ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Alfred N. Mutua/twitter
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ንምክያድ ሎሚ ኬንያ ኣትዩ።
ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣልፍረድ ሙቱዋ ዝርከብዎም ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢሎሞ።
ጽባሕ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ክራኸብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ ሓቢሩ'ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን’ውን ኣቶ ኢሳይያስ ተጓዒዞም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ 9 ታሕሳሳ 2022 ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ንመጀመርታ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሩቶ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምዝርራብ ክልተኣዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም ምንባሮም ይዝከር።
እቲ ዝተኸተመ ክልተኣዊ ስምምዕ ኣብ ዛባውን ንግዳውን ጉዳያት ዘተኮረ ሰለስተ ክፋላት ዝሓዘ’ዩ።
ነዚ ንምግባር ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ካብን ናብን እተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ባይታ ክጣጣሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ኬንያን ኤርትራን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንፈስ ‘ፓን ኣፍሪካኒዚም ‘ ብዕቱብ ክተሓባባራ ምዃነን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G.Meskel/Tweeter
ፕረዚደንት ኢሳያያስን እቲ ኬንያዊ መዘናኡን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምሓስን ንምዕባለን ኣብ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ክሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ክልቲአን ሃገራት ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ዝግበር ንግዳዊ ርክባት ከጎልብታ ምፍርራሞም ይዝከር።
ኣብ ታሕሳስ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኬንያታ ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ።
እዚ ምስ ኬንያ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ነዚ ምትሕብባር'ዚ ንምስፋሕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ይግመት።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክዝሕልን ክመውቕን ምጽንሑ ይግለጽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራሙ ይዝከር።
እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ርእሰከተማ ሞቓዲሾ ዝተኻየድ ብዛዕባ ምርግጋእ ሶማልያ ዝዘተየን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ዝተረኽብሉ ኣኼባ ኣይተሳተፈን።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት 5000 ወተሃደራት ሶማልያ ኣሰልጢና ናብ ሃገሮም ከምዝሰደደቶም ይፍለጥ።
ኤርትራ ኣባል ዞባዊ ውድብ ኢጋድ እንተዀነት'ኳ፡ ካብ 2007 ጀሚራ ተሳትፎኣ ኣቋሪጻ ጸኒሓ'ያ።
እቲ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ዝተሳተፍሉ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣአንጊዳ ምንባራ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Alfred Mutua/Twitter
ኣብ ዝሓለፈ 3 ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



