‘ጓል፡ ጓል ብምዃና ጥራይ ቈንጆ እያ’ - ማህሌት ብርሃነ

ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ደቀንስትዮኡ ዝተፈላለየ መዐቀኒን መግለጽን ጽባቐ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ግዳማዊ ቍንጅና ዝያዳ ትዅረት ይወሃቦ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ውሽጣዊ ጽባቐ ዝያዳ ይድነቕ። ኣብ ንግዳማዊ ቍንጅና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጽብቕቲ ንኽትብሃል፡ ቁመት፡ ቅጥንጥን ዝበለ ሰብነት፡ ዘውዘው ዝበለ ጸጕሪ ርእሲ፡ ብስድሪ ዝዕተር ሽምጥን ቅርጺ ኣካላትን፡ ካልእ ብዓይኒ ዝርአ ዝርዝራት ይርቋሕ።

ኣብ ሕብረተሰብና ከኣ ምናልባት ካብዚ ኣጠማምታ ብዝመስል፡ ነቲ ረቛሒታት ዘየማልኣ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነብሰን ንውድድር ቍንጅና ክሰርዓኣ ኣይደልያን። ማህሌት ብርሃነ ግን ፍልይ ዝበለ ርእይቶ እዩ ዘለዋ።

“ሓንቲ ጓል ጓለንስተይቲ፡ “ጓል” ብምዃና ጥራይ ቈንጆ እያ ኢላ ትምጕት። ይትረፍ እቲ ንግዳማዊ ቍንጅና ዝገልጽ ዝርዝራት ዘይብላ ጓል፡ ዝዀነ ኣካላዊ ጸገም እውን እንተለዋ፡ በቲ ተፈጥሮ ዝዓደላ ናይ ኣልያን ምሕብሓብን፡ ብሓፈሻ ኣደ ናይ ምዃን ትዕድልቲ ጥራይ ልዕሊ ማንም ጽብቕቲ እያ።

"ትካላት ንግዲ ከከምቲ ከወዓውዓኦ ዝደልያ ምህርቲ ዝተፈላለየ መልክዕን ቅርጽን ዘለወን፡ ኣብ ገሊኡ ሓጸርቲ ኣብ ገለ ነዋሕቲ፡ ነዊሕ ጸጒሪ ርእሰን ምልኩዓት፡ ኣብ ገሊኡ ደምሃይ ሕብሪ ቆርበተን ግሩማት ስለዝመርጹ እምበር፡ ብናተይ ኣመላኻኽታ ኵለን ደቀንስትዮ፡ በቲ ባህሪ ዝዓደለን ተውህቦ ምልኩዓትን ግሩማትን እየን” ትብል።

ማህሌት ብርሃነ ኣምባሳደር ናይቲ ንደቀንስትዮ ‘እንቁ ሴት ንቁ ሴት’ ዝተባህለ፡ ንደቀንስትዮ ኣብ ምሕያል ዝነጥፍ ትካል ኰይና፡ ኣብ ሚስ ኣፍሪካ ኢንተርናሽናል 2023 ብምዃን ዘውዲ ደፊኣ ስማን ስም ሃገራን ኣጸዊዓ።

‘ብዩቲ ኦፍ ኣፍሪካ ኢንተርናሽናል’ ፡ ኵለን ደቂኣንስትዮ ክብሪ ኣለወን ዝብል መሪሕ ቴማ ብምሓዝ ኣብ ጋና ዝተኻየደ መደብ እዩ ። ማህሌት ድማ ንኢትዮጵያ ብምውካል ተዓዊታትሉ።

ንጓል ኣንስተይቲ ኣነኣኢስካ ናይ ምርኣይ ልምዲ ስለዘሎ፡ ንጓል ዝተፈላለየ ጾታዊ ይዅን ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ እዩ። ብዙሕ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ዓው ኢላ ዘይትዛረበሎም ዝወርድዋ ብዙሓት ፈተናታት እውን ኣለዉ። ምሽዳድ፡ ምቍንጻብ፡ ምንእኣስ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣሉታዊ ቃላት ምውርዋርን ገለ ካብኡ እዩ።

ኣብ ቦታ ስራሕ ንስኺ ከምዚ ይጐድለኪ’ዩ፣ እዚ ውሒዱኪ እናተባህለ ኣብ ገዛእ ርእሰን ዘለወን ኣመለኻኽኸታ ክሳብ ዝበላሾን ርእሰ ተኣማንነተን ክሳብ ዘጥፍኣን ዝገብሩ ሰባት ኣለው።ማህሌት እውን ብከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሽዳድ ተመኵሮ ስለዝሓለፈት፡ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ዕላማኣ ንምብጻሕ መጀመርያ ክትከላኸሎ ዘለዋ ርእይቶ ሰባት’ዩ ትብል።

“ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ዝተፈላለየ ማዕበላት ሰጊራ እንድሕር ወጺኣ እያ ሓያል እትበሃል። ስለዚ ዓላማኺ ዝመጻኽሉ ምፍላጥን መወዳእታ ኣበይ ክበጽሕ ይደሊ ዝብል ሚዛናዊ ዝዀነ ሸቶን ክህልወኪ ኣለዎ፤ ወሳኒ ኢድካ ዘይምሃብ እዩ። ንሰብ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ንላዕሊ ከጋጥሞ ዝኽእል ሽግር የለን’ ምኽንያቱ ዘጋጠመ የጋጥም ተስፋ እንተዘይቈሪጽካ ስዒርካ ምውጻእካ ዘይተርፍ እዩ። ተስፋ እንተቘሪጽካ ግን ኣብኡ እዩ ዘብቅዕ።

ስለዚ ፈተና እንተመጺኡ ካብዚ እንታይ ተማሂረ ክወጽእ ኣለኒ ኢላ ክትሓልፎ ክትጽዕር እምበር ኣብኡ ክትተርፍ የብላን። ምኽንያቱ እታ ጸኒዓ ንዅሉ ዝሓለፈት ጓል ጥዑይ ወለዶ ከተፍሪ ትበቅዕ፡" ትብል።

ብዓለም ደረጃ ዘይቅቡል ክነሱ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብና ዝስማዕ ኣሉታዊ መጥቃዕቲ ቃላት፡ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ካብ ራኢአን ንድሕሪት ከምዝተርፋ ይገብረን እዩ። ማህሌት እውን ግዳይ ናይ ከምኡ ዓይነት ጸቕጢታት ብምዃና፡ ኣብ ሂወታ ኣነስ ዝጠቅም ሰብ ኣይኰንኩን ብምባል ርእሰ ተኣማንነታ ንኽጐድል ጽልዋ ከምዝገበረላን ተዘንቱ።

"ንዓይ ዝወረደኒ ስነ ኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ እዩ። ሕጂ ግን እንቛዕ በዚ ሓለፍኩ እብል፤ ምክንያቱ ሕጂ ነዚ ዅሉ ሰጊረ ኣብዚ ደረጃ እዚ በጺሐ ነተን ከምዚ ጸገም ዝሓልፋ ዘለዋ ኣብ ቦትአን ኣትየ ክርድአንን ክሕግዘንን ስለዘኽኣለኒ፡" ብምባል ኣብ ሂወት እንሓልፎ ፈተና ጽቡቕ ነገር ምሂሩና ከምዝሓልፍ ተረድእ።

ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብዝተፈላለየ መዳይ፡ ኣብ ህይወትካ ገለ ጽልዋ ኣለዎም። ገለ ዝደቝሱኻ ክዀኑ እንከለዉ ገለ ድማ ዘበራትዑ እዮም። እዚኣቶም ድማ ነቲ ንስኻ ዘይረኣኻዮ ብርቱዕ ጐድንኻ እናዘኻኸሩ ካብ ኣቲኻዮ ዘለኻ ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ የልዕሉኻ እሞ ንስኻ እውን ደልዲልካ ምስ ቈምካ ንኻልእ ተስፋ ክትህብ ትኽእል።

ንማህሌት ‘ውን ኣብ ዙርያኣ ዝነበሩ መሓዙታን ገለ ምሁራን ስነልቦንናን ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ተስፋ ምቝራጽ ንኽትወጽእን ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝሓሸ ኣረኣእያ ክህልዋ ሓይሊ ኰይኖምዋ።

ወለዳ ምሁራት ብምዃኖም ተራ ምህርቲ ጓለንስተይቲ ዝርድኦም እዩ። ስለዝዀነ ጓሎምተማሂራ ብዅሉ መዳይ ርእሳ ክትክእል ብምሕላን ገና ጓል 3 ዓመት እንከላ እዮም ትምህርቲ ኣጀሚሮማ። ጐድኒ ጐድኒ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ድማ ነቲ ዘለዋ ዝንባለታትን እናተዓዘቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክረምታዊ ዓበይትን ንኣሽቱን ኮርሳትን ብምምሃር ንመጻኢኣ ኣማእዚኖምዎ።

"ብዙሕ ነገር እናሕለፋ ሂወተን ንደቀን ዝስዋኣ ብዙሓት ጀጋኑ ኣደታት ኣለዋ። ደቀንስትዮ ብካብ ማሕበረሰብ ዝመጽእ ተጽዕኖ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍጠር ጸገማትን ይጸልዋ ክነሰን ንዅሉ ብምብዳህ ካብ ዕለታዊ ተግባረንን ሓልዮተንን ኣይጓናደባን እየን። ዝዀነት ኣደ ምሸት ሓሪቓ፡ ደኺማ ዋላ ትደቅስ ንግሆ ግን ተንሲኣ ንዅሉ ሓላፍነታ እያ እትዋጽኦ።

