ፖሊስ አሜርካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተኹሲ ንዝኸፈተ ጥርጡር ይሃድን

መካይን ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ አሜርካ ግዝኣት ሮድ ኣይላንድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባሩስ ኤንድ ሆሊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም፡ ትሽዓተ ድማ ቆሲሎም።

ፖሊስ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ፕሮቪደንስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ናይ መወዳእታ ፈተናታት ይወስዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተምሃሮ ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ጥርጡር ንምሓዝ፡ ሃደን (ኣለሻ) የካይዱ ኣለዉ።

ዩኒቨርሲቲ ባሩስ ኤንድ ሆሊ ፈለማ ሰዓት 16:22 ከባብያዊ ኣቆፃፅራ ጠበንጃ ሒዙ ዝትኩስ ውልቀሰብ ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዘሎ ብምግላፅ፡ ተምሃሮ እንተኽኢሎም ክሃድሙ እንተዘይኾይኑ፡ "ማዕፆታታት ክፍልታት ክዓፅዉ፣ ድምፂ ሞባይሎም 'ሳይለንት' ክገብሩን ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ ዝንገሮም ክሕብኡን" መምርሒ ኣውሪዱ ነይሩ።

ፖሊስ ፕሮቪደንስ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ከም ዝተጐድኡ ብምርግጋፅ፡ ምርመራ የካይድ ከም ዘሎ ገሊፁ።

ከንቲባ እታ ከተማ ብሬት ስማይሊ፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ከም ዝተቐተሉን፡ ዝተጐድኡ ትሽዓተ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ኣረጋጊፁ።

ቁፅሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ብምግላፅ፡ ነበርቲ ተዓቚቦም ክፀንሑ ኣጠንቂቑ።

ውፃእ መዓት እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕል ብምባል ገሊፀሞ።

ምስ ካልኦት ሰለስተ ኣብ ቤተፈተነ ዝነበረ ቼንግ፡ "መብራህቲ ኣጥፊእና ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛታት ክንሕባእ ወሲንና። ኹሉ ውሑስ ክኸውን ተተስፍየ ነይረ። ኣብቲ ቤተፈተነ ውሑስ እየ ኢለ ሓሲበ… ንክልተ ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ተሓቢእና ፀኒሕና" ኢሉ።

ምክትል ሓለቓ ፖሊስ ፕሮቪደንስ ቲም ኦ'ሃራ: እቲ ጥርጡር "ሙሉእ ብሙሉእ ፀሊም ዝተኸደነ ሰብኣይ" ከም ዝኾነን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ፈፀመ ብጐደና ሆፕ ብእግሩ ከም ዝሃደመን ገሊፁ።

ምስሊ ሲሲቲቪ፡ ፀሊም ኽዳን ዝተኸደነን ገፁ ዘይረኣይን ጥርጡር፡ ካብ ህንፃ ምህንድስና እቲ ዩኒቨርሲቲ እንትወፅእ የርእይ። እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ምስሊ ጠበንጃ ሒዙ ኣይረኣይን።

ፖሊስ ኣብቲ ህንፃ ተፍትሽ ዘካየደ እንትኾን ክረኽቦ ግና ኣይኸኣለን። ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ድማ ኣለሻ ይቕፅል ኣሎ።


ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዕጥቕ ኣብ ዝሃድነሉ፡ ተምሃሮ ብፖሊስ ተዓጂቦም ክወፅኡ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዕጥቕ ኣብ ዝሃድነሉ፡ ተምሃሮ ብፖሊስ ተዓጂቦም ክወፅኡ ተራእዮም

ኣብ ጥቓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ኣብያተ ብልዕን ትካላት ንግድን ተዓፅዮም ይርከቡ።

ፈለማ እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ብዛዕባ ምእታዉ ምድንጋራት ነይሮም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ፈለማ "እቲ ጥርጡር ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ዘሎ። ኣምላኽ ንግዳያትን ስድራ ግዳያትን ይባርኽ" ብምባል፡ ብመገዲ ትሩዝ ገሊፁ'ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግና ፖሊስ እቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከም ዘይውዓለ ብምንፃሩ፡ ትራምፕ እቲ ኣቐዲሙ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘይኾነ ሓቢሩ።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "እቲ ጥርጡር ኣይተትሓዘን፡ ሕዚ ክንገብሮ ንኽእል ነገር ነቶም ግዳያትን ብጣዕሚ ዝተጐድኡን ምፅላይ'ዩ። ዘሎ ምዕባለታት ፀኒሕና ክንሕብረኩም ኢና… ፀልዩ" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ሮድ ኣይላንድ ዳን ማኪ፡ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብቕርበት ይከታተልዎ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ንምሓዝ መጠነ ሰፊሕ ሃደን የካይድ ኣሎ

ፖሊስ እታ ግዝኣት፡ ኣብዚ ክስተት ምስ ምሕደራ ህፁፅ ረድኤት ሮድ ኣይላንድን ከባብያዊ ኣኽበርቲ ሕግን ይሰርሑ ኣለዉ።

ፕረዝደንት ዩኒቨርሲቲ ብራውን ክሪስቲና ኤች. ፓክሰን፡ "እዚ ፍፃመ ኣብ ማሕበረሰብና ከቢድ ፍርሕን ጭንቀትን ከም ዝፈጠረ ንርዳእ ኢና። እቲ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ተዓፅዩ እዩ ዘሎ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ክፍልታቱን ውሑሳት ቦታታትን ክፀንሕ ኣለዎ። ተምሃሮ ምስ ዘድልይ ሓገዝ ናብ ውሑሳት ከባብታት ግዒዞም እዮም። ንዝቕፅል መዓልቲ ተመዲቡ ዝነበረ ፈተናታት ድማ ተሰሪዙ እዩ" ኢላ።

ኣካል ኣይቪ ሊግ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ኣስታት 11 ሽሕ ተምሃሮ ዝምህር እንትኾን፡ ክፍላተ ትምህርቲ ምህንድስናን ፊዚክስን ድማ ኣብ ህንፃታት ባሩስን ሆሊን ይርከቡ።

ከም ሓበሬታ እቲ ብጠበንጃ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ዝስንድ ትካል 'ጋን ቫዮለንስ ኣርካይቭ'፡ እዚ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ንቁፅሪ ኣብዚ ዓመት ኣብ አሜርካ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ጠበንጃ (ብረት) ናብ 389 ኣደይብዎ ኣሎ። በዞም መጥቃዕትታት 1800 ሰባት ተጐዲኦም።