ንኦሎምፒክ 2024 ትዳሎ ዘላ ፈረንሳ ለበዳ ባልዕ ትዃን ኣጋጢምዋ

ኣብ ፓሪስን ካልኦት ከተማታትን ፈረንሳ ለበዳ ባልዕ ትዃን ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።

እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ዓመት እተዳሉ ውድድር ኦሎምፒክ ብዝምልከት ድማ ሕቶታት ጥዕናን ድሕነትን ኣበጊሱ ኣሎ።

እቲ ተርእዮ ብሰፊሑ ኣብ ፈረንሳን ካልኦት ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ብኸምዚ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ጉዳይ ብኸፊል ሓቂ እዩ፤ ብኻልእ መዳይ ድማ ሓቂ ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ቍጽሪ ዝረኣዩ ትዃናት ምውሳኹ ሓቂ እዩ - እቲ ምውሳኽ ንሓያሎ ዓመታት ንድሕሪት ዝምለስ እዩ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ሓጋይ ዓቢ ወሰኽ ትዃን ይረአ’ዩ" ይብል ኣብ ቀንዲ ሆስፒታል ማርሴ ስነ-ባልዕ ዝዀነ ዣን ሚሸል በረንገር።

"እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ሰባት፡ ኣብ ሻንጣኦም ሒዞምዎ ስለዝምለሱ’ዩ።"

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ፡ እቲ ወሰኽ ካብቲ ዝሓለፈ ዝዛይድ’ዩ" ይብል።

ኣብ ፓሪስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፍርሒ ባልዕ ሓዱሽ ጭንቀት ኣስዒቡ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ማዘጋጃ ከተማ ፓሪስን መንግስቲ ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማክሮንን ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ኣለዉ።

እዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ብዕቱብ ከም ዝወስድዎን ቅድሚ ጸወታታት ኦሎምፒክ 2024 ምስሊ ፓሪስ ብኸመይ ክከላኸሉ ከም ዘለዎም ዝሕብር መዐቀኒ'ዩ።

ነቲ ፍርሒ ከም ቀሊል ነገር ከም ዘይነጽግዎ’ውን የመልክት።

ኣብ መላእ ኢንተርነት ዘፍርሕ ዛንታታት ኣዝዩ ብቕልጡፍ ይዝርጋሐ ስለዘሎ፡ ናብ ሃገራዊ ህጹጽ ኵነታት እናተቐየረ ይርከብ።

መንነቶም ዘይተፈልጡ ባልዕ ኣብ መናብር ሲነማ ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም’ዮም። ኣብ ባቡር ሰባት ኣከባቢኦም ይፍትሹ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ኮፍ ክብሉ ኣይመርጹን።

"ኣብዚ ዓመት እዚ ሓድሽ ባእታ እዩ - እቲ ዝኸውን ዘሎ ድማ ሓፈሻዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም እዩ" ይብል በረንገር።

"ብገለ መልክዑ ጽቡቕ ነገር'ዩ፡ ምኽንያቱ ሰባት ነቲ ጸገም ንኽፈልጡ ስለዘኽእል፡ ኣንጻር ትዃን ቅልጡፍ ስጕምቲ ብዝተወሰደ መጠን ዝሓሸ'ዩ።"

እንተዀነ፡ እቲ ነገር "ኣዝዩ ዝተጋነነ" ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ሓቂ፡ እቶም ትዃናት ዳግማይ እዮም ዝምለሱ ዘለዉ፤ ምናልባት ድማ ን20 ወይ 30 ዓመት ክምለሱ ጸኒሖም እዮም። እዚ ግን ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ቦታታት እዩ።

ነዚ ሓያሎ ረቛሒታት ኣለዉ፤ ካብዚኦም ሓደ ዓለምለኻውነት - ንግዲ ኮንተይነር፣ ቱሪዝምን ኢሚግሬሽንን - እዩ። ትዃን ኣብ ገዛ ዝነብር ፍጥረት እዩ። ደቂ ሰባት ናብ ዝኸድዎ ድማ ይኸይድ። ስለዚ ብኵነታት ኣየር ክመጽእ ኣይኽእልን።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ትዃን ብዲዲቲ ብብዝሒ ነክዮም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ዲዲቲን ካልኦት ብዙሓት ኬሚካላትን ኣብ ደቂ ሰባት ብዘሕድሮ ጽልዋ ተኣጊዶም እዮም።

እቶም ኣብ መጀመርታ ብጀነቲካዊ መንገዲ ብኬሚካል ንምጥፋእ ተቓላዕቲ ዝነበሩ ፍጥረታት ብምውጋዶም፡ ትዃን ተቐይሮም እዮም። እቶም ካብ ዲዲቲ ዝደሓኑ፡ ከም ውጽኢቱ ኣዝዮም ተጻዋርነት ኣማዕቢሎም። እዚ እቲ ካልኣይ ረቛሒ’ዩ።

ሳልሳይ ድማ፡ ቍጽሪ ድዱዓት ምንካዮም እዩ፤ ድዱዓት ትዃን ይበልዑ እዮም። እንተዀነ ብዓቢኡ ሳላ ጽሩይ ኣባይቲ፡ ቍጽሪ ድዱዓት ነክዩ እዩ።

በረንገር ከም ዝብሎ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሰባት ብዛዕባ ትዃን ስለዝረስዑ፡ ትዃን ዓራት ክርእዩ እንከለዉ ክስንብዱ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ግን፡ ክሳዕ ሕጂ ልሙዳት እዮም - ሰባት ድማ ልዑል ስግኣት ኣይሓድሮምን።

ኣብዚ ኣብ ፓሪስ ኣብ ሶፋ ዝረኣዩ ትዃናት ዓራት ብዘይ መግቢ ክሳዕ ሓደ ዓመት ክነብሩ ይኽእሉ።

ይዅን’ምበር ትዃን ዓራት ብርግጽ ሓደጋ እዩ - እቲ ሓደጋ ድማ ካብ ኣካላዊ ንላዕሊ ስነ-ኣእምሮኣዊ እዩ።

ትዃን ክሳብ ዝፍለጥ ሕማም ኣየመሓላልፍን። ክነኽሰና እንከሎ ዘፈንፍን’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ቁስሊ ግን ብዙሕ ኣይጸንሕን።

እቲ ሓቀኛ ጉድኣት ግን ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እቲ ዝተነኸሰ ዘሕድሮ ጽልዋ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ወዲ 29 ዓመት ወደይ ኣብ ገዛኡ ትዃን ረኺቡ። ዓራቱ ደርብዩ፡ ኵሉ ክዳውንቱ ሓጺቡ፡ ነታ ዝረኸበላ ቦታ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ሓጺብዋ።

ግን ብድሕሩኡ’ውን ክድቅስ ኣይከኣለን። ነገራት ኣብ ልዕሊ ቆርበቱ ሳሓ ክረኣዮ ጀሚሩ።

ገዛኡ ብሓደ ክባር ጸረ-ባልዕ ኩባንያ ምስተሓከመ ጥራይ’ዩ ክድቅስ ዝኸኣለ።