ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ዝተረኽበ ኣካላት ጓልኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣመሪካ ኣካላት ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ሃለዋታ ንዝጠፍአ ሓንቲ ሰብ ንምርካብ ዳህሳስ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን ሬሳ ሰብ ኣብ ኣፍ ሓደ ሓርገጽ ርእዮም።
መንነት ናይቲ ዝተረኽበ ኣካላት ዛጊት ከምዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ነቲ ዝተረፈ ኣካላት ናይቲ ሬሳ ከየዕንዎ ዝሰግኡ ሰብመዚ ነቲ 'ኣሌጌተር' ዝዓይነቱ ሓርገጽ ብጥይት ቀቲሎሞ።
እቲ እንስሳ ከም ዝሞተ ምስተረጋገጸ ድማ፡ ሓደ ጠላቒ ናብቲ ማይ ብምእታው ነቲ ሬሳ ካብ መንጋጋ እቲ ሓርገጽ ከውጽኦ ከምዝኸኣለ ሰበሰልጣን ሓቢሮም።
መንነት ናይታ ግዳይ ዛጊት'ኳ እንተዘይተረጋገጸ፡ ሬሳ ናይ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝነበረት ምዃና እቶም ሰብመዚ ከተማ ሂዩስተን ኣሚቶም ኣለዉ።
እቲ ሓርገጽ ባዕሉ ድዩ ቀቲሉዋ ዋላስ ሬሳኣ ረኺቡ ናብ ኣፉ ኣእትይዎ ንምፍላጥ በቲ ዝግበር ብመርመራ ክረጋገጽ ትጽቢት ይግበር።
ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ'ውን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ከባቢ ላርጎ ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብኡ'ውን ሓደ 4 ሜትሮ ዝቝመቱ ሓርገጽ ላዕለዋይ ኣካል ሰብ ኣብ ኣፉ ኣእትዩ ኣብ ጐደና ክኸይድ ድሕሪ ምርካቡ ተኲሶም ከምዝቐተልዎ ይፍለጥ።
እቲ ሬሳ ናይ ጓል 41 ሳብሪና ፐክሃም ዝተባህለት ሰብ ምዃኑ ተረጋጊጹ ነይሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ካልእ ሓርገጽ ንሓንቲ ኣኻልባ ተንቀሳቕስ ዝነበረት ጓል 81 ዓመት ቀቲሉ ነይሩ'ዩ።
ኣብታ መሓድሮ ብዙሓት ሓራግጽ ምዃና ዝንገረላ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ብሓራግጽ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ዘይንቡር ኣይኮነን።
ኣብታ እዚ ሓድሽ ፍጻመ ዝተራእየላ ቴክሳስ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ'ዩ።
ኣብ 2015 ሓደ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ከተማ ኦሬንጅ ኣብ ዝሕንብሰሉ ዝነበረ እዋን ብሓርገጽ ከምዝተቐትለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ተሳኢኑ ዝነበረ ሰብ ሬሳኡ ኣብ ውሽጢ ሓርገጽ ከምዝተረኽበ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







