እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሊንከን፡ ንህጹጽ ትግባረ ውዕል ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተዘራሪቡ
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንኣገዳስነት ቅልጡፍ ትግባረ ውዕል ሰላም መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ ገሊጹ።
ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንምዕራፍ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ሰነድ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፤ ከምኡ’ውን ንእኡ ምርኩስ ገይሩ ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ዝተበጽሐ ውዕል ትግባረ ስምምዕ፡ ኣሜሪካ ወሳኒ ተራ ከም ዝጸንሓ እዩ ዝንገር።
ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብሊንከን፡ ብ 22 ሕዳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብ ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘይተቘጠበ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስን ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ከም ዝነኣደ ኣመልኪቱ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ብሊንከን፡ ኣድላይነት፡ “ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢን ማዕረ ማዕረኡ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን፡” ዘጠቓልል ህጹጽ ትግባረ ስምምዕ ዘላቒ ምቝራጽ ተጻብኦታት ኣስሚሩሉ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ "ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኰኑ ዕጡቓትን" ካብ ትግራይ ምውጻእ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ማዕረ ማዕረ ክፍጸም እዩ ዘለዎ።
ድሕሪ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ከም ዝበለ ክልቲኦም ወገናት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን፡ መግብን መድሃኒትን ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዝጀመረ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲአት ገሊጸን እየን።
ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ፡ ትማሊ 22 ሕዳር ኣብ ብማዕከናት ዜና ‘ቲ ክልል ኣብ ዝተቓልሐ መግለጺኡ፡ ብመሰረት ‘ቲ ኣብ ናይሮቢ ዝገበርዎ ስምምዕ፡ ንዕጡቓት ሓይልታቶም ዝምልከት በብደረጃኡ ዝወርድ መብርሂታት ይወሃብን፡ ስዒቡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ዝትግበር፡ ምግላል ዕጡቕ ሓይሊታቶም ካብ ዞባ ኲናት ክፍጽሙ ምዃኖምን ኣተንቢሁ’ሎ።
እቲ ጀነራል ኣብ መግለጺኡ፡ ብወገን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ’ውን ማዕረ ማዕረኡ እቲ ዝግባኦም ክገብሩ ትጽቢት ዝግበር ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ነቲ ስምምዕ ምርኩስ ብምግባር ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት፡ ብወገን ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራል ዝተዋህበ ዝዀነ ሓበሬታ የለን።
እንተዀነ መንግስቲ ፈደራል፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዝጀመረን፡ ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእል ስርሓት ይካየድ ከም ዘሎን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሓገዝ "ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሉስ 15 ሕዳር ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብወገኑ፡ መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ማለት፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናጽን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ኣመልኪቱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣመልኪቶም፡ ወከልቲ ጕጅለ ተዛተይቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ብ 20 ሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ እቲ ስምምዕ፡ እቲ ቀንዲ ፈተና ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ምዃኑ ጠቒሶም ነይሮም።
ብ 15 ሕዳር ንጋዜጠኛታት ብርሑቕ መግለጺ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ዋሽንግተን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ትግራይን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከም ዝስሕቡ ንምግባር ኣብ ቃሎም ጽኑዓት ምህላዎም ከም ዘረጋገጸት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
“እዞም ስምምዓት ምስ ዘይክበሩ እገዳ ከም ሓደ መሳርሒ ወትሩ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ፡ ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣጠንቂቝ ነይሩ።
እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእን ትግባረ እዚ ውዕል ሰላም ንምርግጋጽን ዘይተቘጠበ ዲፕሎማስያውን ሎጀስቲካውን ደገፋት ከም እትገብር ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላምን ምስኡ ዝተሓሓዝ መካኒዝም ምክትታልን ምርግጋጽን [ትግባረ] ንምድጋፍ ኣሜሪካ ኣብ ቃላ ጽንዕቲ ምህላዋ ደጊሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።