ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ባጀት ምቍራጹ ንውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ቍጠባዊ ጸቕጥታትን ምቍራጽ ባጀትን ኣብታ ክልል ከቢድ ቍጠባውን ሰብኣውን ቅልውላል ከም ዝፈጠረ፣ ብዓቢዩ ከኣ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሕቶ ዘእቱ ከም ዝዀነ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፈደራል ናብ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ክሰዶ ዝግብኦ ዝነበረ ባጀት ንዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ስለ ዘይሰደዶ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ክኽፈሉ ኣይከኣሉን።
ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣገልግሎት ስርዓት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ቀረብ ማይን ካልእን እታ ክልል ጸገም ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ኣብቲ ዝወጽአ መግለጺ ተሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዳርጋ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝመጽአ ባጀት ከምዘየለ ሓላፊት ቢሮ ኮምሽን ፕላን ትግራይ ወይዘሮ ሃንሳ ተኽላይ ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ'ያ።
ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ፈደራል ንዅሉ ሕሳብ ባንክታት ትካላት እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ምዕጻዊ ንቝጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ክልል ብኸቢድ ከም ዝጸለዎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ንሕሳባት ትእምት ዝዓጸወሉ ኣገባብ ዝዀነ ሕጋዊ መንገዲ ዘይተኸተለ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ዳይረክተር ቦርድ ትእምት ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ቅድሚ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣብ ትካላት ትእምት ኣስታት 20,000 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ እዞም 20,000 ብማእከለይ ገምጋም ንሓሙሽተ ሰባት ከም ዝኣልዩ ብምሕባር 100,000 ዝኸውን ሰብ ድራር እለቱ ካብተን ትካላት ምዃኑ'ዩ ኣብሪሁ።
ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወገኑ፡ ትካላት ትእምት ሕሳበን ምድስካሉ፡ ዓስርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ናይተን ትካላት መሃያኦም ክኸፈሉ ከም ዘይክኣሉን ሓያለ ስድራቤታት ናብ ዝኸፈአ ቍጠባዊ ዓዘቕቲ ተሸሚመን ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፈደራል ንዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ነዳዲ ናብታ ክልል ከም ዘይሰደደ ብምሕባር፡ እዚ ንጽላት መጓዓዝያ ብኸቢድ ሃስይዎ ከም ዘሎን ኣምቡላንሳት ከይተረፋ ብሕጽረት ነዳዲ ክንቀሳቐሳ ከም ዘይክኣላን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ኣሎ።
እዚ ብምልኡ ኣብ ሞንጎ እቶም ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶርያ ዝዀኑ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ምትእምማን ከም ዘይህሉን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ከም ዝዀነ መግለጺ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይገልጽ።
ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነዛ ጉዳይ ኣውሓስቲ ውዕል ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ቅጽበታዊ ኣቓልቦ ክህብዎ ተላንዩ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ መንግስቲ ፈደራል እቲ ዝተሰማማዓሉ ንምጕልባት ቍጠባዊ ሕውየት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ኣገደስቲ ጽላታትን ዝውዕል ዘቋረጾ ባጀት ናብ ንቡር ክመልሶ'ውን ጸዊዑ።
ሰላም እዚ ከባቢ ንኽውሓስ፡ ቅልጡፍ ምትእትታው ማሕበረሰብ ዓለምን ኣውሓስቲ ኣካላትን ክግበር'ውን ኣብቲ መግለጺ ከም ለበዋ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ሓላፊት ቢሮ ኮምሽን ፕላን ትግራይ፡ ወይዘሮ ሃንሳ ተኽላይ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት፡ ካብቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ባጀት ሓደ፡ 844 ሚልዮን ብር ካፒታል ባጀት እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ብሓላፍነት ዘመሓድሮ ገንዘብ መንግስቲ ፈደራል (ድሕሪ ኲናት ትግራይ በብወርሑ ዝኽፈል) ክኣቱ ከም ዘይከኣለ'ያ ገሊጻ ነይራ።
ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዓመተ-2018 (ኣቈጻጽራ ግእዝ)፡ ንትግራይ ዝተመደበ 18.8 ቢልዮን ብር ጥሙር ባጀት፡ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተኻፊሉ፡ በብወርሒ ዝለኣኽ ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ግን ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎ'ያ ኣረዲኣ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ መንግስቲ ፈደራል ክዘራረበሎም ካብ ዝኽእል ቀንዲ ዛዕባታት ከኣ ጉዳይ ባጀት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እቲ ካልእ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ መንግስቲ ፈደራል ክዘራረበሉ ዝኽእል ዛዕባ፡ እቲ ዛጊት መፍትሒ ዘይተረኸቦ ጉዳይ ምምላስ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ትጽቢታት ኣሎ።
ኣብቲ ካብ ቤትጽሕፈት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝወጽአ መግልጺ፡ "ኣብ ኣጠቓላሊ ጉዳያት ምስ ፈደራል መንግስቲ ንምዝታይ ሓደ ልኡኸ፡" ሒዙ ከም ዝተበገሰ'ዩ ተሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምትእምማን ናብ ደግሲ ኲናት ከየምርሕ ካብ ብዙሓት ስክፍታታት ኣሎ።
ብዛዕባ ባጀት ክልላት
ብመሰረት ካብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ዝቐርብ ቀመር፡ ክልላት ካብ መንግስቲ ፈደራል ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ዓመታዊ ባጀት ይረኽባ እየን።
ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ኣብታ ሃገር ዝግበር ለውጥን ውሳነ መንግስትን ንፕሮጀክታት ዘተኰረ ሓገዝን ድጎማን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ክለኣኽ ልሙድ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ነተን ሓድሽቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ክልል ዝቘማ ሓዊሱ፡ ብሓፈሻ 12 ክልላትን ክልተ ፍሉይ ምምሕዳራትን ኣለዋ።
ብመሰረት ብዝሒ ህዝበንን ካልኦት መሰረታዊ ድሌታትን ዝግበር ቀመር ድማ ዓመታዊ ክፍፍል ባጀት ይግበር።
በዚ ኣገባብ፡ ካብተን ልዑል ግብሪ ኣታዊ ዝገብራ ክልላት ሓንቲ ከም ዝዀነት ዝንገራላ ክልል ትግራይ፡ ኣስታት 18.8 ቢልዮን ብር ቀዋሚ ባጀት ከም ዝተመደበላ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኲናት ቅድሚ ምውልዑ፡ ፈደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስትን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ብምንፍፋጎም ባጀት ትግራይ ተቛሪጹ ምንባሩ ይዝከር።
ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከኣ ኣብ 2023 ነታ ክልል ዝተመደበ ባጀት ዳግማይ ክሰጋገር ጀሚሩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ናብ ባጀታዊ ምውጣጥ ምእታዎም ከኣ ነቲ ወጥሪ ዘዕርግ ከይከውን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







