እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ መዓልታዊ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ሩስያ 'ተቐቲሎምን ቆሲሎምን'
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ መዓልታዊ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ሩስያ 'ተቐቲሎምን ቆሲሎምን' ተባሂሉ።
ዩክረይን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እታ ወራሪት ሃገር ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ዝኸፍአ ክሳራ ከምዘጋጠማ ሓላፊ ስታፍ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣድሚራል ሰር ቶኒ ራዳኪን፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 1500 ኣባላቱ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ” ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን፡ እዚ ድማ እቲ ኲናት ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ቍጽሪ ዝተቐተሉን ዝቘሰሉን ወተሃደራታ ናብ 700 ሽሕ ከምዝበጽሖን ገሊጹ።
ሩስያ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራታ ኣይገለጸትን።
እንተኾነ ሰበስልጣን ምክልኻል ምዕራባውያን ሃገራት ግን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሞቱ ወተሃደራታ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝኸበደ ምዃኑ ይሕብሩ።
ሰር ቶኒ ምስ ቢቢሲ መደብ ‘ዋንስ ሰንደይ’ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ህዝቢ ሩስያ ንወራር ፑቲን "ፍሉይ ዋጋ" ይኸፍል ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ሩስያ ኣስታት 700 ሽሕ ወተሃደራታ ሞይቶምን ቆሲሎምን፤ እዚ ድማ ህዝቢ ሩስያ ብሰንኪ ህርፋን ፑቲን ክጻወሮ ዝግደድ ዘሎ ዓቢ ቃንዛን ስቓይን'ዩ" ይብል ሰር ቶኒ።
እቲ ክሳራታት ከኣ "ንቍራስ ወሰኽ መሬት" ከምዝኾነ ገሊጹ።
"ሩስያ ስልታዊ ዝዀነ ግዝኣታዊ መኽሰብ ትረክብ ምህላዋን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎን ዘጠራጥር ኣይኮነን" ክብል’ውን ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሩስያ ልዕሊ 40 ምኢታዊት ካብ ህዝባዊ ወጻኢታታ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ተውዕሎ ከምዘላን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር "ኣዝዩ ገዚፍ ብኽነት" ከምዝዀነን ኣረዲኡ።
መሓዙት ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀኑ ኣካላት፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ግጭት ንምውዳእ መሬት ክህብ ክግደድ ከምዝኽእል ከአንፍቱ እንከለዉ፡ ሰር ቶኒ ግን ምዕራባውያን መሻርኽቲ "ክንዱ ዝወሰደ ይውሰድ" ነቕ ዘይብል መርገጺ ከምዘለወን ኣረጋጊጹ።
ትራምፕ፡ ቀዳምነቱ ነቲ ኲናት ምቁራጽን ነቲ ከም ምብኻን ጸጋታት ኣመሪካ ዝገልጾ ብመልክዕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንዩክሬን ዝግበር ገንዘባዊ ደገፍ ምግታእን፡ ምዃኑ ብቐጻሊ ይዛረብ።
እዚ፡ ብኣብ ግብሪ ብኸመይ ክፍጽሞ ከም ዝሓሰበ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይገበረን ዘሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ፑቲን ንትራምፕ ኣብ መረጻ ብምዕዋቱ እንቋዕ ሓጎሰካ ዝበሎ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ኣብ ምባል ክሕግዝ ይኽእል እየ ዝብል ዘረባ ትራምፕ "ብውሑዱ ቆላሕታ ይግብኦ" ምባሉ ይዝከር።
ንትራምፕ ዝቃወሙ ሰልፊ ዲሞክራትስ ግን፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ባህ ንምባል ከምዝጽዕር ብምኽሳስ፡ ኣብቲ ኲናት ዝወሰዶ ስጉምቲ ከኣ ዩክረይን ኢድ ክትህብ ምስ ምግባር ዝመጣጠንን ንመላእ ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ ይብሉ።
ትራምፕ ኣብ 2016ን 2024ን ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ፖለቲካዊ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ብራያን ላንዛ፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር፡ "ብሩስያ ዝተታሕዘ መሬት ክትመልስ ኣብ ምኽኣል ዘይኰነስ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክረጋገጽ ኣብ ምግባር" ከምዘትኵር ገሊጹ’ሎ።
ላንዛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ናተይ ዝብሎ "ክውን ራእይ ሰላም" ንከቕርብ ክሓቶ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ትራምፕ ግን፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ምስ ዘረባ ላንዛ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ሚስተር ላንዛ "ንዕኡ ወኪሉ ኣይዛረብን" ኢሉ።
ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ሃገሩ “ውጥን ዓወት” ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ድማ ንመሬታትን ልኡላውነትን ዩክረይን ኣሕሊፍካ ምሃብ ንዝብል ሓሳብ ምንጻግ ዘጠቓለለ’ዩ።
ሩስያ ነቲ ውጥን ከምዝነፀገቶ ይዝከር።