ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ዳግማይ ተወሊዑ?

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተላዕለ ኲናት፡ ብሰፊሑ ዳግም ክውላዕ እንከሎ፡ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ዝወስድ መገዲ ገና ኣይተፈልጠን።

ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ እቲ ኲናት 24 ነሓሰ 2022 ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ እተዋስን ከተማ ቈቦ [ዶባት ደቡብ ትግራይ] ከም ዝተጀመረ ይሰማምዑ።

መጀመርታ ጥይት መን ተኲሱ ኣብ ዝብል ግን፡ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ ከም ዝብሉዎ ግን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መላፍንቱ ዝዀኑ ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሚሊሻ ኣምሓራን ቅድሚ ሰሙናት ሓይልታቶም ናብቲ ከባቢ ኣጸጊዖም ጸኒሖም።

ህወሓት ብወገኑ፡ ኣድህቦኡ ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ሓይልታቱ ገይሩ ጸኒሑ። መናእሰይ ብኣስገዳድ ናብ ገድሊ ኣእትዩ ንዝብል ክሲ ግን ይነጽጐ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ሓይልታት ትግራይ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ካብ ሰራዊት ፌደራል ማሪዀም’ዮም። ካብ ወጻኢ ሓደሽቲ ዕጥቂ ኣእትዮም ኣለዉ ዝብሉ ሕሜታት'ውን ኣሎ።

ካብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ወጥሪ ዓሲሉ ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሰሙናት ክኣ፡ ክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ክጅምሩ’ዮም ዝብሉ ተስፋታት ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምክትሉ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ ሰላም ኣቝሙ ስርሑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ነይሩ።

ቅድሚኡ’ውን፡ ኣቢይ ምስ ህወሓት ዝዘራረቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰዲዱ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ወከልቲ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ሲሸልስን ጅቡቲን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበርዎ ዕጽዋ ከልዕሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ኬንያ፡ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝርርብ ክጅምሩን ዝተሰማምዑ ይመስሉ።

ኣብዚ እቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦ ከም ዝዀነ ተዘራሪቦም። ኣሜሪካ ምስ ኬንያ ብምትሕብባር ብድሕሪ እዞም ዝርርባት ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

ብ2 ነሓሰ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዝገበሩ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ትግራይ “ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ቴሌኮም፡ ኤሌክትሪክ፡ ባንክን ካልእን ብቕልጡፍ ክምለሱ” ኣለዎም ብምባል፡ ነዚ ንምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም ነይሮም።

ይዅን’ምበር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ብዛዕባ እቲ ዕጽዋ ዝበሎ ነገር የለን።

ኦባሳንጆ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንሱ እቲ እንኮ ኣደራዳሪ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ናብቲ ልዝብ መላፍንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነት ኤርትራ ክትዕደም ሓሳብ ብምቕራብ ኣደኒቝዎም።

መራሕቲ ህወሓት፡ ማእከላይ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ኣየተግበረን ኢሎም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ዝርርብ የለን እዩ ዝብል።

ዓለምለኻዊ ልኡኻት'ውን እንተዀነ እዞም ዝርርባት ስለምንታይ ከምዘይቀጸሉ ዝሃብዎ ቃል የለን።

ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ማእከላይ መንግስቲ ረድኤት መግቢ፡ መድሃኒትን ድኹዕን ዝጽዓና መካይን ክኣትዋ እኳ እንተፍቀደ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ቦትኦም ኣይመለሰን።

በቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ” ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዝተወሰነ ደረጃ ኣብ ትግራይ ስርሓውቱ ከካይድ'ኳ እንተኽኣለ፡ ህወሓት ግን፡ ነቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ናእዳ [ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ] ብዙሕ ዕግበት ኣይጸንሖን።

ብኣንጻሩ፡ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዕጽዋ ብምንዋሕ ጥምየት ከም ኣጽዋር ኲናት ትጥቀም ኣላ፤ ዝኣቱ ረድኤት'ውን እኹል ኣይኰነን ብምባል ተቓውሞኡ ይገልጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ “ንዓሰርተታት ኣሽሓት” ሰባት ረዲኤት ከብጽሕ ክኢለ እየ ይብል። እዚ መጀመሪ እዩ እምበር፡ ኣብቲ ክልል 4.8 ሚልዮን መግቢ ዝደልዩ ሰባት ኣለው።

ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ኲናት ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ሞት ናብ እንገጥመሉ ደረጃ ብፍጥነት ንጽጋዕ ኣለና። ምርጫና ብጥምየት ምጥፋእ’ዶ ንመሰልናን ክብርናን እናተቓለስና ንሙት ዝብል ጥራሕ’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ተጋሩ ንጃምላዊ ጥምየት ተቓሊዖም’ዮም። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ከም ዝሞቱ ኣይፍለጥን።

ጕጅለ ምሁራን ቤልጅም ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣስታት 500 ሽሕ ተጋሩ ብጥምየትን ተዛመድቲ ምኽንያታትን ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ንርእሰ ከተማ እታ ክልልን ካልኦት ዝበዝሑ ከባቢታት ትግራይን ካብ ዝቈጻጸርዎ ንደሓር፡ እንትርፎ ኤኣርቲኢ ዝተባህለ ጕጅለ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ናብቲ ክልል ዝበጽሐ ዓለምለኻዊ ሚዲያ የለን።

