ኣብ ዝምህርሉ ዩኒቨርሲቲ ዝተዓቘቡ ናብራ ዝኸበዶም መምሃራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ

ኣብ ስርሑ ሕጕስ ዘይኰነ መምህር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መነባብሮ ዝኸበዶም መምሃራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ሕሱም ኣማራጺታት ክወስዱ ይግደዱ ከም ዘለው ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብፍላይ ክራይ ገዛ ምኽፋል ከም ዝተጸገሙ ብምግላጽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግዝያዊ መፍትሒ ክህቦም ዝሓተቱ ገለ መምሃራን፡ ንግዚኡ ተምሃሮ ኣብ ዝሓድሩሎም ክፍሊታት ንኽጸንሑ ከም ዝተፈቕደሎም ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዩኒቨርሲቲ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ከም ዘለውዎን እቲ ብሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይተኸፍሎምን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ብሰንኪ እዚ ድማ መምሃራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቍጠባውን ስነ-ልቦናውን ቅልውላው ይቃልዑ ከም ዘለው ቢቢሲ ዘዘራረቦም መምሃራን ሓቢሮም።

ኵነታት መነባብሮኦም እንተዘይተመሓይሹ ድማ ብዙሓት ምሁራትን ነቲ ሞያ ገዲፎም ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ከናድዩ ከም ዝግደዱ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን፡ መነባብሮ ሓደ መምህር ዩኒቨርሲቲ እቲ ክልል እንታይ ይመስል? ሽሞም ብምዕቃብ ዛንታኦም ናይ ዘካፈሉና ክልተ መምሃራን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

‘ንደቀይ ክብል . . . ’

በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቈልዑን’የ፤ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ድማ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይነ ሰሪሐ ኣለኹ።

ወትሩ ኣብ ስራሕ ውዒለ ናብ ገዛ ክምለስ ከለኹ ጁባይ ጥርሑ ስለ ዝዀነ፡ ደቀይ ኢደይ ከይጥምቱ ይስከፍ።

ዋላ’ውን ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝሓሸ’ዩ እንተዘይተባህለ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንምስግጋር ተጸጊመ ኣይፈልጥን ነይረ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ግን፡ ከም ደሞዝተኛ መንግስቲ ደሞዝ ጠጠው ኢሉ፣ ን17 ኣዋርሕ ምንጪ እቶተይ ደሪቑ።

መዓልታዊ ካብትን ካብትን እናተለቃሕኩ እዋን ኲናት ሓሊፈዮ፤ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ደሞዝ ምኽፋል ምስ ተጀመረ ብውሱን መልክዑ ተደሪረን ተመሲሐን ዝውዕለሉ ዕድል ረኺበ ነይረ።

እንተዀነ፡ ኣታዊናን ኵነታት ዕዳጋን ዘይመጣጠን እናዀነ፡ ናህሪ ዋጋታት ኣብ መነባብሮና ከቢድ ጽልዋ እናፈጠረ መጺኡ።

ኣብቲ ደሞዝ ለውጢ ኣይተርኣየን፤ ስለዚ ናብራ ክመርሕ፣ ቈልዑ ከምህር፣ ኣብቲ ዝድለ ክዳን ክንቅይር፡ መግቢ በሊዕና ክንሓድር ጸጊሙና።

እቲ ኣብ ሕሉፍ ዘይከፈልናዮ ክራይ ገዛ ዘይኸፈልናዮም ኣካረይቲ፡ ዋጋ ብምውሳኽ ነቲ ኣብ ርእሲኡ ዝድመር ዘሎ ክፈሉ ክብሉና ጀሚሮም፤ በዚ ናብራይ ብኣግባቡ ክደፍእ ብዘይምኽኣለይ ስድራይ ሒዘ ናብ ሓደ ክፍሊ ኣትየ።

