ኮፕ20፡ ዋጋ 'ትሪልዮን ዶላር' ዝተበሃለ ዓቢ ሕቶ እንታይ እዩ?

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ዓመታዊ ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ፡ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ዘሎ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንምግታእ ዝሕግዝ ስጕምቲ ክውሰድ የተስፍዉ ይዀኑ።

እንተዀነ፡ እቲ ዋዕላ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዘርባጃን ባኩ ዝካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ምስ ጋዝን ነዳድን ዘለዋ ጥቡቕ ምትእስሳር፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይፈጥር ይስጋእ ኣሎ።

ፕረዚደንት እታ ኣአንጋዲት ሃገር 'COP29' ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢልሃም ኣሊየቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነዳድን ጋዝን "ህያብ ኣምላኽ እዮም" ምባሉ ድሮ የዘራርብ ኣሎ።

እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ምህርቲ ጋዝ ክሳብ ሲሶ ከተስፍሕ መደብ ከምዘለዋ'ውን ወሲኹ ዝተዛረበ ዀይኑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምላሽ ዝሃበሉ ይመስል።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ቅሩብ ፀኒሑ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣጠቓቕማ ነዳዲ ብዕጽፊ ንምውሳኽ ምሕሳብ "ዕሽነት" እዩ ኢሉ።

ንዛዕባታት ለውጢ ኣየር ዓለም ዘይግደስ ተባሂሉ ዝሕመ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ልዕለ-ሓያል ሃገር ኣመሪካ ኰይኑ ምምራፁ ድማ ካልእ ሕማም ርእሲ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንን ፕረዚደንት ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መራሕቲ ዓለም ኣብቲ ዋዕላ ኣይሳተፉን ዘለዉ።

ናይዞም መራሕቲ ዓለም ምብኳር፡ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዛዕባ ብዙሕ ትጽቢት ከይግበር ሕቶ ፈጢሩ ይርከብ።

ቀንዲ ውራይ

ቀንዲ ጉዳይ እቲ ዋዕላ፡ መጠን ልቀት ሓደገኛ ጋዛት ምንካይ፡ ብፍላይ ድኻታት ሃገራት ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ንኽጻወራን ኣንፈተን ናብ ጽሩይ ምንጪ ጸዓት ንከዝራን፡ ዝሕግዝ ገንዘብ ምርካብ እዩ።

እቲ ቀንዲ ትፅቢት ድማ፡ ካብ ሃብታማት ሃገራት፡ ናብተን ‘ደቡባዊ ዓለም’ እናተበሃላ ዝጽውዓ ኣዝየን ዝተሃስያ ድኻታት ሃገራት ፋይናንሳዊ ደገፍ ንኽውሕዝ መብጽዓ ምእታው እዩ።

ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ [ንኣፍሪቃ ወኪሉ] ኣብ ዝተረኽበሉ አዘራረቢ ልዝብ፡ እተን ንጠንቂ ክሊማ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝስከማ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ዓመት 100 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስ ክሊማ ከበርክታ ቃል ኣትየን ነይረን።

ብመሰረት እቲ ዝርርብ፡ ዝበዝሕ እቲ ገንዘብ ናብተን ብግጭት፣ ሕማምን ድርቅን ዝሳቐያ ሃገራት ኣፍሪቃ ክውዕል እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ውጥን ሕልሚ ኰይኑ ተሪፉ።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ እቲ ዓመታዊ ዝድለ መጠን ኣሃዝ ብ‘ትሪልዮናት’ ዝግመት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

'ንባርዕ ጫካ ብኩባያ ማይ ክትቃለሶ ምፍታን’ዩ'

ኣብ ዋዕላ ክሊማ ተወዲበን ንዝላዘባ 45 ድኻ ሃገራት ዝሓቘፈት ሓንቲ ጕጅለ ጥራይ፡ ኣባላታ ሓድሽ ውጥን ክሊማ ንምትግባር ኣብ 2030 ዓመታዊ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድልያ ኣፍሊጣ ኣላ።

እቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝውክል ኣፍሪቃዊ ጕጅለ ብወገኑ፡ ምዕቡላት ሃገራት ክሳብ 2030 ኣብ ፋይናንስ ክሊማ 1.3 ትሪልዮን ዶላር ከበርክታ ኣለወን ይብል።

ሓደ ኣብ ትሕቲ መስርሕ ልዝብ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ብዝተመስረተ ናጻ ጕጅለ [ጕጅለ ላዕለዎት ክኢላታት] ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ንቻይና ከይሓወሰ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክሳብ 2030 ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰር ኣስታት 2.4 ትሪልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ወፍሪ ከምዘድሊ ኣመልኪቱ።

እዚ ድማ ዓለማዊ ፋይናንስ ክሊማ ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጣዊ ወፍሪ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ፡ ጽልዋታት ለውጢ ኣየር ንምፅዋርን ከምኡ’ውን ናብ ተሓዳሲ ጸዓትን ምትዕጽጻፍን ምስግጋር ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ደረጃ ጠለብ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ እቲ ጕጅለ ክኢላታት ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘይማዕበላ ሃገራት ንጽልዋታት ክሊማ ንምፅዋር ኣብ ዓመት ካብ 187 ቢልዮን ክሳብ 359 ቢልዮን ዶላር ዘድሊ እንተዀነ'ኳ፡ ኣብ 2022 ነዚ ዕላማ 28 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝረኸባ ይሕብር።

ፈጻሚ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ዓለማዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን (IIED)፡ ቶም ሚቸል፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ መጠን ፋይናንስ ክሊማ ንዓለምና ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኰነን” ይብል።

“ንባርዕ ጫካ ብኩባያ ማይ ክትቃለሶ ምፍታን’ዩ፡” ክብል'ውን ይገልጾ።

ድኻ ሃገራት ክንደይ ገንዘብ ይረኽባ ኣለዋ?

ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ ኮፐንሃገን ዝተኻየደ ዋዕላ ኮፕ፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ሃብታማት ሃገራት ዓመታዊ 100 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስ ከዋጽኣ ዝብል እዩ።

ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ እዚ መብጽዓ ብዓቢኡ ከምዘይተማልአ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዘተ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ እምነት የጠፍኦ ከምዘሎ ይገልጻ።

ሃብታማት ሃገራት ንስሩዕ ሓገዝ ከም ፋይናንስ ክሊማ ከም ዝቘጽርዎን፡ ገንዘብ ክሊማ ኣብ ዝህልወሉ እዋን'ውን ብቐሊሉ ከም ዘይርከብን [ተበጻሒ ከምዘይኰነን] ተላዘብቲ ድኻ ሃገራት ይነቕፋ።

ምዕቡላት ሃገራት ዓለም በዚ ኣይሰማማዓን።

ትካል ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን (OECD)፡ ኣብ 2022 ጥራይ 116 ቢልዮን ዶላር ከምዝተዋህበ ይገልጽ።

በዓል ቻይናኸ ክኸፍላ ክግደዳ ድየን?

ኣብ 2015 ዝተኸተመ ስምምዕ ፓሪስ፡ ንምዕቡላት ሃገራት ከም ቀንዲ ጠንቂ ልቀት ሓደገኛ ጋዛት ብምውሳድ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ [ድኻ] ሃገራት ዝውዕል 'ፋይናንስ ክሊማ' ክምውላ ይጠልብ።

ሕጂ ግን ከም ቻይና፡ ህንዲን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ብቕልጡፍ ዝምዕብላ ዘለዋን፡ ሰፊሕ ልቀት ካርቦን ዘስዕባን ሃገራት፡ ንለውጢ ክሊማ ተቓላዕቲ ሃገራት ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክገብራ ኣለወን ዝብል ድፍኢት ይስማዕ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ "እቲ ዝረአ ዘሎ ጭቡጥ ምዕባለ፡ ቍጠባዊ ኵነታትን ዓቕምታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደስቲ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኣበርክቶ ክገብራ ምሕታት ምሉእ ብምሉእ ፍትሓዊ'ዩ" ትብል።

ከምኡ'ውን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ልዑል ቍጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ናብቲ ዝርዝር ክድመራ ከምዘለወን ይስማዕ።

ኣብ ዋዕላታት ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ተላዛቢ ዝዀነ G7-ቻይና ግን፡ ነዚ ሓሳብ ይነፅጐ።

ክልቲኦም ስምምዕ ፓሪስን ውዕል ክሊማ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምዕቡላት ሃገራት ጥራይ ነቲ ገንዘብ ክኸፍላ ከምዘገድድ ብምዝኽኻር፡ ነቲ ኣብ ኣዘርባጃን ዝካየድ ዘሎ ሓዊሱ ዝዀነ ልዝብ ክሊማ ድማ ኣብ ክሊ እዚ ክድረኽ ይምጕት።

እዚ ኵሉ ገንዘብ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ድዩ ክመጽእ?

ምዕቡላት ሃገራት፡ ነቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስታዊ ፋይናንስ ጥራይ እኹል ከምዘይከውንን ብሕታዊ ጽላት ክሳተፉን ይፅውዓ።

ጕጅለ-ላዕለዎት ክኢላታት ፋይናንስ ክሊማ፡ ተራ ብሕታዊ ጽላት ወሳኒ ከምዝኸውን ይሰማማዕ።

እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ ልቓሕ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ንዕላማታት ውጥን ክሊማ ንምዕዋት ልዕሊ 15 ዕጽፊ ክብ ምባል ከምዘድሊ ይገልጽ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግን፡ ውልቃዊ ፋይናንስ ክሊማ ሕድገት ዕዳ ከጠቓልል ኣለዎ ይብላ።

ትንተና ትካል መጽናዕቲ ዓለማዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን (IIED) ከምዘመልክቶ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ትሑት ምዕባለ ዘለወን ወይ ንኣሽቱ ደሴታዊ ሃገራት ተባሂለን ዝተመደባ ሃገራት ኣብ 2022 ዕዳ ንምኽፋል 59 ቢልዮን ዶላር ኣውጺአን። እዚ ድማ ምስቲ ብስም ‘ፋይናንስ ክሊማ’ ዝረኸብኦ 28 ቢልዮን ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ።

ስለምንታይ ዓለምና ሓድሽ ውዕል-ክሊማ የድልያ?

ዓለማዊ ሙቐት፡ ካብቲ ኣብ እዋን ኢንዱስትርያዊ ወያነ [ሰውራ] ዝነበሮ 1.2C ልዕሊኡ ወሲኹ ኣሎ። ተመራመርቲ ግን ካብቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ለውጢ ክሊማ ክንድሕን እንተዄንና ልዕሊ 1.5C ክኸይድ ከምዘይብሉ የጠንቅቑ።

ነዚ ዕላማ ንምዕዋት፡ ሃገራት ንልቀት ጋዝ ንምድራት ዘየዳግም ስጕምቲ ክወስዳ ኣለወን።

ልቀት ካርቦን፡ ኣብ 2030 ካብቲ ኣብ 2019 ዝነበሮ ብ42 ሚእታዊት ክንክይ ከምዝግባእ ውጥን ተቐሚጡ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ዝተኣወጀ ውጥናት ስጕምቲ ክሊማ ግን 2.6 ሚእታዊት ጥራይ ክንኪ ዝብል እዩ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ዝያዳ ፋይናንሳዊ ሓገዛት እንተዘይተረኺቡ ክገብራኦ ዝኽእላ ምንካይ ልቀት ካርቦን ድሩት ምዃኑ ይገልጻ።

ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ኣብ እዋን ኮፕ29 (COP29) ክፍረም ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ ውዕል ወሳኒ ዝገብሮ።

'ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ግን ቃል ክእቶ ይኸውን?' - እቲ ብትሪልዮን ዶላር ዝግመት ሕቶ እዚ እዩ።