ስደተኛታት ትግራይ ኣብ ዝቕመጥሉ መዓስከር ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ክልተ ህጻናት ሞይቶም

ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ዝቐመጡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝነብርሉ መዓስከር ብዘጋጠመ ባርዕ ምኽንያት ህይወት ክልተ ህጻናት ከምዝቐጠፈ ተገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ዝቕመጥ ጋዜጠኛ ማድሃንየ ገደይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሓንቲ ካብተን መዕቆቢ ቦታታት ዝኾነት ዑምራ ኩባ ከምዝተኸሰተ ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ብሓሙስ መጋቢት 11/2017 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ከባቢ ሰዓት 7፡00 ከም ዘጋጠመ እቲ ጋዜጠኛ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ 14 ብቴንዳ ዝተሰርሑ መዕቖቢ ገዛውቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም" ዝበለ ማድሃንየ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ዝእስዓበ ዕንወት ኣብሪሁ።

"ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት'ዩ። ንብረቶም ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ'ሎ" ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ነቲ ባርዕ ደው ከብሉዎ ከምዘይከኣሉን ብመደዳ ተሰሪዖም ዝነበሩ ናይ ቴንዳ ዳሳት ከምዝዓነዉን ይገልጽ።

ካብ ውልቃዊ ንብረት እቶም ስደተኛታት ብተወሳኺ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ናይ ረድኤት ትካላትን ንእቶም ስደተኛታት ኢሎም ዝሃብዎ ወርሓዊ ረድኤት እንከይተረፈ ምዕናዉ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ባርዕ ድማ ክልተ ህጻናት ከምዝሞቱ ጋዜጠኛ ማድሃንየ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

"እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር በቲ ሓደጋ ክልተ ቆልዑ ምሟቶም እዩ። ካብ ሓደ ስድራቤት እዮም። ወዲ 6 ዓመትን ሓደ ወዲ ክልተ ዓመትን ሞይቶም" ይብል።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብዙሓት ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ብዘይካ እቶም ብሰንኪ እዚ ደማዊ ኲናት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዝሒ ተመዛበልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይንገር።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ምስተሰማምዑ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ሓደ ኣካል እቲ ስምምዕ'ኳ እንተኾነ ፈረምቲ ኣካላት ስራሖም ብዝግባእ ስለዘይተዋጽኡ ተስፋ ስደተኛታት ይጽልምት ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተመዛበልትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሓሙስ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ክመለሱ ዘይከኣሉ ብሰንኪ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ዝተሓዋሶም ገለ ፖለቲከኛታት ትግራይ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ውሑስ ክኸውን ከምዘይሰርሐ ይኸስዎ።

ብሰንኪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝበልዐ ኩናት ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ዝተመዛበሉ ኮይኖም ቁጽሪ ዶብ ጢሒሶም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ድማ 60 ሽሕ ዝበጽሕ'ዩ።

ጋዜጠኛ ማድሃንየ እቶም ኣብ ዑምራ ኩባ ዝተባህለ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝቕመጡ ተመዛበልቲ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝመጹ ስደተኛታት ምዃኖም ይዛረብ።

እቲ ጋዜጠኛ ከም ዝበሎ፡ እቲ ከባቢ ኣዝዩ ውዑይ ስለዝኾነ፡ ባርዕ እንተሃልዩ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ።

"ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ዘይምህላዎም ነቲ ሓደጋ ኣጋዲድዎ" ይብል።

ኣብ ሱዳን ዝበዝሑ መዕቆቢታት ካብ ከም ዕንጨይትን ሓጺንን ዝኣመሰሉ ተባራዕቲ ነገራት ዝስርሑ ምዃኖም ከምዝተዓዘበ ወሲኹ ሓቢሩ።

ማድሃንየ ምስቶም ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ደቆም ዝሰኣኑ ስድራቤታት ከምዝተራኸበን ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ከምዝርከቡን ገሊጹ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣስዒቡ "እቶም ስደተኛታት ኣብዚ መዓስከር ሓሙሽተ ዓመት ኣቑጺሮም ኣለዉ። ናብ ዓዶም ሑመራ ክምለሱ ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ሎሚ ጽባሕ ናብ ዓድና ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ ነይርዎም። ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሃለዉ'ዮም ደቆም ብሓዊ ስኢኖም" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብዙሓት ናይ ረድኤት ትካላት ካብ ሱዳን ብምስሓቦም ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኽቡ ይገልጽ።

ከም ኣገላልጻ ማድሃንየ፡ እቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ መዕቖቢ ስለዝዓነወ፡ ምስ ካልኦት ዝፈልጥዎም ስደተኛታት ተጸጋጊዖም ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ጋዜጠኛ "ተስፋኦም ሓድሽ መዕቆቢ ንምቛም ዘይኮነስ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዘላቒ ፍታሕ ክረኽቡ'ዩ" ይብል።