እንግሊዛዊት ግዝኣት ንስደተኛታት ዩክረይን ዝቕበሉ ስድራቤታት 600 ፓዉንድ ትህብ ኣላ

ንዩክሬናውያን ስድራቤታት ዘአንግዱ ሓደስቲ ወለንተኛታት ወርሓዊ 600 ፓውንድ ክረኽቡ ምዃኖም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቤት ምኽሪ ከባቢ ኤልምብሪጅ ኣፍሊጡ።

እቲ ወርሓዊ ዝወሃቦም ገንዘብ ነቲ ዝሰርሕዎ ሰናይ ተግባር ንምምስጋን ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ከባቢ ኤልምብሪጅ ቦሮው፡ ካብ ዩክረይን ተሰዲዶም ንዝመጽኡ ሰባት ቤቶም ንዘርሓዉ ደቂ ዓዲ፡ ኩነታት መነባብራኦም ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ገንዘብ ክህቦም ዝወሰነ።

እቲ መደብ ኣብ መጋቢት 2022 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤልምብሪጅ ልዕሊ 300 ስድራቤታት ንኣስታት 600 ተመዛበልቲ ዩክረይናውያን ኣአንጊደንን ደጊፈንን።

እዚ ሓድሽ ተበግሶ ኣብቶም ኣብ ኤልምብሪጅ ዝነብሩ ግን ከኣ ካብቲ ሕጂ ዘለዉዎ ኣአንጋዲ ክቕይሩ ዝደልዩ ስድራቤታት ወይ ውልቀሰባት ዘተኰረ እዩ።

“ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ኣይኮኑን ዝገብርዎ ዘለዉ” ትብል ጂኒ ትዊዲ፡ ዳይረክተር ናይቲ ስደተኛታት ናብቲ ከባቢ ዝቕበል ንእሽቶ ትካል ግብረ ሰናይ ኤልምብሪጅ ካን።

ንሳ ኣስዒባ “ምስ’ቲ ዘሎ ኩነታት ናብራ ምኽባር እሞ ድማ ካልእ ሰብ ተወሲኹካ እቲ ካብ ቤት ምኽሪ ዝወሃብ ገንዘብ ምህላዉ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ’ዩ” ኢላ።

“እቶም ንስደተኛታት ዩክረይን ዝቕበሉ ኣእንገድቲ ሰባት በይኖም ከምዘይኮኑን ኣብ ጐኖም ዝሕግዞም ትካል ከምዘሎን ክፈልጡ ኢና ደሊና” ትብል።

ኣብ 2016 ንቅልውላው ስደተኛታት ሶርያ ንምሕጋዝ ዝተጣየሸ ኤልምብሪጅ ካን፡ ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ሓደ ብምምጻእ ንሓደስቲ ስደተኛታት ብውህደት ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ማእከላት የካይድ፣ ብትርጉም ዝሕግዙ ክልተ ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ድማ ንስደተኛታት ይሕግዝ።

ሚስ ትዊዲ፡ “ስደተኛታት ኣብዚ ምስኣተዉ ብቋንቋን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ከይጽገሙ ዝሕግዙ ኣስታት 100 ወለንተኛታት ኣለዉና” ኢላ።