እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውሩይ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኬንያ ተቐቲሉ
ውሩይ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ፡ ብሰንበት ኣብ ኬንያ ብፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምርመራ ተጀሚሩ።
ብመሰረት ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብመኪና ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደው ክብል ብዘይምኽኣሉ፡ “ንሞት ብዘብፅሕ ኵነታት ተጐዲኡ” ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
ጋዜጠኛ ሸሪፍ፡ ነቓፊ ሰራዊት ፓኪስታንን ደጋፊ እቲ ካብ ስልጣን ዝተዓለወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ክሃን'ዩ ነይሩ።
ወዲ 49 ዓመት ጋዜጠኛ ኣርሻድ፡ ዝሓለፈ ነሓሰ እዩ፡ "ይጋፋዕ ኣለኹ" ብዝብል ሃገሩ ሓዲጕ ዝወጽአ።
ናብ ኬንያ ቅድሚ ምምፅኡ ድማ፡ ኣብ ብሪጣንያን ዱባይን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኬንያ እንታይ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ግን ብንፁር ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ምስዚ ቕትለት ተኣሳሲሩ፡ ትማሊ ሰኑይ ጋዜጠኛታት ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
ዘይሻራዊ በዓልመዚ ተቘጻጻሪ ፖሊስ ኬንያ (Ipoa)፡ ናብቲ ብሰንበት ምሸት ተዅሲ ዝተፈጸመሉ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ካጅያዶ ዝተበሃለ ዞባ፡ ጕጅለ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ከምዝለኣኸ ገሊጹ።
ሓለቓ እቲ ዘይሻራዊ በዓልመዚ ተቘጻጻሪ ፖሊስ ኣን ማኮሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ጕጅለ “ንቕትለት እቲ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ” ከም ዝምርምር ተዛሪባ።
ፖሊስ ኬንያ፡ "በቲ ክስተት” ከም ዝሓዘነ ገሊፁ።
መኮንናት መገዲ ዓጽዮም ዝተሰረቐት መኪና ይደልዩ ከምዝነበሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ መኪና መዋቲ ናብቲ ብፖሊስ ዝተሓጽረ መገዲ መጺኣ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ’ዩ ተዅሲ ተኸፊቱ” ይብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍ፡ በቲ ዘሰንብድ ዜና ሞት ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ ከምዝሓዘነ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሻህባዝ፡ ንፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ “ፍትሓውን ግሉጽን ምርመራ ንኽካየድ” ከምዝሓተተ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሬሳ እቲ ጋዜጠኛ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሩ ፓኪስታን ንኽምለስን ዘድሊ ሓገዝ ንምግባርን ቃል ኣትዩለይ’ዩ” ኢሉ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ፓኪስታን ማርያም ኣውራንግዘብ፡ ሰባት ኣብ ጉዳይ ሞት እቲ ጋዜጠኛ ግምት ካብ ምሃብ ክቝጠቡ ኣጠንቂቓ።
በዓልቲ ቤት ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ ጃቬርያ ሲዲክ፡ “መሓዛይ፡ በዓል ቤተይን ዝፈትዎ ጋዜጠኛን እየ ስኢነ” ክትብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ኢምራን ክሃን ብወገኑ፡ “ሓቀኛን ፍትሓዊ ምርመራ” ክካየድ ብምጽዋዕ፡ “ሓቂ ስለዝተዛረበ ኣብ መወዳእታ እዚ ዋጋ ከፊሉ” ክብል ገሊጹ።
ክሃን፡ ናይ መተኣማመኒ ድምጺ ድሕሪ ምስኣኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሚያዝያ እዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ንዕኡ ዝድግፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣሽራድ ድማ፡ ኤጀንሲ ምርመራ ፌደራል ከጋፍዖ ምስ ጀመረ ኣማሪሩ ነታ ሃገር ራሕሪሑ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ።