እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስትን ውድባት ፖለቲካን ዘትዩ
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሀመር ትማሊ ዓርቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካን ዘትዩ።
ኣብ ቀረባ ግዝያት ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ዝተሓረየ እቲ ኣምባሳደር ፈለማ ናብ ዩናይትድ ኣረብ ኤሚረትስን ግብጽን ድሕሪ ምብጻሕ’ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ።
ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ዝተራኸበ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣስዒቡ ምስ ኣቦ መንበራት ኦነግን ኦፌኮን ዘትዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ካብ ዝሽየም ንፈለማ ግዜ ትማሊ ዓርቢ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገጽ ምስ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ፣ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካን ወከልቲ ሓፋሽ ማሕበራትን ተራኺቡ ክዝቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ኣብ ዝተራኸበሉ ግዜ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ውሑስ ሰላም ብዛዕባ ዝረጋገጸሉ መገዲ፣ ቀረብ ረድኤትን ጉዳይ ግድብ ህዳሴን ኣመልኪቱ ከምዘዋግዐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ተበግሶ ሰላም ንምዕዋት ውፉይ ከምዝኾነን ነዚ ዘፈጽም ተደራዳሪ ጉጅለ ኣጣይሹ ስራሕ ከምዝጀመረ ዝሓበረ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን፡ ዘይተገደበ ረድኤት ከምዝቐጸለን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ኣካላት ከኣ ብሕጊ ክሕተቱ ዘግብር ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣቶ ደመቀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቅሩቡነት ይገልጽ ኣብዘለሉ ግዜ፡ “ብወገን ህወሓት ዝርአ ዘሎ ተወላዋሊ መርገጺ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክሰላሰል ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ሰላም ናብ ስግኣት ዘምርሕ’ዩ” ድሕሪ ምባል እቶም ዛጊድ ዝተረኸቡ ተስፋታት ናብ ድሕሪት ከይምለሱ ምእንታ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝጸውዐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ንዝግበር ዝርርብ ቅድመ-ዅነትን ግዜ ገደብን ከም ዝተቐመጠ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ድማ፡ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዘሰማምዕ መዕለቢ ንምብጻሕ ዘኽእል ካብ መትከላዉነት ዝብገስ መርገጺ ከምዘለዋ ዝሓበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትን ብቅልውላው ኣብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ዘይተገደበ ረድኤት ንኽበጽሕ ዝተገበረ ጻዕርን ከምዝነኣዶ ኣመላኺቱ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ግን ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር የለን።
ብዳዉድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግን ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምራሕ ኦፌኮን’ውን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳያት ዘላቒ ሰላምን ቁጠባ እታ ሃገርን ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ኦነግ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ገሊጹ።