እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ኣመሪካ ንብሕታ እትቆጻጸሮም ወደባትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ክትህብ'ያ
እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ሶማልያ፡ ኣመሪካ ጥራሕ እትቆጻጸሮም ስትራተጂካዊ ወደባትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ክትህብ ሓሳብ ከምዘቕረበት ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ናብ ኣመሪካዊ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣመሪካ ንብሕታ ክተመሓድሮም እትኽእል ኣማራጺታት ወተሃደራዊ መዓስከራትን ወደባትን ኣቕሪቡ።
እቲ ናብ ትራምፕ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ብዕለት 7 መጋቢት 2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከምዝተጽሓፈ ብሓደ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ዲፕሎማሰኛ ከምዝተረጋገጸ ሮይተርስ ኣቃሊሑ።
እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንብሕታ ክትቆጻጸሮ ዘቕረበላ ባሊዶግሉን በርበራን ከም ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ከምኡ'ውን ወደባት በርበራን ቦሳሶን ከምዝኾነ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ኣመሪካ እቲ ቀሪቡላ ዘሎ ሓሳብ ኣብ ሶማልያን እቲ ከባቢን ንዘሎ ስግኣት ኣኽረርቲ ዕጡቓት ንምምካት ዘኽእላ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝኾነ ይግለጽ።
ሮይተርስ ነቲ ደብዳበ ብምጥቃስ፡ "እቲ ናይ ሶማልያ ሓሳብ ተሳትፎ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ንምሕያል ዕድል ዝህብ እዩ። ናብ ኣመሪካ ዝግበር ወተሃደራውን ሎጂስቲካውን ተበጻሕነት ዘረጋግጹን ካልኦት ወጻእተኛታት ተቐናቐንቲ ናብዚ ኣገዳሲ ቦታ ከይኣትዉ ዝኽልክሉን'ዮም" ኢሉ።
ባሊዶግል ካብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ንሰሜናዊ ምዕራብ 90 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ወደብ ቦሳሶ ድማ ኣብታ ከፊል ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ፑንትላንድ ይርከብ።
ወደብ በርበራ፡ ሶማልያ ንኣመሪካ ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ጥራይ ክትጥቀመሉን ከም ወደብ ክትቆጻጸሮን ካብ ዝሃበቶ ወደባት ሓደ እዩ።
ወደብ በርበራ ኣብታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝርከብ ኮይኑ እዚ ስጉምቲ ነቲ ኩነታት ናብ ግጭት ከሰጋግሮ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ብዛዕባ ወደብ በርበራ ብሮይተርስ ዝተሓተተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓብዲራሕም ዳሂር ዓደን፡ "እዚ እንታይ ዓይነት ምትሕብባር'ዩ? ኣመሪካ ብቲ ዝተበላሸወ ሶማልያ ዝበሃል ምምሕዳር ተስፋ ቆሪጻ እያ። ኣመሪካ ምስታ ሰላማዊት፡ ርጉእን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምዃና ንዓለም ዘርኣየት ሶማሊላንድ ክትዘራረብ ድልውቲ እያ" ኢሉ።
"ኣመሪካ ዓሻ ኣይኮነትን። ብዛዕባ ወደብ በርበራ ምስ መን ክዘራረቡ ከምዘለዎም ይፈልጡ እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ናብ ወደብ በርበራ ዑደት ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር እዩ።
ድሒሩ ድማ ንህጹጽ መዓርፎ ነፈርቲ መንኮርኩራት ኣመሪካ ተባሂሉ ተሰይሙ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኣመሪካ 'ኣውቶራይዘሽን ኣክት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ እታ ሃገር ሶማሊላንድ ንምሕዋስ ተባሂሉ ተማሓይሹ ቀሪቡ።
ሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትርእያ ሶማልያ፡ ምስ ሶማሊላንድ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ወይ ኣፍልጦ ከምዘይትቕበል ብተደጋጋሚ ገሊጻ'ያ።
ኢትዮጵያ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀትን ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ንምርካብ ዝኸተመቶ ወደብ ብሊዝ ናይ ምርካብ ውዕሊ ንሶማል ኣዝዩ ከምዘቖጥዓን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥሪ ከምዘስዓበን ዝዝከር እዩ።
ሶማልያን ኢትዮጵያን በቲ ውዕሊ ምኽንያት ተተፋኒነየን'ኳ እንተነበራ ብኣደራዳርነት ፕረዚደንት ቱርኪ ዕርቀ ሰላም ኣውሪደን ኣለዋ።
ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ሂባ ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብ ተሃንጥያ እኳ እንተነበረት ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ዝኣተውኦ ውዕሊ እቲ ኣቐዲመን ዝፈራማኦ ውዕሊ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ'ዩ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማሊላንድ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕሊ ከምዝተስዓረ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ወግዓዊ መልሲ ግን የለን።
ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ሶማሊላንድ ብኣመሪካ ኣፍልጦ ክትረክብ እያ ዝብል ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ። ሓያላትን ጸለውትን ሪፓብሊካን ኣድላይነት ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ኣጀንዳ ገይሮምዎ ኣለዉ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ስኮት ፔሪ ኣመሪካ ንሶማሊላንድ ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህባ ዝሕግዝ እማመ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማዋይ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ዝሰርሐ ቲቦር ናዥን ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃ ፒተር ፋምን ንናጽነት ሶማሊላንድ ዝዝምሩ ሰባት'ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሶማልያ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዘለዋ ርክብ ብዝምልከት ስክፍታ ስለዘለዋ ሎቢ ዝግበር ጉጅለ ቆፂራ ኣላ። ሶማልያ ነዚ ናይ ሎቢ ስራሕ ንዘካይደላ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ትካል ቢጂኣር 600 ሽሕ ዶላር ክትከፍል ተሰማሚዓ።