ዶ/ር ቴድሮስ: ሓደ ካብ ኣዝዮም ጸለውቲ 100 ሰባት ኰይኑ ንኻልኣይ ግዜ ተረቚሑ

ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጸለውቲ ዝበሎም 100 ሰባት ወግዓዊ ዝገብር ታይምስ መጽሔት፡ ኣብ ዓመተ 2025 ጽልዋ ዘሕደሩ ካብ መንጐ ዝበሎም 100 ሰባት፡ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ግዜ ረቊሑ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብቲ ብዓል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኤሎን መስክን ዝርከብሉ ምድብ መራሕቲ (Leaders) ብምስራዕ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ጸለውቲ ዝተብሃሉ ሰባት ሃደ ኰይኑ።

ኣብ 2020 መጽሔት ታይም፡ ማዕረ ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ኣብ ምርግጋጽ ብዝተጻወቶ ወሳኒ መሪሕነት እዩ፡ ኣብ ዝርዝር ጽልዋ ዝፈጠሩ ሰባት ዓለም ኣስፊሩዎ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ'ዚ ዝርዝር ምእታወይ፡ ነቶም ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝርከቡ መሳርሕተይ'ውን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ መራሕቲ ዝብል ምድብ፡ ሓድሽ መራሒ ሊብያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ፕረዚደንት ቦትስዋና ዱማ ቦኮን፡ ዝሓለፈ ዓመት ብ50 ሚልዮን ዶላር ዝግመት 'ኣፍሮ ፊልም ፈንድ'ዝብል ንኣፍሪቃዊ ፊልም ዝምውል ትካል ዝመስረተት ሞ ዓብዱ እውን ተኻቲቶም ይርከቡ።

እቲ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም ኣፍሪቃ ዘተኰረ ውጥን፡ ብዛዕባ ግጉይ ተረኻት (ትረኻታት) ኣፍሪቃ ንምቕያር፡ ከምኡ'ውን እታ ኣህጉርን ህዝባን ኣብ 'ስክሪን' ንዝቐርብሉ ኣገባባት ኣብ ምዕራይ ይግደስ።

ከምኡ'ውን' ቀዳማይ ምኒሰተር እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ካብ ንእስነት ዕድሚኡ ጀሚሩ፡ ኣንጻር ፍርዲ ሞት ብምጕስጓስ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብምኽንያት ኣብ ደሞክራስን ፍትሕን ዘለዎ ጽኑዕ ቅዋም መጽሔት ታይም ካብቶም ጸለውቲ መራሕቲ ሓደ ገይሩ ረቚሑዎ።

ንእሽቶ ብዛዕባ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣብቲ ቫይረስ ኮሮና ንዓለም ዘንቀጥቀጠሉ እዋን፡ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝመርሐ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ካብ ቻይና ክሳብ ኣመሪካ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ተጻዊሩ ሓሊፉ።

ኣዕይንቲ መላእ ዓለም፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ተውጽአን ቃላት ዘቋምታ ክዀና ከለዋ፡ እሞ ድማ ለበዳ እቲ ሕማም እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ጸቕጢ ከቢድ ከም ዝነበረ ይዝረብ።

ነዚ ኵሉ ጸቕጥታት ጸይሩ ዝቐጸለ፡ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እዩ።

ንሱ፡ ግንቦት 2017 ነቲ ዓለማዊ ውድብ ከም ዘመሓይሾን በብዓመቱ ብሚሊዮን ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐዝፉ ዘለዉ ሕማማት ዓሶ፡ ንፍዮ፡ ነድሪ ሳምቡእ ህጻናት ወይ ኤችኣይቪ ኤድስ ከም ዝቃለስን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ድማ ኣባላት ስድርኡ ከይተረፉ ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ናብቲ ክልል ቀረባት መድሓኒትን ረድኤትን ከይኣቱ ምኽልካሉ ስለ ዝዀነነ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፋሕቲ ክስታት ኣተኣናጊዱ እዩ።

'ምዕሩግን ምቕሉልን'

ነቲ ወዲ 60 ዓመት ቴድሮስ ዝፈልጡዎ ሰባት፡ "ምዕሩግ" ከምኡ'ውን "ምቕሉል" እናበሉ ይገልጹዎ።

ቴድሮስ ተምሃራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ሓዉ ብምኽንያት ንፍዮ ከም ዝሞተ ፈሊጡ።

በዚ ሕማም ዘጋጥም ሞት፡ "ኣይተቐበልኩዎን፣ ሕጂ'ውን ኣይቅበሎን፡" ከም ዝበለ መጽሔት ታይም ጽሒፉ ነይሩ።

ካብ 2005 ምኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ምስ ኰነ፡ ኣብታ ሃገር ቀረብ ትካል ጥዕና ብምምሕያሹ ናእዳ ኣትሪፍሉ'ዩ።

ታይም ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ንኻልኣይ እብረ ነቲ ውድብ ዝመርሕ ዘሎ ቴድሮስ፡ "ንዓለምለኻዊ ጥዕና ህያብ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ልዕሊ 194 ሃገራት ንዝርከቡ ንጥዕና ሰባት ሓላፍነት ዝስከም ዓለማዊ ትካል፡ ብዘደንቕ መንገዲ፡ "ብትብዓትን ጥበብን ተሰኪሙዎ እዩ፡" ክበል ይንእዶ።

"ኣመራርሓኡ መትከላዊ፣ ሓቀኛን ኣብ ውጽኢት ዝተመኰሰን እዩ፡" ይውስኽ።