ዒሳ ሓያቱ፡ ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዘበረኸ ኣፍሪቃዊ

ኣብ ታሪኽ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ክመጽእ ከሎ፡ ዒሳ ሓያቱ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ዘካትዕ ኣይኰነን።

ካሜሩናዊ ዒሳ ሓያቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብዛ ዓለም ተፈልዩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ጽኑዕን ፓን-ኣፍሪቃዊን መራሒ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ፕረዚደንት ካፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንረብሓታት እታ ኣህጉር ብትሪ ዝጣበቕ’ዩ ተባሂሉ ይንኣድ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዓለም ፊፋ ንሓጺር እዋን ከም ግዝያዊ ፕረዚደንትነት ዝርከብዎም ልዑል ስልጣናት ሒዙ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣባል ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ (IOC) ከምዝነበረ እውን ይፍለጥ።

ሓያቱ ብሰንኪ ጸገም ኩሊት ዳያሊሲስ ክገብር ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኡ’ዩ ኣብ ፓሪስ ዓሪፉ።

ኣብ ካፍ ዝነበረሉ ግዜ ብታሪኻዊ ነገራት ከምኡ’ውን ብኽትዕ ዝተዓብለለ’ኳ እንተነበረ፡ ሓደ ሓቂ ግን ዕድመ ስልጣኑ ብዕቱብ ኣመራርሓ’ዩ ዝፍለጥ።

ጕዕዞ ናብ ጽፍሒታት ስልጣን ስፖርት

ሓያቱ ወዲ ገዛኢ ከባቢ ጋሩዋ ሰሜን ካሜሩን እዩ። ኣብ ንእስነቱ ኣብ 400 ሜትሮን 800 ሜትሮን ሃገራዊ ሻምፕዮን ትራክ ኰይኑ ነይሩ። ኣብ ውድድር መላእ ኣፍሪቃ ንካሜሩን ወኪሉ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዐት እውን ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ 1974 ሓያቱ ወዲ 28 ዓመት እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኰይኑ ተመዚዙ። ኣብ ምምሕዳር ስፖርት ድማ ናይ መጀመርታ ጽፍሒ ክሕዝ ክኢሉ።

ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኰይኑ።

ኣብ 1986 ንፈጻሚት ኮሚተ ካፍ ተመሪጹ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሓላፊ ናይቲ ኣህጉራዊ ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ምክትል ፕረዚደንት ፊፋ ክኸውን ክኢሉ።

ንዅዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ዝዓብለለን ኣብ ብዙሕ መዳያት ሰውራ ዘተኣታተወን ሓያቱ ንፈለማ እዋን ኣብ ካፍ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብንእሽቶ ብልጫ እዩ ተዓዊቱ።

ብኣርባዕተ ድምጺ ጥራይ ዝረኸቦ ዓወት ግን ሓድሽ ዘመን ኣበጊሱ።

ሓያቱ ምስ ፊፋን ካልኦት ኮንፈደረሽናትን ብምዃን እቶት፡ ተኣማንነትን ዝምድናን ከምዘበርኽ ቃል ኣትዩ፤ ብዙሕ መብጽዓታቱ ድማ ኣማሊኡ እዩ።

"ፕረዚደንት ሓያቱ፡ ብመሪሕነቱ፡ ምስ ሰባት ብምትሕውዋስ ክእለቱን፡ ብናይ ተግባራውነት ስምዒቱን፡ ንድምጺ ኣፍሪቃ ክከላኸል ክኢሉ። ብዙሕ ዕዳ ኣለና" ይብል ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ሳሙኤል ኤቶ።

ብራኸ ዕድላት

ሓያቱ ካፍ ንፕሮጀክትታቱ ንምምራሕ እኹል ገንዘብ ከምዘለዎ ንምእማኑ ዘጸግም ንቕሓት ስለዝነበሮ ንሚዛን ናይቲ ትካል ክቕይር ክኢሉ እዩ።

ኣብ ባንክ 1.25 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ዝወረሰ ካፍ፡ ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንከሎ 130 ሚልዮን ዶላር ነይርዎ።

ኣብ ሜዳ ኣብ ዘሎ ጉዳያት ክመጽእ ከሎ፡ ሓያቱ "ንመሰረተ ልምዓትን ምዕባለ ተጻወትን ንምፍቃድ" ዝያዳ ውድድር ከምዘቕረበ ዋና ጸሓፊ ካፍ ነበር ሂቻም ኤል ኣምራኒ ይገልጽ።

ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ፡ ትሕቲ 17 ዓመትን ትሕቲ 20 ዓመትን ክተኣታተው’ውን ክኢሎም እዮም።