ኣብኡ እንጀራ ንስንክት፡ መግቢ ነዳሉ፡ ደቅና ሒዝና’ውን ኣብኡ ንድቅስ። እዚ ጸገም ክጻወሩዎ ዘይክኣሉ ክሳብ ኣርባዕተ ቈልዑ ዘለውዎም መምሃራን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት’ዮም ዘለው።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደሞዘይ፡ ኣስታት 9960 ብር (ኣስታት 170 ዶላር) እየን፤ ሕጂ ገዛ ክራይ ብውሑድ 5 ሽሕ ብር’ዩ፤ ካብዚ ዝተረፈ ኢና፡ ንማይን መብራህትን፡ ቀለብ፡ ናይ ደቅና ትምህርቲ ከነካውን ንፍትን፤ ሕጂ ዘሎ ዕዳጋ ግን ነዚ ዝኽእሎ ኣይኰነን።

እዛ ደሞዝ እዚኣ፡ በቲ ሕጂ ዘሎ ዕዳጋ እኽሊ ሸሚትካ ንኣስቤዛ ዝኸውን ኣይትረኽበላን፤ ሕማም እንተኣጋጢሙ’ውን መሐከሚ ዝኸውን ኣይትረኽበላን፤ ውላድ’ው ናይ ምምሃር ዕድሉ እናጸልመተ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ምስ ሰብ ቀሪብካ፡ እሂን ምሂን ናይ ምባል ተኽእሎ ነይሩ፤ ሕጂ እቲ ቍጠባዊ ጸገማት ንማሕበራዊ ርክባትና’ውን እናበተኾ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሕጂ ትሕቲ እቲ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዝነበርኩሉ ደረጃ እየ ዘለኹ ክብል እኽእል። ኣብ ስራሕ ውዒለ፡ ናብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘለኹ ንተምሃሮ ዝተዳለወ መሕደሪ ክፍሊ ክኸይድ እንከለኹ እቶም ምህር ዝውዓልኩዎም ኣብቲ ከባቢ እንትረኽቦም . . . ሓሓሊፉ ተሓቢአ ዝኸደሉ ኵነታት ኣሎ።

ስነ ልቦናኻ ዝሰብር፡ ሞራልካ ዘዳኽም’ዩ፤ ብውሑድ ኣነ ዘምህሮ ዜጋ ብስነ ልቦና፣ ብኢኮኖሚ ካብኡ ዝሓሽኩ እንተዘይኰይነ፡ ምምሃር ቍጠባዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይኽእልን’ዩ ዝብል ኣመለኻኽታ’ዩ ዝፈጥር።

ኣብዚ ሰዓት’ዚ ግን ካብቲ ተምሃራይ ብዝሓሸ መልክዑ ዝወነንኩ ስለ ዘይኰንኩ ወትሩ ናይ ትሑትነት ስምዒት ይፈጥረለይ፤ ስነ ልቦናኻ ተዳኺምካ ኣብ ቅድሚ ተምሃራይ ጠጠው ኢልካ ከተምህር ብጣዕሚ ዘሰክፍ እዩ።

ቍጠባኻ ዓቕምኻ ዝተሓተ ብምዃኑ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ተባሂልካ፡ ሓሓሊፉ ዝተቐደደ ጫማን ክዳንን ገይርካ ክትኣቱ እንከለኻ ትሓፍር፡ ጽቡቕ ስምዒት ኣይፈጥረልካን። ክሳብ ክንዲ’ዚ’ዩ ስነ-ልቦናና ተሃስዩ ዘሎ።

ካብዚ ንላዕሊ፡ ብዙሕ ሃብቲ ዓዲ ወጻኢ ተገይርሉ ተማሂሩ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርቲ ዝርከብ መምህር ብቝጠባ ተዳኺሙ ናብ ካልእ ክፈልስ ከም ዝኽእል ክሓስብ እንከለኹ ይሓዝን። እዚ ዓብዪ ክሳራ’ዩ።

