኽልተ ኣሕዋት ከተድሕን ከም ዝኽኣለት ድማ ይዛረብ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ክበጽሑ እንከለው፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝበጽሐ ዕንወት እናዳህሰሱ ረኺቦምዎም። ካልኦት ብዙሓት’ውን፡ በቲ ዘዕለቕለቐ ሩባ እናተጓዕዙ፡ ብዝባን እቲ ዝፈረሰ ኣባይቲን ካልእ ህይወት ንምድሓን ክሕግዘና’ዩ ዝበሉዎ ነገርን ነቲ ዕንወት ክገጥምዎ ይፍትኑ ነይሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገዛ ፒተር ሙኒንገ ካብቲ ሓደጋ እኳ እንተድሓነት ካልእ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ኣባይቲ ግን ብውሑጅ ተወሲዱ እዩ።

“ኣብቲ ማይ ንኣሽቱ ዕሸላት ኣለዉ፡ ኣረጋውያን...ሰባት የእውዩ’ዮም ዘለው፤ ሰባት ይበኽዩ፣ ህይወቶምን ህይወት ዝፈትውዎም ሰባትን ይስእኑ እዮም ዘለዉ” ይብል።

ኣብቲ ምድሓን ህይወት ቀይሕ መስቀል ክሳተፍ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ብውሑድ 50 ከም ዝሞቱ ሓላፊ ህጹጽ ምላሽ ኣንቶኒ ሙቺሪ ገሊጹ።

“እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ዘመነይ ካብ ዝርኣኹዎ እቲ ዝኸፍአ እዩ” ብምባል ኣባይቲ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ካብ መሰረቶም ከም ዝተማሕው ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ኣስከሬናት እቶም 17 ህጻናት ምዃኖም ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንኣዛዚ ፖሊስ ስቲቨን ኪሩይ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ሃንደበታዊ ማዕበል ውሕጅ፡ ፈለማ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓጽቢ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ብሰበስልጣን እቲ ከባቢ ተገሊጹ ነይሩ።

ይዅን'ምበር ሚኒስትሪ ማይ፡ ጽሬትን መስኖን ኬንያ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓደጋ ሩባ ቶንጊን በቲ ከባቢ ዝሓልፍ መስመር ባቡርን ዘራኽብ ጋለሪያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝሃርም ዘሎ ዝናብ “ብሑጻ፡ ኣእማን፡ ኣትክልትን ሓመድን” ስለ ዝተዓጽወ ዘጋጠመ እዩ ኢሉ።

እዚ ድማ ማይ ብእኡ ኣቢሉ ንከይሓልፍ ከም ዝዓገቶን፡ እዚ ድማ ሃንደበት ማይ ብልዕሊ እቲ መስመር ባቡር ሓሊፉ ዕልቕልቕ ከም ዝፈጠረን እቲ መግለጺ ይጠቕስ።

“እቲ ከባቢ ሓጽቢ የብሉን፤ ኣብ ኣሎ ዝብሃል ሓጽቢ ብኻልእ ኣንፈት ዘሎ ኣብ ጽቡቕን ርጕእን ኵነታት ዝርከብ ሓጽቢ ማቸስ'ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ንኣሽቱ ቁሸታት ካሙቺሪን ኪያኑጉን ካብተን ጾር ናይቲ ሓደጋ ተሰኪመን ዘለዋ እየን።

ኣስታት 18 ኣባይቲ ኣብ ዘለዋ ቁሸት ኪያንጉ ዝነብር ፒተር ሙሆሆ፡ መብዛሕትኦም ኣባይቲ ጐረባብቱ ብውሑጅ ከም ዝተስዱ ተዛሪቡ።

“ኣውያትን ደርጓዕጓዕን ክሰምዕ እንከለኹ፡ ደቂሰ እየ ነይረ። እቲ ከባቢ ብማይ ኣዕለቕሊቑ፤ ድሕሪ ሰባት ከነድሕን ጀሚርና” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ናብቲ ዝሓሶ ቦርሳ እናመላኸተ ክኣ፡ “እዚ ቦርሳ ናይ ሓደ ዝፈልጦ ቈልዓ እዩ፤ ንሱ ውሑጅ ወሲዱዎ፤ ቦርሳኡ ከኣ ኣብ (ታሕቲ) ረኺበያ” ኢሉ።

ፒተር፡ ካብቶም ዕድል ገይሮም ብህይወት ዝተረፉ ነበርቲ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ፒተር፡ ካብቶም ዕድል ገይሮም ብህይወት ዝተረፉ ነበርቲ እዩ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝያዳ ዝናብ ክሃርም ከም ዝኽእል ትንበያታት ሜትሮሎጂ የመላኽቱ ብምህላዎም መንግስቲ፡ ምኽፋት ኣብ መላእ ኬንያ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክደናጐ ገይሩ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብሮኦም ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ታንዛንያን ብሩንዲን’ውን ብርቱዕ ዝናብ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ታንዛንያ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ብውሕዱ 155 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ብሩንዲ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፤ ብዝሒ ናይቶም ብሓደጋ ውሑጅ ዝሞቱ ሰባት ግን ንጹር ኣይኰነን።

ምስቲ ኣብ ፓስፊክ ዘለዎ ተመሳሳልነት መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ኢንዲያን ኒኖ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣይኦዲ፡ ኣብ ተጻረርቲ ክፋላት ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዘሎ ፍልልይ ሙቐት ገጽ ባሕሪ ዘመልክት እዩ።

ኣብ እዋን ኣወንታዊ ምዕራፍ፡ ማያት ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ኣዝዩ ዝወዓየ ይኸውን፤ እዚ ድማ ዋላ’ውን ኤል ኒኖ ኣይሃሉ ብርቱዕ ዝናብ ከምጽእ ይኽእል።

ይዅን እምበር፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክልቲኦም ኣወንታዊ ኣይኦዲን ኤል ኒኖን ኣብ ሓደ እዋን ምስ ዘጋጥም፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዘንብ ዝናብ ጽንኩር ክኸውን ይኽእል።

ሓደ ካብቶም ብርቱዓት ክስተታት እወንታዊ ምዕራፍን ኣይኦዲን ኣብ 1997ን 1998ን ዝነበሩ ብርቱዓት ቅዲታት ኤል ኒኖ ዝተጋጠመ እዩ።

በዚ ምኽንያት ከቢድ ውሕጅ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት እቲ ዞባ ሞት ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ኣስዒቡ እዩ።