ኤርትራን ኬንያን እንታይ ክለቓቕሓ ይኽእላ?

ከተማ ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ናይሮቢ ኬንያ

ትማሊ ረቡዕ ሸሞንተ ለካቲት ፕሪዘደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መዘንኡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዝገበረሉ ዕድመ ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ንኬንያ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ እውን ንናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ብ09 ታሕሳሳ 2022 ናብ ኤርትራ ገይሹ ነይሩ።

ሽዑ ክልቲኦም መራሕቲ ዜጋታት ኬንያን ኤርትራን ካብን ናብን እተን ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ዞባዊ ውህደት ሓቢሮም ክሰርሑ፤ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን፡ ክልቲአን ሃገራት ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ንግዳዊ ርክባት ከሐይሉ ተፈራሪሞም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እዘን ኣባል በይነ መንግስታዊ ውድብ (ኢጋድ) ዝኾና ሃገራት ኤርትራን ኬንያን ክዝሕልን ክመውቕን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ይምዕብል ምህላው እቲ ኣመታት የረድእ።

ተመሳሳልነት ብባህርን ክላይመትን

ኤርትራን ኬንያን፡ እስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ጂኦግራፊ ስፍራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ ብራኸ እተደኮና፡ ብዙሕ ዘይረሓሓቕ ኩነታት ኣየር፡ ኣዝርእትን እንስሳን ዘለወን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እየን።

ኣህጉራዊ ኩነታት ሃገራት ዘነጻጽር ዎርልድ ዳታ ኢንፎን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ከምዝገለጾ፡ እታ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሚያዝያ 1993 ወግዓዊ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኣስታት 5 ሚልዮን ዝብዝሒ ህዝባ ኤርትራን፡ እታ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢንግሊዝ ብማው-ማው ዝፍለጥ ናይ ደቀባት ቃልሲ ንስርዓት ኢንግሊዝ ዝተቓወመት፡ ዳሕራይ ኣብ ምዝርዛር መግዛእቲ ኣብ 1963 ካብ ብሪጣንያ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት ኣስታት 48 ሚልዮን ዝብዝሒ ህዝባ ኬንያ ክልቲአን ኣባላት ኢጋድ እየን።

ከም መጠን ዕድመ ልደተን፡ ባህሪያዊ ጸጋታተን፡ ብዝሒ ህዝበን፡ ፖለቲካዊ ምሕደረአን ክልቲአን ሃገራት ዝተፈለላየ ደረጃ ምዕባለን ዕቤትን ኣለወን።

እቲ ናይ ንጽጽር መርበብ ሓበሬታ፡ ንፖለቲካዊ ርግኣት ብዝምልከት፡ ንኣብነት፡ ንኤርትራ ኣብ መበል 30 ደረጃ ክሰርዓ እንከሎ ንኬንያ ግን ኣብ 42 ኣቐሚጡዋ።

ማእከላይ ዓመታዊ ገምጋም እቶት ሓደ ኤርትራዊ 2400 ዶላር ክትምኖ እንከሎ፡ ዓመታዊ እቶት ሓደ ኬንያዊ ግን 6600 ዶላር’ዩ ክብል ይገልጾ። ንብልሽውና ብዝምልከት ንኤርትራ ኣዝዩ ሕማቕ ብምባል 78 ነጥቢ ክህባ እንከሎ ንኬንያ ከኣ 68 ነጥቢ ብምሃብ ሕማቕ ክብል ጠቒሱዋ ኣሎ።

ክሳብ እዚ ቐረባ ግዜ ግን ኤርትራ፡ ምስ ጎረባብታ ብምንጽጻር፡ ብተዛማዲ ዝሓሸትን ብዙሕ ብልሽውና ዘይረኣየላ ሃገር ተባሂላ እያ ትግለጽ ነይራ።

ኣብ ከም ጸዓትን ቴሌኮሚኒኬሺን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን፡ ቱሪዝምን ትሕተ ቅርጽን ብዝምልከት ኬንያ ኣብ ዝሓሸን ዝምስግን ደረጃ ብምህላዋ፡ ምስ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝዓቢ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኤርትራ ካብ ተመኩሮ ኬንያ ብዙሕ ነገር ክትመሃርን ክትልቃሕን ዕድል ኣለዋ።

ኤርትራ፡ ብመለክዒ 'ዴቨሎፕመንት ጎልስ'፡ ኣብ ከም መባእታዊ ትምህርትን መሰረታዊ ክንክን ኣዴታትን ቖልዑን ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓሸ ገስጋስ ከምዝገበረት እያ ትጥቀስ።ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ እገዳን፡ ምስ ጎረባብታ ዘጋጠማ ቀጻሊ ግጭትን፡ ውሽጣዊ ዘይርግኣትን ኣብቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ባዕላ ዝወጠነቶ ገስጋስ እውን ብዙሕ ኣይመረሸትን።

ባህሪያዊ ጸጋን ትዕድልትን

ከተማ ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ባጽዕ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ: ኬንያ ከኣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ስለዝተደኮና ክልቲአን ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ኣለወን። ኬንያ ኣብቲ ኣስታት 565 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግማ ባሕራ ከም ወደብ ሞምባሳ፡ ላሙ፡ ረይዝ፡ ኪሊፊ፡ ዝኣመሰሉ ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣስታት 15 ዓበይትን ናእሽቱን ወደባት፡ ኣስታት 62 ሽሕ ኪሎ ሜተር ጽርግያ፡ ኣስታት 1900 ኪሎ ሜተር መገዲ ባቡር ኣለዋ።