ብዙሕ ዓመት ዝሃነጽካዮ፡ ንዜጋ ዝሃንጽ ሓይሊ ክትከስሮ ከለኻ፡ ኣብ ብዙሕ መጽናዕቲ ክሳተፍ ዝኽእል ሓይሊ ብኸምዚ ማሕለኻ ገጢሙዎ ክሰናኸል እንከሎ ንዓዲ ሓደጋ እዩ። እቲ ዝተምሃረን ዘይተመሃረን ኵሉ ሓቢሩ ዘማርረሉ ዓዲ ከይፍጠር ይሰግእ።

ክሳብ ሕጂ ካብዚ ሞያ ዘይወጻእኹሉ ምኽንያት ሓደ፡ ካልእ ስራሕ ክጅምረሉ ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይብለይ፡ ሕጂ እንተድኣ ገዲፈዮ ወጺአ ቀልጢፈ ስራሕ ዘይክረክብ ይኽእል’የ፤ ስራሕ ከይረኸብኩ ንሓደ ወርሒ እንተጸኒሐ ድማ ካብቲ ዘለኹዎ ዝያዳ ዝኸፍአ ህይወት’ዶ ከጋጥመኒ ይኸውን ዝብል ስግትኣታት እዩ።

ካልኣይ ድማ፡ ደቀይ ኣብ ዘይረብሕ ህይወት ዕንክሊል እናበለ’ዩ እኮ ኣብ ድኽነት ሸሚሙና ዘሎ ዝብል ኣመላኻኽታ እናፈጠሩ ክዓብዩ ምዃኖም ስለ ዝርዳእ እዩ። ስለዚ፡ ሕጂ ንደቀይ ክብል ኣነ ዘይምሱል ክመስል ግድን እዩ።

ሕጂ’ውን ኣዝዩ ዝተጸገመ ብዙሕ መምህር’ዩ ዘሎ፤ ገሊኡ ምስ ክብሩ ተሰኪፉ እናተለቅሐ፣ ገጽ ኣካረይቲ እናርኣየ ዝነብር፡ ትኪ መጐጐ እናዓፈኖ ዝድቅስ ብዙሕ ኣሎ።

ከም መንግስትን ከም ዩኒቨርሲቲን ብቐሊሉ ክወስድዎም ዝኽእሉ መፍትሒታት ኣለው።

ኣብ ቀጽሪ ዓዲ ሓቂ፡ ንመንበሪ መምሃራን ተባሂሉ ህንጸቱ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ኣሎ፤ ነዚ ሓገዛት ብምትእልላሽ ህንጸቱ ክዛዘም ብምግባር ብርክት ዝበለ መምህር መንበሪ ዝረኽበሉ ኵነታት ምፍጣር ይክኣል እዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተኸፈለና ደሞዝ ንክኽፈለና ከይተሳላቸወ ክሓትት ይግባእ።

‘እንቋዕ ሓዳር ኣይገብርኩ’

ኣብ ቀጽሪ ዓዲ ሓቂ እየ ዝምህር፤ ኣዝዩ ትስፉው ህይወት፡ ጽቡቕ ናይ ስራሕ መንፈስ ስለ ዝነበረኒ፡ ብትምህርትን ሞያን ዓርሰይ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ትዅረት ገይረ ክሰርሕ’የ ጸኒሐ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ተባሂለ፡ ዝሓሸ ማሕበረሰባዊ ተቐባልነት ክብርን ነይሩኒ፤ ስለ ዝዀነ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን ምምሃርን ምስትምሃርን የሕልፎ ነይረ።

ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን እታ ሃገር፡ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት በዚ ሞያ ኣገልጊለ’የ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ምርግጋእን ሰላምን ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ውድቀት ዝስዕብ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ዘምጽኦ ጸገማትን ትሑት ደሞዝን ግን፡ ንነብሰይ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ መነባብሮ ረኺበያ።

