ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ከምዝኣተወ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ንመጀመርታ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ሩቶ፡ ንክልተ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ዕላማ ናይቲ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝግበር ዘሎ ምብጻሕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣቶ የማነ ኣይገለጸን።
ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ተራ ዝተጻወተት ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣአንጊዳ ምንባራ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ 3 ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ምብጻሕ ሩቶ ናብ ኤርትራ ዝተገልጸ ነገር ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዘሳለጡ ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣዋጅ ናይሮቢ ብ 12 ኣብ ዝተፈረመሉ ስነስርዓት ብዛዕባ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኡሁሩ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎም ከበድቲ ብረታት ምስ ኣረከቡ ኣብቲ ክልል ዘለዉ "ሓይልታት ወጻኢ" ክወጹ'ዮም።
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ናብቲ ክልል ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
ኣብ ታሕሳስ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኬንያታ ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክዝሕልን ክመውቕን ምጽንሑ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Eritrea Embassy Media/Youtube
ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራሙ ይዝከር።
እዚ ምስ ኬንያ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ነዚ ምትሕብባር'ዚ ንምስፋሕ ዝዓለም እንተኾይኑ ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።
ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝነበራ እምነት እናጎደለ ብምምጽኡ፡ ሓድሽ ዞባዊ ተበግሶታት ክትወስድ ትህቅን ከምዘላ ተንተንቲ ይገልጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 90ታት ነቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብፕረዚደንት ዳኒኤል ኣራፕሞይ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለዎ ነቐፌታታት ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜናቱ የቃልሕ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