ወደብ ሞምባሳ እቲ ዝዓሞቐን ዝዓበየን ወደብ ኮይኑ፡ ንማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዘገልግል ወሳኒ ኣፍደገ ባሕሪ ኮይኑ፡ ንዩጋንዳ፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንብሩንዲ፣ ንኢትዮጵያ ፣ ሶማልያ ዝምግብ ንግዳዊ መስመር እዩ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ወደብ ንምዕራብ ኤውሮጳ፡ ኤስያ፡ ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝለኣኽ ኣቐሑ የአንግድ።

ኤርትራ፡ ኣብታ ኣስታት 1300 ዝንውሓቱ ገማግማ ዓሰብን ምጽዋዕን ዝተባህላ ዓበይቲ ወደባትን ብርክት ዝበላ ናእሽቱ መርሳታትን ኣለውኣ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ምስታ ቀንዲ ተጠቃሚት እተን ወደባት ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ኵናትን ኩነተ ኵናትን ስለዝጸንሐት ወደባታ ሓውሲ ደስኪለን እየን ጸኒሐን።

ኣብ 2018፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ እቲ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ተኸፊቱ፡ ክልቲአን ሃገራት ብምድርን ባሕርን ሰማይን ክራኸባ ዘኽእል ስምምዕ ተፈሪሙ፤ ናብ ባጽዕን ዓሰብን ዝወስድ ጽርግያታት ክጽገን ተጀሚሩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብዝተፈጥረ ኤርትራ እውን ዝተሳተፈቶ ደማዊ ኵናት እቲ ዕማም ኣይሰጎመን።

ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ እቶም ተቐናቐንቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመን ኣብ ኬንያ ዝተሰላሰለን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝተሳተፎ ናይ ሰላም ስምምዕ ብዘተስፉ መገዲ ይሰላሰል ብምህላው እቲ ዝፍጠር ርግኣት ነቲ ቑጠባዊ ህይወት ከበራብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩ ኣሎ።

ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም

ኬንያ

ኬንያ ብቱሪዝም እተፈልጠት ሃገር እያ። ዓመታዊ ኣስታት 2.5 ሚልዮን በጻሕቲ፡ ኣብ ገማግም ባሕራ ክናፈሱ፡ ብእንስሳ ዘገዳማታ ክሕጎሱ፡ ባህላዊ ብዙሕነታ ከንብቡ፡ ክሊማኣን ቅርጺ መሬታን ክዕዘቡ ይመጽኡ። ካብቶም በጻሕቲ ሃገር ከኣ ዓመታዊ ክሳብ 1.80 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ።

ኤርትራ እውን ዋላ’ኳ ከምቲ ናይ ኬንያ እንተዘይኮነ፡ ብዓቕማ ንበጻሕቲ ዝዕድም ጥንታዊ ታሪኻዊ ቅርስታትን ገዳማትን ብጽሬቱን ስፍሓቱን ዝድነቕ ብዙሓት ንወፍሪ ዝብህግዎ ፈጺሙ ዘይተተንከፈ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ።

ኣብቲ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት ዓመታዊ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ እኳ ይመጽኡዋ እንተነበሩ ድሕሪ ኵናት ዶባት 1998 -2000 ግን ቁጽሪ ቱሪስት ኣንቆልቂሉ ይርከብ። ኩሉ ነገር ምስ ሰላምን ርግኣትን ስለዝተኣሳሰር በዚ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ዓውደ ቱሪዝም ክበራበርን ሃገረ ኬንያ ንኤርትራ ብስልጠና ቱሪዝምን ኣገልግሎት በረራን ክትደጋገፋን ተሻሪኸን ክሰርሓን ልዑል ዕድላት ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ቅዋማዊ ምሕደራን ደሞክራስን

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ኬንያታ ስልጣን ንሓዲሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ እናኣረከበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ኬንያታ ስልጣን ንሓዲሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ እናኣረከበ

ሃገረ ኬንያ፡ ኣብ 1963 ናጽነታ ካብ እትጎናጸፍ ዋላ እውን ንነዊሕ ዓመታት ብምልኪ ትገዛእ ዝምስገን ርግኣት እዩ ነይሩዋ። ብፍላይ ኣብ 1997 ሃገራዊ ምርጫ ካብ ዝተኣታቶን ኬንያውያን ዝያዳ ናጽነት ረኺቦም።

ዋላ’ኳ ፖለቲካ ኬንያ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኮሰ ብምዃኑ ብዙሕ ብደሆታት እንተለዎ፡ ካብ ሃገራዊ ምርጫ ታሕሳስ 2002 ካብ እዋን ሚዋይ ኪባኪ ክሳብ ኣብ 2022 ዝተመርጸ ዊልያም ሩቶ፡ ኣህጉራውያንን ተዓዘብቲ ናጻን ፍትሓውን ምዃኑ ዝመስከርሉ ኣብ ገሊኡ ዘሰሓሕብ ግን ከኣ ስሩዕ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ይካየድ ኣሎ። ብሓጺሩ ኬንያ ምስ ዝተፈላለየ ብደሆታታ ኣብ ጎደና ደሞክራሲ ጽቡቕ ትስጉም ኣላ።

እዚ ሕጂ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ከም ኣቦ ሃገራዊ ቃልሲ ዝረአ ዝነበረ ግን ከኣ ካብ እዋን ነጻነት ክሳብ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ቅዋምን ደሞክራሲያዊ ምርጫን ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ኬንያ እንታይ ክመሃር ይኽእል ይኸውን?