ኣብ ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ ቍጽሪ ኣብ ኤውሮጳ ዝነጥፉ ተጻወትቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓያቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነጥፉ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንኽደምቁ ዕድል ንምሃብ ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ ፈጢሩ። ኣብ ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋ ሃገራዊ ጋንታታት ካብ ሸሞንተ ናብ 16 ክብርኽ ገይሩ።

ሓያቱ፡ ካብ ክለባት ኣውሮጳ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓዎሙ ተጻዊሩ፡ ፍጻመ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት ክካየድ ኣብ ዘለዎ እምነት ምጽንዑ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ተሳትፎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ ክልተ ጋንታታት ኣብ 1998 ናብ ሓሙሽተ ክብርኽ ኣኽኢሉ። እዚ ድማ ድሕሪ ሃገራት ኣውሮጳ ካልኣይ ዝበዝሐ ውክልና እዩ።

ሓያቱ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ኣብ ዘአንግደትሉ እዋን፡ ንመጀመርታ ግዜ ዋንጫ ዓለም ናብ ኣፍሪቃ ብምምጽኡ'ውን ንምእማኑ ዘጸግም ሓበን ነይርዎ።

ክሲታት ዕንደራን ጉቦን

ኣብ ውሽጢ ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒታት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ምናልባት ሓያቱ ስሙ ምስ ዕንደራታት ክተሓሓዝ ዘይተርፍ’ዩ ነይሩ።

ሓደ ካብዚኦም ምስቲ ኣብ ዙርያ ዓለምለኻዊ ስፖርትን ትርፊ ግዜን ዝነበረ ዕንደራ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል፤ እቲ ትካል ኣታዊ ዘለዎ መሰል ፈነወ ዋንጫ ዓለም ሂቡ’ኳ እንተነበረ ኣብ 2001 ግን ፈሪሱ’ዩ።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ፡ ሓያቱ ኣብ 1995 ብድምር ኣስታት 20 ሽሕ ዶላር ከምዝረኸበ ይሕብር።

ሓያቱ ግን ዝዀነ በደል ከምዘይተፈጸመ ብምኽሓድ እቲ ክፍሊት ንካፍ ዝተዋህበ ህያብ ምዃኑ ገሊጹ። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ገንዘብ ምቕባል ገበን ኣይነበረን።

ፊፋ ኣብ ልዕሊ ሓያቱ ዝዀነ ስጕምቲ ኣይወሰደን፤ እንተዀነ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ዝተፈለየ ስጕምቲ ወሲዱ ነይሩ። ናይ ረብሓ ግጭት እዩ ብምባል ንሓያቱ ብተግባራቱ ገኒሕዎ።

ካብዚ ዝኸበደ ክኸውን ዝኽእል፡ ሓያቱ ምስ ሓደ ብጻዩ በዓል ስልጣን ካፍ፡ ኣብ 2010 ካብ ቐጠር 1.5 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ምቕባሉ ዝገልጽ ክሲ እዩ። እዚ ድማ ቐጠር ኣብ መወዳእታ ንዋንጫ ዓለም 2022 ንምእንጋድ ኣብ ዝገበረቶ ዕዉት ጨረታ ደገፍ ንምሃብ ከምዝዀነ ይግለጽ።

እቲ ካሜሩናዊ ግን ነዚ ክሲ ይነጽግ፤ ኣብ ልዕሊኡ’ውን ዝዀነ ስጕምቲ ኣይተወሰደን።

ኣብ 2015 ምስ ፈረንሳዊ ኩባንያ መሰል ሚድያ ላጋርደረ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ስምምዕ ምፍራሙ፡ ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ ዓበይቲ ኣካታዒ ተግባራት ሓያቱ ኰይኑ ይግለጽ።

ኣብ ነሓሰ 2021 ሓያቱ ብዘይ ምሉእ ፍቓድ ፈጻሚት ኮሚተ ካፍ ስነ-ምግባራዊ ኣገባብ ብምጥሓሳ ስምምዕ ብምፍጻሙ ብፊፋ ናይ ሓደ ዓመት እገዳ ተገይሩሉ።

እቲ እገዳ ግን ንተግባራት ፊፋ ዝዀነ ምኽንያት ከምዘይረኸበ ብዝገለጸ ቤት ፍርዲስፖርት ተቐልቢሱ እዩ።

ኣብ ኣንጎላ ንዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ምላሽ

ኣብ 2010 ኣብ ዋዜማ ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝተኻየደ ፍጻመ ዋንጫ ሃገራት፡ ክልተ ኣባላት ልኡኽ ቶጎ ብጥይት ብዕጡቓት ኣብ ዝተቐትሉሉ እዋን፡ ሓያቱን ካፍን ነቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዝዝምልከት ዝሃብዎ ምላሽ ቍጥዐ ፈጢሩ ነይሩ።

