እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ'
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም እዩ ነይሩ፤ ጓል 24 ዓመት ኬሊ፡ ካብ ዶሃ ናብ ለንደን ጋትዊክ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቀጠር ተሳፊራ ነይራ።
እቲ ነዊሕ በረራ ናብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተገብረ ጕዕዞ ዝቐጸለ እዩ።
ድሕሪ ናይ ኣድካሚ መዓልቲ ጕዕዞ፡ ንነብሳ ብኮቦርታ ተሸፊና፡ መዳመጺ ኣብ እዝና ሰዂዓ ሙዚቃ እናሰምዐት ከላ፡ ድቃስ ዕዝር ኣቢሉዋ።
ኣብ ስክሪና ተወሊዑ ዝነበረ ሰላሕታ ድምጺ - ፊልም፡ ኣብቲ ከውታ ለይቲ ከተዕርፍ ሓጊዙዋ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጐኡ ሓደ ዘይሓሰበቶን ዘየስተንተነቶንን ነገር ኣጓኒፉዋ።
እታ ነፋሪት ቅድሚ ምዕላባ ክልተ ሰዓታት ኣቐዲሙ እዩ።
እታ መንነታ ንምዕቃብ 'ኬሊ' እናበልና እንጽዋዓ ዘለና ተሳፋሪት፡ ኣብ ጐድና ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ኣበራቢሩዋ።
ካብ ድቃሳ ጥራይ ግን ኣይኰነን ኣበራቢሩዋ፡ ብድቑሳ ኣነዋሪ ጾታዊ ዓመጽ እዩ ፈጺሙላ።
እቲ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ሕጂ ተኣሲሩ'ሎ፤ ኬሊ ግን መዓልታዊ ህይወታ ኣብ ጭንቅን ሓዘንነን ጥሒላ ኣላ።
ነዚ ድማ ግቡእ ካሕሳ ክትረክብ ትቃለስ ኣላ።
ብዛዕባ ተጓንፎኣ ንመጀመርታ ግዜ እያ ንቢቢሲ ተቃልዕ ዘላ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ ሰብኣይ ቅድሚ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ንክልቲኦም ዝሽፍን ዓብዪ ኮበርታ ስሒቡ ደብዲቡዋ።
"ኣእዳዉ ኣብ ውሽጢ ስረይ ኣእትዩዎ ረኺበዮ፡ ሰንቢደ 'እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ?' ምስ በልኩዎ፡ 'ኣይፋልን በጃኺ' ኢሉ ኣገዲዱኒ።"
"ኢዱ ብሓይሊ ካብ ስረይ ስሒበ ኣውጺአዮ፤ ካብኡ በቃ ብኡንብኡ ክትንስእ ክኢለ። ተለፎነይ ገዲፈ፡ ቦርሳይ ገዲፈ፡ ፓስፖርተይ ገዲፈ፡ ኵሉ ኣብኡ ገዲፈዮ፤ ጫማይ ገዲፈ ናብ ሽቓቕ ጐይየ፡ ነቲ ማዕጾ ክፉት ገይረ ጸኒሐ፡ ነታ ኣሳሳዪት በረራ ነጊረያ፡" ትብል።
ኬሊ፡ ቅድሚ ኣብ ውሑስ ቦታ ምርካባ፡ ኣብ መጀመርታ ናብ መንበር ሰራሕተኛታት እያ ተወሲዳ ከተዕርፍ ተገይራ።
"እቲ ዝተረፈ ናይ ነፋሪት ጕዕዞ ክጻወሮ ነይሩኒ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ኣዝየ ተጨኒቐ ነይረ... ዝዀነ ዝሓልፍ ሰብ ንሱ ክኸውን'ዩ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እናሻዕ እስንብድ ነይረ።"
እቲ ወዲ 66 ዓመት ሞማደ ጁሳብ፡ እታ ነፋሪት ናብ ጋትዊክ ምስ ኣተወት ሽዑንሽዑ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ብድሕሪኡ ብኽልተ ዓይነት ገበናት ጾታዊ መጥቃዕታት ተኸሲሱ። ኣብ መጋቢት ብዝተዋህበ ብይን፡ ጥፍኣተኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
ሕጂ ድማ ናይ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ተፈሪዱ ይርከብ።
ኬሊ ግን፡ እቲ ሰብኣይ ዋላ እኳ ተፈሪዱ ምህላዉ እንተ ተሓጐሰት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘስዓቦ ጽልዋ ግን ከቢድ ምዃኑ ገሊጻ።
"ካብ ዘይወጽእ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኮይኑኒ ኣሎ፣ ምስ ኣዕሩኽተይ ናብ ፍጻመታት ወይ ናይ ድግሳት ከይደ ኣይፈልጥን። ከምኡ ክገብር ኣይክእልን እየ። ኣዝየ ፈራሕ ኰይነ። ክትንከፍ ወይ ክረአ ኣይደልን፣ ስለዚ ፈጺሙ ኣይገድፈንን እዩ። ቃል ብቓሉ ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ ቅድሚ ምድቃሰይ ኣብኡ ኣሎ። ብዛዕባ እንታይ ከም ዘጋጠመ ይሓስብ ኣለኹ።"
ካሕሳ ኣይረኸበትን
ሕጂ ኬሊ ብመሰረት መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ዘውጽኦ መደብ ካሕሳ ጾታዊ መጕዳእቲ፡ ካሕሳ ንምርካብ ትቃለስ ኣላ።
እቲ ውጥን፡ ብሰንኪ ዓመጽ ዝመልኦ ገበን ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ መጕዳእቲ ንዝበጽሖም ሰባት ይኽሕስ።
ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ ግዳያት ጾታዊ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ካሕሳ ክወሃብ ይኽእል።
ኬሊ ኣብ ሚያዝያ ነቲ ውጥን ካሕሳ ምስ ኣመልከተት ግን ሕቶኣ ተነጺጉ።
ካብ ብዓልመዚ ካሕሳ ገበናዊ መጕዳእቲ ዝተጻሕፈ ደብዳበ - እቲ ገበን ከምቲ እቲ ውጥን ዝተገልጸ 'ቦታ' ከም ዘይተፈጸመ ይሕብር።
ነቲ ውሳነ ይግባይ'ኳ እንተ በለት፡ ኣብ ግንቦት ግን መሊሱ ክሳ ተነጺጉ።
ኣብ ትካል ሊግ ዳይ ዝርከቡ ጠበቓታታ፡ እቲ ውሳነ "ዘይርትዓዊ" ምዃኑ ይምጕቱ።
እዚ "ብመንጽር እዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ንምፍታሕ ዘለዎ ተወፋይነት"፡ እቲ ዓንቀጽ ብህጹጽ ክቕየር ትቃለስ ኣላ።
ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ፍትሒ፡ "ብሓሳብ ምስዛ ግዳይ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ብፍርቂ ንምንካይ ኣብ ዘለና ተልእኾ ድማ ቈራጽነት ኣለና፡" ኢሉ።
ካሕሳ ክትረክብ ቀፃሊ ቃልሲ ተካይድ ዘላ ኬሊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝጓዓዛሉ እዋን፡ ብፍላይ ድማ በይነን ኣብ ዝዀንናሉ እዋን፡ ብዛዕባ ከባቢአን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ካልኦት ክፈልጣ ከም ዝግባእ ኣትሪራ ትዛረብ።