"ተስፋ ክትቈርጽን ክትጭነቕን ኣይትርእያን ኢኻ። ኣደይ'ውን ብተመሳሳሊ ምስ ሰባት ብኸመይ ትረዳዳእ፡ ኣብ ሂወት እንታይ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነገር ጽቡቕ ጌራ ኣርኣያ ብምዃን ተስፋ ኣብ ዝቘርጸሉ ሰዓት ኣጆኪ ተንስኢ ክሓልፍ እንድዩ ብምባል ተበራታትዓኒ ኔራ፡" ብምባል ተራ ወላዲታ እውን ዕዙዝ ምንባሩ ትጠቅስ።

ምናልባት ወለዲ ኣብ ሂወት ደቆም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ዘይህልው፡ "ኵሉ ሰብ ብዓይኒ ፈጣሪ ክቡርን ከም ዝዀነ ክፈልጡ ኣለዎም። መጀመርያ ንሰብ ልዕል ዘብሎ ኣብ ፈጣሪኡ ምትእምማኑ እዩ፡" ስለዝዀነ ኣነ ክቡርን ብሉጽን እየ ብምባል ምስ ነብሶምን ምስ ፈጣሪኦምን ኰይኖም እወታውነትን ምስጋናን ዝመልኡ ምስ ዝዀኑ ኣብ ጕዕዞ ሂወት ኣዝዩ ከምዝሕግዞም ትዛረብ።

ሰባት መወዳድርተይ ድዮም ኣበራታዕተይ ኢልካ ክትሓስብ እንተጀሚርካ ኣተሓሳስባኻ ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል ርድኢት ዘለዋ ማህሌት፡ ነገራት ብኣወንታ ምርዳእን ምዝራብን እምበር ንሓድሕድካ ምብልላዕ ትርጕም ስለዘይብሉ፡ ሰባት ኣብ ሂወቶም ካብ ነብሰ-ምትሓት ምቅንናእን ኣጕል ምትህልላኻትን ክወጽኡ ትመክር።

ደቀንስትዮ ኸኣ ብፍላይ፡ ካብ ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ዝነቅል ዝወርደን ነገራት ተጻዊረን፡ ንሳተን ጽቡቓት፡ ክቡራትን ሕፉራትን ምዃነን ክፈልጣ፡ በርቲዕን ክሰርሓን ሓያላት ምዃነን ክዝክራን ትላቦ።

"ኣነ፡ ድሕሪዚ ዅሉ ዝገጠመኒ በርቲዐ ወጺአ ኣብ ዓቢ መድረኽ ሃገረይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣፍሪቃ ወኪለ ክዕወት እንከለኹ፡ እታ ኣነን ስድራይ ኣመና ዝተሓጐስናላን ዝዀራዕናላን ኣጋጣሚ ነይራ፡" ብምባል፡ ንዅሎም ብዛዕባ "ገዛእርእሰይ ዝሓሸ ኣመላኻኽታ ክህልወኒ፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ንኽበጽሕ ብሞራልን ፋይናንስን ዝሓገዙኒ የመስግኖም፡" ኢላ።

ማህሌት መን እያ?

ኣብ ኣብ መቐለ ተወሊዳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መርሃ ጥበብ ተማሂራ። ብድሕር’ዚ ስድራቤታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ስለዝገዓዙ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ጊብሰን ኢንተርናሽናል ስኩል ዛዚማ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ድማ ብሲቪል ኢንጂነሪን ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ። ኣብዚ እዋን ድማ ብዘይካ ኣብ ሞዴልነትን ኣብ ናይ ምወዕዋዕ ስርሓትን፡ ደቀንስትዮ ምብርታዕን ኣምባሳደር ‘ንቍ ሴት እንቍ ሴት' ኰይና ትነጥፍ ኣላ።

ዕንቊ ዝዀነት ጓል ምሰትነቅሕ ጥራይ እያ ካብ ርሑቕ እትልለ። ስለዚ ‘ንቍ ሴት እንቍ ሴት’ ካብ ንኣሽቱ ክሳብ ዓበይቲ ደቀንስትዮን ኣደ ዓባያት ዝኣኸላ ኣደታትን ዝሓቘፈ ትካል ኰይኑ፡ ኣብ ዝኸዳኦ ከም ዕንቊ ካብ ርሑቕ ዝረኣያ ኣብነታውያን ክዀና ንክኽእላ ምትብባዕ’ዩ ስርሑ።

ነተን ብዙሕ ዓቕሚ እንከለወን ባይታ ዘይረኸባ ደቀንስትዮ እውን ባይታ ብምፍጥር ንኽዓብያ ይሕግዝ። ማህሌት እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ከምዚ ንዝኣመስላ ደቀንስትዮ ብምብጻሕ ናይ ኣምባሳደርነት ስርሓ ትዓምም።