ቶጎ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምስሓባ፡ ካፍ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ውድድራት ከይትሳተፍ ክእግድ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ብቴክኒካዊ መዳይ ምስ ሕጊታት እቲ ትካል ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይዅን’ምበር ንኣገዳዲ ኵነታት ይኹን መሰረታዊ ሓባራዊ ጭውነት ዘመልክት ኣይነበረን።

ቶጎ ኣብ መወዳእታ ኣብቶም ውድድራት ክትሳተፍ ተወሲኑ’ዩ።

ይዅን እምበር፡ ዕላዊ ዘይኰኑ ካልኦት ተግባራት ካፍ ንኣተሓሳስባ ሓያቱ ከም መራሒ ዘመልክቱ ምዃኖም ዘርኢ ፍጻመታት'ውን ኣሎ።

ካፍ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዜና ምስ በጽሖ ንምእማኑ ብዘጸግም ፍጥነት፡ ነቶም ዝተጐድኡ ንምሕጋዝ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ሓገዝቲ መካይንን ናብቲ ቦታ ሓደጋ ልኢኹ ከምዝተጓየየ ምስማዕ ዘየደንቕ ኣይኰነን።

ካፍ ግን ስለምንታይ ነዚተግባሩ'ዚ ከቃልሖ ዘይመረጸ? ንዝብል ሕቶ ሓያቱ "ስለምንታይ ኢና እሞ ነቲ ዝገበርናዮ ንህዝቢ ክንነግር ዘድልየና?" ክብል ጥራይ እዩ ምላሽ ሂቡ።

ብሓቂ እዚ ንኣተዓባብያኡ ከም ሓደ ወዲ ሱልጣን ኣብ ሰሜናዊ ካሜሩን ክህቦ ዝኽእል ምላሽ ምዃኑ እዩ ዝርአ።

ቃላትን ውሳነታትን ናይቲ ገዛኢ ናይ መወዳእታ ኰይኑ፡ መብርሂ ዘድልዮ ኣይነበረን።

ምቕያር ኣመራርሓ

ኣብ 2002 ፕረዚደንት ፊፋ ንምዃን ዘካየዶ ዘይተዓወተ ጻዕሪ ስዒቡ፡ ኣብ 2016 ንብላተር ንምትካእ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ምዝዛም ንግስነት ካፍ ሓያቱ ጀሚሩ።

እዚ ካሜሩናዊ ን54 ኣባላት ካፍ ንሕጹይ ባሕሬናዊ ሸኽ ሳልማን ቢን ኢብራሂም ኣል ኸሊፋ ክድግፉ መምርሒ ሂቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ዘውዲ ሒዙ።

እዚ ስዊዘርላንዳዊ-ኢጣልያዊ፡ ሓያቱ ካብ ስልጣን ክእለ ክርኢ ድሌት ነይርዎ፤ ኣብ 2017 ድማ በቲ ብፊፋ ዝድገፍ ሕጹይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ይዅን’ምበር፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣዝዩ ብዝዛይድ ክሲ ዕንደራ፡ ስነ-ምግባር ብምጥሓስ ብፊፋ ዝተኣገደ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ካፍ ኰይኑ።

ሓያቱ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንደሓር ዘጋጠሙ ምዕባለታት፡ ንገለ ካብቶም ካብ ስልጣኑ ከውጽእዎ ዝደለዩ ሰባት፡ ብዛዕባ ሕድሩ ከስተንትኑ ግዜ ሂብዎም’ዩ።

“ሕልፈት ዒሳ ካብ ስልጣን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካብ ዝእለ ንደሓር ዘጋጠመና ክሳራ ልቢ ዝትንክፍ መዘኻኸሪ ኰይኑ የገልግል” ክብል ፕረዚደንት ፈደረሽን ላይበርያ ነበር ሙሳ ቢሊቲ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ገሊጹ።

"ነፍሲ ወከፍና ዝተቓወምናዮ ነዚ መስተንክር መራሒ ይቕሬታ ክንሓትት ሓይሊ ክንረክብ ይግባእ።"

ፊፋ ኣብ ልዕሊ ሓያቱ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣብ ዝተቐልበሰላ መዓልቲ ኣብ ዓመታ፡ ኣብ ዓዱ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021 ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ምስ ኢንፋንቲኖ ተራኺቦም።

ኣብቲ እዋን ሓያቱ 'ክመውት ደሊኻኒ፡ ኣነ ግን ብህይወት ኣለኹ' ከም ዝበሎ ይንገር።

እዚ ካሜሩናዊ መራሒ ሕጂ ተፈልዩና ኣሎ፡ መግለጺታት ክብሪታቱ ይውሕዙ ኣለዉ፤ ባንዴራታት ድማ ብካፍን ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ክትሕቱ ተገይሮም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ጌጋታት እንተሃለዎ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩን ወይ ድሕሪኡ ዝሰዓቡን መራሕቲ ዝያዳ ንረብሓታት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ከምዝታቐለሰ ይኣምኑ።