ከምቲ ዝብህጐ፡ ዝደለኽዎ መግቢ ክበልዕ፡ መንፈሰይ ኣሐዲሰ ናብ ስራሕ ክምለሰሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ክኸይድ፡ ናይ ምርምርን ትምህርትን መደባተይ ከጻፍፍ ይጽገም እየ ዘለኹ።

እቲ ዘሎ ቅልውላውን ስእነት ሰላምን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ስለ ዝሸመሞም፡ ኣብ ቀዋምን ንሃገር ዘገልግሉ ትካላትን ስራሕትን፡ ኣብ ዓድን ወለዶን ዝሃንጹ ሰባት ዘለዎ ርድኢትን ክብርን ነክዩ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝኸፍአ ዝገብሮ እቲ ዝሓለፈ ኲናት’ዩ፤ ብፍላይ እቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብቲ ዝበጽሖ ዕንወት ህይወትን ንብረትን ጥራይ ዘይኰነ ዝሓለፉ ዕዳታት ኣብ ምኽፋል እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ኣስታት 38 ሽሕ ናይ 18 ኣዋርሕ ዕዳ ክራይ ገዛ’ዩ ነይሩኒ።

ማሕበራዊ ምትእስሳር ንርእሱ ተዳኺሙ ስለ ዘሎ፡ ኣካረይቲ ገዛ ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ዝጸንሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ ከናሕስይሉ ኣይክኣሉን። ወርሓዊ ደሞዘይ፡ ንሰሙን’ውን ኣይትኣክልን።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፍሎ ዝነበርኩ ክራይ ገዛ ወሲኹ 3500 ብር ኰይኑ፤ እዚ ምስቲ ሕሉፍ ተደሚሩ ወርሓዊ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ብር ክፈል ስለ ዝተበሃልኩ ግን በተን ዝተረፋኒ ህይወተይ ክመርሕ ስለ ዘይክኣልኩ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዝርከብ ተምሃሮ ዝሓድሩሉ ክፍሊታት ክኣቱ ተገዲደ።

እዚ ዘሕድረለይ ዘሎ ስነ-ልቦናዊ ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን። ተምሃሮ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ክረኽቡኻ እንከለው ጽቡቕ ኣይስምዓካን፤ ዝሐሸ ኣተሓሳስባን ፍልጠትን እንተሃለወካ’ውን፡ ኣብቲ ዝግብአካ ቦታ ክትርከብ ዘይምኽኣልካ ከቢድ እዩ።

እቶም ተምሃሮ ድማ ነዚ እንርኣዩ፡ መጻኢና ከምዚ እንተዀይኑ፣ ዝሓሸ ትምህርቲ ሒዝና ዝሓሸ ህይወት ዘይንበር እንተዀይኑ ትምህርቲ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

በቲ ዘለኒ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ናብራ ክምስርት ከም ዘይኽእል ስለ ዝተረድኣኒ፡ ኣብዚ እዋን ኰይነ እንኳዕ ውላድን ሓዳርን ኣይነበረኒ’የ ዝብል፤ መብዛሕትኦም ሓዳር ዘይገበሩ መሓዙተይ’ውን ኣይኰነን ሕጂ ሓዳር ክገብሩ ክሓስቡ እንኳዕ ከይገበርኩ ጸናሕኹ ክብሉ’የ ዝሰምዖም።

ከም ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር፡ ብውሑድ ናይ ባዕልኻ ገዛ ሃሊዩካ፡ ብልክዕ ዓዲ ከተገልግለሉ እትሓስቦ ዝግብኣካ ኣተሓሕዛ ክትስእን ምርኣይ ኣዝዩ የሕዝን። ህይወትካ ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ዝሓልየልካ ከም ዘየለ ክትግንዘብ እንከለኻ፡ ንዓድን ህዝብን ኢልካ ንባዕልኻ ክትስውእ ከም ዘይብልካ እዩ ዝርድኣካ።