እቶም ውሑዳት ናብቲ ክልል ክኣትው ዝተፈቕደሎም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ህጻናት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝምልከት መረዳእታ’ውን ክእክቡ ኣይክኣሉን።

ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ “ጥምየት ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ዝብል ኣይንፈልጥን” ኢሉ እዩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ክዓሙቕ’ዩ። እቶም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ኣገልግሎታት ሰብኣዊ ረድኤት ሕጂ ስርሖም ደው ኣቢሎም ኣለው።

ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክኣ እቲ ዘሎ ውሑድ ምህርቲ ኣይእከብን፤ እቲ ግጭት ክኣ ተወሳኺ ቅልውላው ክፈጥር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ፤ እዚ ንመውዓሊ ህጻናት ብምህራሙ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊጾም።

መንግስቲ፡ ንወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ከምዝገበረ ብምግላጽ ነዚ ይነጽጐ። ሰሉስ ምሸት ክኣ፡ ካልኣይ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ኣሎ።

ህወሓት፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 12 ገንኢ ነዳዲ “ብምስራቑ” ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሰብኣዊ ትካላት ሓያሎ ነቐፌታ ወሪዱዎ።

ህወሓት ግን፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣለቂሕዎ ዝነበረ ነዳዲ መሊሱ ከም ዝወሰደ ብምግላጽ፡ እቲ ነቲ ክሲ ዝቐረበሉ መገድን ግዜን ነቶም ዝስርሑ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ምብጻሕ ረድኤት ዘተዓናቕፉ’ዮም ይብል።

ብኻልእ ወገን፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ጽዒና ካብ ሱዳን ትኣቱ ዝነበረት ነፋሪት ወቒዐ ኣውዲቐ ይብል። ህወሓት ግን ነዚ ይነጽጐ።

ኣብ ኤርትራ ክኣ፡ ኣብ ሸነኽ ዶባት ትግራይ ምንቅስቓሳት ገዚፍ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ኣሎ ይብሃል። መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ቃል የለን። ትማሊ ረቡዕ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ውግእ ከምዝተጀመረ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ቆቦ ዝነበረ ውግእ ከቢድ ከም ዝዀነን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ 20 ክፍላተ ሰራዊት ወሳኒ ዓወት ከምዘመዝገቡን ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ከም ዝሓዙን ይገልጹ። እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይክኣለን።

ዝገጠመኒ ስዕረት የለን ዝብል ማእከላይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘቕርብኦ ጸብጻባት “ንስለ ሃገራዊ ረብሓ ጥንቃቐ ክገብራ” መምርሒ ሂቡ።

ሰራዊት ፌደራል፡ ካብ ቆቦ ከም ዝወጽአ እዩ ዝገልጽ፤ ካብ ከተማ ወልዲያ ዝወጽኡ ጸብጻባት ክኣ፡ እቲ ሰራዊት ከም ዘይተራእየ ይሕብሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ህወሓት ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ሓይልታቱ ንኣንፈት ደቡብ ኣየግዓዘን፤ ወልዲያ ተቘጻጺሮምዋ ዝብሉ ጸብጻባት ክኣ ልክዕ ከም ዘይኰኑ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ተዛሪቡ።

ህወሓት ቅልጡፍ ዝርርብ ክጅመር ኣለዎ ይብል ኣሎ። ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበር ውግእ ንምትሕብባር ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ልፍንቲ'ኳ እንተሃለዎ፡ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል ልፍንቲ ግን የብሉን።

መብዛሕትኦም ተጋሩ ክኣ፡ ንዓዶም ጥራይ’ዮም ክዋግኡ ዝደልዩ።

ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ከዘራርብ ሓላፍነት ካብ ዝወሃቦ ሓደ ዓመት'ኳ እንተመልኦ፡ ገለ ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ ዋላ’ውን ድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተሃለዎ ዝጭበጥ ለውጢ ኣየምጽአን ይብሉ።

እቲ ኣሜሪካን-ኬንያን ዝመርሓኦ ተበግሶ፡ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ምኽትል ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ተመራጺ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ኣብ መረጻ ከም ዝተዓወተ ካብ ዝግለጽ ንደሓር፡ ምናልባት ሩቶ፡ ንኡሁሩ ኬንያታ ነቲ ልዝብ ሰላም ክመርሖ ክመዞ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣሜሪካውያን መሐለውታ ትልሚ ዝነበሮም ኣይመስሉን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ዝርርባት “ብዘይቅድመ ኵነት” ዳግም ክጅምሩ ጸዊዑ። ግን ክኣ ክልቲኦም ወገናት ነዚ ጻውዒት ዘድህቡሉ ኣይመስሉን።

ኣቢይ፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ተሳዒሩ ንዝርርብ ዝቐረበ ድኹም መሲሉ ክርአ ኣይደልን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዳግም ህወሓት “ኣሸባሪ” ኢሉ ምጽዋዕ ጀሚሩ ኣሎ።

ህወሓት፡ እቲ ዕጽዋ ክልዓል እዩ ዝደሊ። እዚ ገበን ኲናት’ዩ ብምባል ቅድመ ኵነት እቶም ልዝባት ገይሮም የቕርቡዎ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ስቓይን ሞትን ግን፡ ንኢትዮጵያውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓደ ነገር ክርድኡ ዝገበረ ይመስል፤ ኲናት ትግራይ ወተሃደራዊ ፍታሕ ኣይርከቦን።

ኣሌክስ ደዋል፡ ዋና ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም