ፕረዚደንት ኬንያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣስመራ በጺሖም

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Yemane G. Meskel

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት ብ3 መጋቢት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዮም።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተዉ ከኣ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ብወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ብዛዕባ እቲ ዝተዘራረብሉ ጉዳይ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፡ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ስሉሳዊ ርክብ ከም ዘካየዱን፡ ቀጺሎም ድማ ብተናጸል ክልተኣዊ ርክብ ከምዘካየዱን ብጉዳይ ሃገራቶም ከም ዝተዘራረቡን ብትዊተር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Yemane G. Meskel

ብድሕሪ እቲ ርክብ፡ እቶም ኣጋይሽ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰኒዮም ዲጋታት ገርገራን ሚስለመን ከምኡ'ወን ኣብ ካልኦት ሕርሻዊ ንጥፈታት ዑደት ከም ዘካየዱ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ከኣ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣማስያኡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕለት 15 ታሕሳስ 2018፡ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተዘራሪቦም ነይሮም።

ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ዘሎ ዓበይቲ ዕድላት ንግድን ወፍርን ምትሕግጋዝ ንምዕባይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕ፡ ንመንግስቲ ሶማልያ ንምድልዳል ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ እወንታዊ ሃዋህውን ሰላምን ምትሕብባርን መሰረት ብምግባር ከኣ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝ ብሓባር ክሰርሑ ተረዳዲኦም ምንባሮም ይዝከር።