ስለዚ ናይ ዘይውሕስነት ስምዒት ይስምዓኒ ስለ ዘሎ፡ ካልኦት ኣማራጺታት ክወስድ ይግደድ ኣለኹ። መብዛሕትኡ መምህር’ውን ኵሉ ዓይነት ኣማራጺታት ንምውሳድ’ዩ ተቐሪቡ ዘሎ።

ርግጸኛ ኰይነ ክዛረቦ ዝኽእል፡ እቲ መምህርን ተመራማርን ዘይመርጻ ሓንቲ ነገር፡ ኣብዚ ስራሕ እዚ ምቕጻል’ዩ። ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር፡ ገሊኡ ዓዲ ክቕይር፡ ብትምህርቲ ክወጽእ፡ ኣብኡ ኰይኑ ድማ ካልእ ምንቅስቓሳት ክገብር እዩ ዘመዓዱ ዘሎ። በዚ እንተቐጺሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝዀነ እዋን ክዕጾ ይኽእል።

ኣነ’ውን፡ ኣብዚ ስራሕ እዚ ኰይነ ናብ ካልኦት ከባቢታት እናተንቀሳቐስኩ ክሰርሕ፤ እንተዘይኰይኑ ግን ዝሓሸ ኣታዊ ክረኽበሎም ኣብ ዝኽእል ፕሮጀክታት ትምህርታዊ ወፍሪ ክነጥፍ እየ ዝደሊ፤ እዚ ማለት በቲ ዝተመሃርኩዎ ዝሓሸ ገንዘብ ክረኽበሉ ዝኽእል ዕድላት እየ ዝእልሽ ዘለኹ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ እንታይ ይብል?

ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ኣስታት 2500 መምሃራን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ዝዓበየ ፈደራላዊ ትካል ትምህርቲ’ዩ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ዝበዝሐ ንጥፈታት ምምሃርን ምስትምሃርን እቲ ዩኒቨርሲቲ ተሰናኺሉ ብምጽንሑ፡ ሰራሕተኛታቱ ንኣስታት 17 ኣዋርሕ ደሞዝ ከይተኸፍሎም’ዩ ሓሊፉ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ ናብ ንቡር ስርሑ’ኳ እንተተመለሰ፡ ሕጂ’ውን ሕሉፍ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክኸፍል ኣይክኣለን ዘሎ።

እዚ ጸገም፡ ኣብ ልዕሊ መነባብሮ መምሃራኑን ካልኦት ኣባላቱን ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት የስዕብ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብተደጋጋሚ ንማእከላይ መንግስቲ ይሓትት ከም ዘሎ ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“እቲ ዩኒቨርሲቲ ስራሕ ምስ ጀመረ ናብ ፈደራል መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና፤ ንሓትት’ውን ኣለና። ክሳብ ሕዚ ግን ኣይኽፈለኩምን’ውን ኣይበሉን፤ ክንህበኩም ኢና’ውን ኣይበሉናን” ክብል ምኽትል ፕረዚደንት ኣካዳሚ ዶ/ር ዓብደልቃድር ከድር ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ‘ውን መጺኦም እቲ ኵነታትና ገምጊሞም ክኽፈሎም ኣለዎ ኢሎም’ዮም ኣብ ጸብጻቦም ኣካቲቶም” ክብል እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ከም ዘይረኸቡ ኣብሪሁ።

ኣብዚ እዋን፡ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታቱ፡ ብተደራራቢ ዕዳ ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ዝገለጸ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣስታት 100 ዝዀኑ መምሃራን ንመሕደሪ ተምሃሮ ተባሂሎም ኣብ ዝተዳለው ክፍሊታት ክጸንሑ ብምፍቃድ ግዝያዊ መፍትሒ ክረኽቡ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

“ክሳብ ሕዚ ኣብኡ ክነብሩ ዝሓቱ፤ ግን ድማ ሓቲቶም ዘይረኸቡ’ውን ኣለው’ዮም።"